መቐሳት ጠፊኦም ተባሂሉ ኣማኢት በረራታት ተሰሪዞምን ተደናጕዮምን

ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጃፓን ዝርከብ መዕፍሮ ነፈርቲ፡ በረራታት ንኽስረዙን ክሰናኸሉን ምኽንያት ዝዀነ ሓደ ፍሉይ ክስተት ኣጋጢሙ ነይሩ።

ብሰንኪ እቲ ፍሉይ ክስተት ድማ 36 በረራታት ተሰሪዞም፤ 201 ከኣ ተደናጕዩ።

ናይዚ ኵሉ መንቀሊኡ ድማ ኣብ ጥቓ መእተዊ ኣጋይሽ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ድኳን መቐሳት ምጥፍኦም ነይሩ።

ብቐዳም ንግሆ ኣብቲ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ተጓዓዝቲ ኣገልግሎት ዝወሃበሉ ተርሚናል መዕርፎ ነፈርቲ ሆካይዶ ኒው ቺቶሰ ዝተኻየደ ምጽራይ፡ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ምትእጕጓል ስራሕ ብምፍጣሩ ኣማኢት ተጓዓዝቲ ክጸንሑ ተገዲዶም።

ኣብቲ ገያሾ ሰዓት በረራኦም ክሳብ ዝኣክል ኮፍ ዝብሉሉ መዕረፊ ዝነበሩ ሰባት ዳግማይ ፈተሻ ክገብሩ ስለዝተገደዱ ከቢድ ምጭንናቕን ሪጋታትን ኣኸቲሉ።

ሰብመዚ ነቶም ዝጠፍኡ መቐሳት ንምርካብ ዘካየድዎ ንበረራታት ዘተኣጓጐለ ጽዑቕ ፈተሻ ግን ኣይሰመረን። ምኽንያቱ እቶም መንቀሊ ስግኣት ዝዀኑ በላሕቲ ናውቲ ንጽባሒቱ ኣብቲ ድኳን ‘ዮም ተረኺቦም።

ዋላ’ኳ እቶም መቐሳት ሽዑ ቀዳም እንተዘይተረኽቡ በረራታት ግን ኣብታ መዓልቲ’ቲኣ ዳግማይ ተጀሚሩ።

እቲ መቐሳት ብሰንበት ኣብቲ ድኳን ብሓደ ሰራሕተኛ ከምዝተረኽበ ድማ መዓርፎ ነፈርቲ ሆካይዶ ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰብመዚ፡ እቲ ተረኺቡ ዝተበሃለ መቐሳት ምስቲ ዝጠፍአ ሓደ ምዃኑ ክሳብ ዘረጋግጹ መግለጺ ካብ ምሃብ ከምዝዕቀቡ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ብዙሓት በቶም ዝተሰረዙን ዝተደናጐዩን በረራታት ዝተጸለዉ ተጓዓዝቲ ብድሕሪ’ቲ ቦን ዝበሃል ዓመታዊ በዓል ጃፓን ናብ ዓዶም ዝምለሱ ዝነበሩ እዮም።

ሓደ ተጓዓዛይ ኣብቲ እዋን ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ካብ ምጽባይ ወጻኢ ዝዀነ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን። ግን ዝያዳ ክጥንቀቑ ተስፋ እገብር” ኢሉ።

ካልእ ተጓዓዛይ ድማ “እቲ ቅንያት ብዙሕ ዘጨንቕ ነይሩ። ናብ ገዛይ ክሳዕ ዝኣቱ ድማ ውሕስነት ኣይስምዓንን ነይሩ” ክብል ነቲ ዝነበረ ጭንቂ ገሊጽዎ።

ሚኒስትሪ መጓዓዝያን ቱሪዝምን ጃፓን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ሆካይዶ ንመንቀሊ እቲ ፍጻመ ክምርምርን ከምዚ ዝበለ ክስተት ዳግማይ ከይፍጠርን ኣተሓሳሲቡ።

"እዚ ብሰንኪ ኣብቲ ድኳን ዘሎ ብቑዕ ዘይኰነ ስርዓተ ምዕቃብን ምሕደራን ከም ዘጋጠመ ኢና ንግንዘብ" ይብል መዕርፎ ነፈርቲ ሆካይዶ።

"እዚ ኵነታት ምስ ጭውያ ወይ ግብረሽበራ ክተሓሓዝ ዝኽእል ፍጻመ ምዃኑ ንርዳእ ኢና” ብምባል ድማ ንቕሓት ምሕደራኡ ንምዕባይ ዳግማይ ብዕቱብ ከምዝሰርሓሉ ኣፍሊጡ።

ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ኤክስ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ነቲ ፍጻመ ዝሃቦ ምላሽ ዝነኣዱ ኰይኖም ብዙሓት ድማ ኣብ ድሕነት ኣየር ጃፓን ዘለዎም እምነት ዳግማይ ከምዘረጋገጸሎም ገሊጾም።

"እዚ ፍጻመ ንድሕነት ኣቬሽን ጃፓን ዘርኣየ እዩ!" ክብል ሓደ ተጠቃሚ ተጣቃሚ ማሕበራዊ መራኸቢ ጽሒፉ።

ኒው ቺቶሰ ሓደ ካብቶም ጽዑቓት መዓርፎ ነፈርቲ ጃፓን ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝበዝሐ መገሻ ውሽጢ ሃገር (ኣብ መንጐ ቶክዮን ሳፖሮን) ዝካየደሉ መስመር ኣየር እዩ።

ኣብ 2022 ጥራይ ልዕሊ 15 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተጠቒሞም።