ወዲ ኮኾብ ኵዕሶ ሰኪዐት ለብሮን ጀምስ ድሕሪ ወቕዒ ልቢ ከመይ ኣሎ?

ናይ ኩሉ ግዜ ዝበለጸ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዝኾነ ለብሮን ጀምስ ምስ ወዱ ብሮኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናይ ኵሉ ግዜ ዝበለጸ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዝዀነ ለብሮን ጀምስ ምስ ወዱ ብሮኒ

በዅሪ ወዲ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዐት ለብሮን ጀምስ ዝዀነ ብሮኒ ጀምስ፡ ድሕሪ ሓደጋ ወቕዒ ልቢ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተረጋገአ ኵነታት ከምዘሎ ስድራቤት ገሊጹ።

ኣባላት ስድራቤት ንኢኤስፒኤን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ምስ ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ዩኒቨርሲቲ ደቡባዊ ካሊፎርንያ (ዩኤስሲ) ልምምድ ይገብር ከምዝነበረ ሓቢሩ።

"ሰራሕተኛታት ሕክምና ንብሮኒ ክሕክምዎን ናብ ሆስፒታል ክወስድዎን ክኢሎም" ዝብል ጽሑፍ ተዘርጊሑ ነይሩ።

"ሕጂ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣሎ፡ ድሕሪ ሕጂ ድማ ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ምጽናሕ ኣይከድልዮን" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ "ንስድራቤት ጀምስ ኣኽብሮትን ብሕትውናን ከምዘሎ ዀይኑ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዝህሉ ድማ ንሚድያታት ከነፍልጥ ኢና" ኢሉ።

"ለብሮንን [በዓልቲ ቤቱ ሳቫናን] ንሰራሕተኛታት ሕክምናን ኣትሌቲክስን ዩኤስሲ፡ ንድሕነት ኣትለታቶም ዝገብርዎ ንምእማኑ ዘጸግም ስራሕን ተወፋይነትን ዓሚቝ ምስጋናን ሞሳን ገሊጾም።”

ገዲም ተጻዋታይ ኤን.ቢ.ኤ ማጂክ ጆንሰን፡ ብሮኒ ጀምስ "መሊኡን ቀልጢፉን ክሓዊ ተስፋ ንገብር" ክብል ትምኒቱ ገሊጽሉ።