እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማይክል ጃክሰን፡ ጾታዊ ዓመጽ ዝምልከቱ ክስታቱ ዳግማይ ክለዓሉ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ
ኣብ ህጻንነቶም ብማይክል ጃክሰን ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙና ዝብሉ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታቱ ዝቐረበ ክሲ ዳግማይ ክለዓል ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ዳያኑ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ወሲኑ።
ኣብ 40ታት ዕድመ ዝርከቡ ዌድ ሮብሰንን ጀምስ ሳፈቻክን፡ ኣብ ንእስነቶም ንዓመታት ብማይክል ጃክሰን ከም ዝተዓመጹ’ዮም ዝገልጹ።
ሕጂ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ማይክል፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተዓጽወ ክሲ ክከፍቱ ተኽእሎ ኣሎ።
እዘን ኩባንያታት ካብቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ነይርወን እዮም ዝብሉ።
ጠበቓታት ናይቲ ኣብ 2009 ዝዓረፈ ጃክሰን፡ ንጽህናኡ ይገልጹ።
ሮብሰንን ሳፈቻክን ኣብ መወዳእታ 1980ታትን መጀመርታ 1990ታትን ኣብ ኔቨርላንድ ራንች ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ብጃክሰን ከም ዝተዓመጹ ይዛረቡ።
እዚ ክስታት ኣብታ ኣብ 2019 ዝተዘርግሐት ዶክመንታሪ ፊልም ሊቪንግ ኔቨርላንድ ዝተጠቓለሉ ክኸውን ከሎ፡ ስድራቤት ጃክሰን “ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ" ዝተፈጸመ ቕትለት ክብሉ ገሊጾምዎ ነይሮም።
ኣብ 2020፡ ዳኛ ሎስ ኣንጀለስ፡ እተን ኩባንያታት ንዕኡ ናይ ምሕብሓብ ግዴታ የብለንን ብምባል ሳፈቻክ ኣብ ልዕሊ ንግዲ ጃክሰን ክሲ ክምስርት ከም ዘይኽእል ገሊጹ ነይሩ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ተመሳሳሊ ዳኛ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣንጻር ሮብሰን ውሳነ ኣሕሊፉ’ዩ።
ሕጂ ግን ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ይግባይ፡ "ብሓደ ካብ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ጾታዊ ዓመጽ ንኽፍጸም ዘመቻችእ ኩባንያ፡ እቲ ኩባንያ ብቲ ገበነኛ ስለዝውነን ጥራይ፡ ነቶም ህጻናት ካብ ምክልኻል እወታዊ ግዴታ ነጻ ኣይኰነን" ክብል ወሲኑ።
"እቲ ተኸሳሲ ትካል ሓደ በዓል ዋና ኣክስዮን ጥራይ ስለዘለዎ፡ ዝዀነ ግዴታ የብሉን ምባል” ጌጋ ምዃኑ ብምግላጽ "ኣብ ልዕሊ እቶም ኩባንያታት ዝተወሃቡ ፍርድታት” ከም ዝገልበጠ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ የመልክት።
ንሳፈቹክን ሮብሰንን ዝውክል ጠበቓ ቪንስ ፊናልዲ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሕጂ "ኣብዞም ጉዳያት ዝሃቦ ዘይቅኑዕ ውሳነታት፡ ኣንጻር ሕጊ ካሊፎርንያን ንህጻናት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሓደገኛ ቅድመ-ኩነትን" ክኸውን ስለዝኽእል እቲ ውሳነ ከም ዝተቐየረ ገሊጹ።
ጠበቓ ንብረት ማይክል ጃክሰን ዝዀነ ጆናታን ስቴንሳፒር፡ ጃክሰን ንጹህ ምዃኑ "ምሉእ እምነት" ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ እቲ ክስታት "ንኹሉ ተኣማንነት ዘለዎ መርትዖታትን ናጻ መርመራታትን ዝጻረር" እዩ ይብል።