እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሩስያ ብምስላል ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንሩስያ ይስልሉ ነይሮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተውን ክሲ ክሲ ከም ዝተመስረተሎምን ቢቢሲ ካብ ምንጪታቱ ኣረጋጊጹ።
እዞም ሰለስተ ሰባት ዜጋታት ቡልጋርያ ኰይኖም ካብ ወርሒ ለካቲት 2023 ጀሚሩ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ይግለጽ።
ሓደ ካብቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ውልቀሰባት ዝቐረበ ክሲ፡ "ንዘይግቡእ ዕላማ" ንምጥቃም ብምሕሳብ ናይ ሓሶት ሰነዳት ምሓዝ ዝብል እዩ።
ከም ፓስፖርት፡ መለለዪ መንነትን ካልኦት ሰነዳትን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቡልጋርያ፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ስፔን፡ ክሮሺያ፡ ስሎቬንያ፡ ግሪኽን ቼክ ሪፐብሊክን ዝበሉ ናይ ሓሶት ሰነዳት እዮም ኣብ ኢድ እቶም ጥርጡራት ተረኺቦም።
ካብቶም ሰለስተ ጥርጡራት፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ እቶም ክልተ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ኰይኖም፡ ጓል 31 ዓመት ካትሪን ኢቫኖቫ፡ ወዲ 41 ዓመት ኦርሊንስ ሩሰቭን ወዲ 45 ዓመት ቢዘር ድዝሃምባዞቭን እዮም።
ሰለስቲኦም ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክነብሩን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስራሕቲ ክሰርሑን ዝጸንሑ ክዀኑ እንከለው፡ ሩሴቭ ድማ ኣብ ሩስያ’ውን ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ከም ዝነበሮ ተገሊጹ።
ሩሴብ ብ2009 ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ምግዓዝ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ፋይናንሳዊ ጽላት ሰሪሑ።
ኣብ ሓደ እዋን ንሚኒስትሪ ጸዓት ቡልጋርያ ናይ ምምኽኻር ኣገልግሎት ይህብ ነይሩ። ኣብ ሊንከዲን ዝርከብ ድሕረ ባይትኡ ከም ዘመላኽቶ ድማ፡ ኣብ ርክባት ድሕነት ዝሰርሕ ናይ ብሕቲ ትካል ኣጣይሹ ኣሎ።
እቶም ዝተረፉ ክልተ ጥርጡራት መጻምድቲ ምዃኖም ጐረባብቶም ዝነበሩ ሰባት ሓቢሮም።
ቢዘር ድዛምባዞቭ መራሒ መኪና ሓደ ሆስፒታል ከም ዝዀነ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣፍቃሪቱ ጓል 31 ዓመት ካተሪና ኢቫኖቫ ድማ ኣብ ናይ ብሕቲ ትካል ጥዕና ክኢላ ላቦራቶሪ ምዃና ኣብ ሊንከዲን ኣብ ዘስፈረቶ ድሕረ ባይታ ትገልጽ።
እዞም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዓሰርተታት ዓመታት ክነብሩ ዝጸንሑ መጻምድቲ፡ ሓደሽቲ ዜጋታት ቡልጋርያ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክመጽኡ እንከለዉ ምስ ባህልን ልምድን እታ ሃገር ንክላመዱ ዝሕግዝ ትካል ኣለዎም።
ብተወሳኺ፡ ወግዓዊ ሰነድ መንግስቲ ቡልጋርያ ከም ዘመልክቶ፡ እዞም መጻምድቲ፡ ካብ ሃገር ወጻእ ዝነብሩ ዜጋታት ቡልጋርያ ኣብ መረጻ እታ ሃገር ንክሳተፉ፡ ኣብ ለንደን ንኮሚሽን መረጻ ሰሪሖም ምንባሮም ይሕብር።
እቶም ንሩስያ ይስልዩ ተባሂሎም ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ መጻምድቲ፡ ከም ህያብ ምቁር መግቢ ይህብዎም ከም ዝነበሩ ጐረባብቶም ይዛረቡ።
ወሲኾም፡ እቶም መጻምድቲ ድሕሪ ምእሳሮም ፖሊስ ንመዓልታት ኣብ ገዝኦም ጽኑዕ ተፍትሽ ከም ዘካየደ ሓቢሮም።
እዞም ሰለስተ ተኸሰስቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ክሲ ገበኖም ኣይተኣመኑን።
ፖሊስ ጸረ ግብረ ራዕዲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ምጽራይ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝሒ ሰለይቲ ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እናወሰኸ ብምምጽኡ ፖሊስ እታ ሃገር ስክፍታ ከም ዘለዎ ይፍለጥ።
ኣብ 2018 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበሩ ሰለይቲ ሩስያ፡ ሰርገይ ስክሪፓል ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ ሰላዪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስጢራዊ ሰነዳት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣመሓላሊፉ ብዝብል ንዕኡን ንጓሉን ‘ኖቪቾክ’ ዝተባህለ ቀታሊ ስሚ ተጠቒሞም ክቐትልዎም ፈቲኖም ነይሮም።
ኣብ 2006 ሓላፊ ስለያ ሩስያ ነበር ኣሌክሳንደር ሊትቪነንኮ ኣብ ለንደን ንመንግስቲ ሩስያ ብዝሰርሑ ቀተልቲ ድሕሪ ምምራዙ ሞይቱ።