ህጹጽነት ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ዘብቅዐ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብዚ እዋን'ዚ "ህጹጽ ዓለማዊ ሓደጋ ጥዕና" ከምዘይኮነ ውድብ ጥዕና ዓለም ብወግዒ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ እቲ ለበዳ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከምዘብቅዐ ዝእምት ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ።
ሰብ መዚ እቲ ትካል ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ኣብ ጥሪ 2021 ልዕሊ 100,000 ኣብ ሰሙን ዝነበረ ጠን ሞት፡ ኣብ 24 ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ናብ 3,500 ወሪዱ'ሎ።
ብመሰረት ውግዓዊ ጸብጻባት ዛጊት ብውሕዱ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ሓላፊ እቲ ውድብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓቢሩ።
ዓቢ ተስፋ
እንተኾነ ግን፡ እቲ ሓቀኛ መጠን ሞት 20 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ዶ/ር ቴድሮስ ኣሚቱ'ሎ። እቲ ቫይረስ ሕጂ'ውን ሓደገኛ ምዃኑ እቲ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።
"ህጹጽ ኮሚቲ (ናይቲ ትካል) ትማሊ ንመበል 15 እዋን ኣኼባ ብምክያድ፡ ዓለምለኻዊ ህጹጽነት ጥዕና ከምዘብቅዐ ክእውጅ እማመ ኣቕሪቡለይ። ነቲ ምኽሪ ተቐቢለዮ ኣለኹ። ስለዚ ኸኣ፡ ኮቪድ-19 ከም ህጹጽ ዓለማዊ ሓደጋ ጥዕና ከምዘብቅዐ ብዓቢ ተስፋ እእወጅ" ክብል ዶ/ር ቴድሮስ ገሊጹ።
እቲ ውሳነ ብዓቢ ጥንቃቐ ክሕሰበሉ ዝጸንሐን፡ ኣብ ትንተና ማዕከን ሓበሬታ ዝተመስረተ ምዃኑን ኣስሚሩሉ።

ምንጪ ስእሊ, WHO/twitter
እንተኾነ ግን፡ ዋላ'ኳ ብዓይኒ ኣዋጅ ህጹጽነት ናይቲ ለበዳ እንተ ኣብቅዐ፡ ሓደጋ ናይቲ ቫይረስ ከምዘየብቅዐን፡ እቲ ኩነታት እንተ ተቐዪሩ እቲ ኣዋጅ ክምለስ ከም ዝኽእልን ኣጠንቂቑ።
"እቲ ዝኸፍአ ዝኾነት ሃገር ክትፍጽሞ ትኽእል፡ ነዚ ዜና'ዚ ምኽንያት ብምግባር ትኩርነታ ምዝላቕ፡ ነቲ ዝተሃንጸ ናይ ምክልኻል ስርዓት ምፍራስ ወይ ድማ ኮቪድ-19 ዘሰክፍ ከምዘይኮነ ዝገልጽ መልእኽቲ ምስዳድ'ዩ" ይብል እቲ ዋና ዳይረክተር።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ጥሪ 2020 እዩ ንፈለማ እዋን ዓለማዊ ለበዳ ምዃኑ ኣዊጁ ነይሩ።
እቲ ውሳነ፡ ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝ ክግበር ዘገድድን ዝእውጅን'ዩ።
እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ግን፡ ሃገራት ብዝመስለን ኣገባብ ነቲ ቫይረስ ክከላኸላ ናጽነት ዝህብ'ዩ።
ክታበት ኣብ ምግታእ እቲ ለበዳ ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ'ዩ ዝግለጽ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ፡ ሰባት ካብ ሞት ንምክልኻል 13 ቢልዮን ክታበታት ኮሮናቫይረስ ተዋሂቡ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ግን፡ እቲ ክታበት ንኹሉ ዘድልዮ ኣይተባጽሐን።
ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ ልዕሊ 765 ሚልዮን ምብጽሑ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብአን ብዙሓት ሃገራት "ምስቲ ቫይረስ ምንባር" ዝብል መምርሒ ብምኽታል፡ ንዝገብርኦ ዝነበራ መርመራታትን ዝኣወጅኦ ማሕበራዊ እገዳታትን ኣወጊደንኦ'የን።
ሓላፊ ህጹጽ ጥዕናዊ ኩነታት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነ ዶ/ር ማይክ ሪያን ከምዝበሎ፡ ዋላ'ኳ እቲ ህጹጽነት ናይቲ ለበዳ እንተኣብቀዐ፡ እቲ ቫይረስ ግን ሕጂ'ውን ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
"እቲ ቫይረስ ምምሕልላፍ ክቕጽል ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ እንጽበዮ እዩ፡ ታሪኽ ለበዳታት ከምኡ ስለዝኾነ"።
"ኣሰር ለበዳ ቫይረስ 1918 ንክጠፍእ ዓሰርተታት ዓመታት'ዩ ወሲዱ"።
"ዝበዝሕ እዋን፡ ዝቕጽል ለበዳ ኣብ ዝጅምረሉ'ዩ እቲ ዝጸንሐ ለበዳ ናይ ብሓቂ ዘብቅዕ"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







