ላምፐዱሳ፡ ጃልባ ስደተኛታት ብምግልባጣ ብውሕዱ 26 ሞይቶም ሓያለ ደሃዮም ጠፊኡ

ኣስታት 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብረቡዕ ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ - ኢጣልያ ብምግልባጣ ብውሕዱ 26 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ድማ ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ከም ዘለዉን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ወሃቢ-ቓል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ኢጣልያ፡ ኣርባዕተ ደቀንስትዮ ዝርከብኦም ኣስታት 60 ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ላምፐዱሳ ናብ ዝርከብ ማእከል ከም ዝተወስዱ ገሊጹ።

ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት ንሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ካብ ከባቢ ትሩቡሊ ንግሆ ኣብ ክልተ ጀላቡ ተሰቒሎም ድሕሪ ምብጋሶም፡ ሓንቲ ካብተን ጀላቡ ማይ ክኣትዋ ምስ ጀመረ ናብታ ካልኣይቲ ከም ዝተደረቡ ድሒራ ድማ ከም ዝተገልበጠት እዩ።

ወሃቢ-ቓል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ፍላቪዮ ዲ ጂያኮሞ ኣብዘን ክልተ ጃላቡ ኣስታት 95 ሰባት ክጓዓዙ ከም ዝጸንሑ ገሊጹ።

እቶም 60 ሰባት እኳ እንተ ደሓኑ፡ "ኣስታት 35 ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ግዳያት ሞይቶም ከይኰኑ ይፍራሕ፡" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።

ሰብመዚ 20 ሬሳታት ከም ዝረኸቡን፡ ካልኦት ካብ 12 ክሳብ 17 ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ምድላይ ከም ዝነበሩን ዩኤንኤችሲኣር ገሊጹ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ፡ ኣብዚ ዓመት ዛጊት ነቲ ሓደገኛ ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ክብሉ 675 ስደተኛታት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ይሕብር። እዚ ቍጽሪ'ዚ ነዚ ናይ ሕጂ ኣብ ግምት ከየእተወ እዩ።

ወሃቢ-ቓል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ኡንጋሮ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱሳ ብዛዕባ ዝሰዓበ ተወሳኺ ምጥሓል ጃልባ ዓሚቝ ጭንቀት ፈጢሩ ከም ዘሎን ዩኤንኤችሲኣር ነቶም ዝደሓኑ ይሕግዞም ከም ዘሎን ጽሒፉ።

እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ደቂ ምንታይ ሃገር ምዃኖም ዛጊት ዝወጽአ ሓበሬታ የሎን።

ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ 2025፡ 30,060 ስደተኛታት ብባሕሪ ናብ ኢጣልያ ከም ዝኣተዉን እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ብ16% ወሰኽ ከም ዘርኣየ ዩኤንኤችሲኣር ሓቢሩ።

ካብ 2014 ጀሚሩ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM)፡ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሓደገኛ ኰይኑ ኣሎ፤ ልዕሊ 25,260 ሰባት ሞይቶም ወይ ኣብ ባሕሪ ጠፊኦም ክዀኑ ዝኽእሉ ደሃዮም ኣይተረኽበን።

ሓያሎ ካብቲ ሞት ዘይምዝገብ ብምዃኑ እቲ ኣሃዝ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ወሲኹ ይገልጽ። እቲ ዝበዝሕ ሞት ዘጋጥም ድማ ካብ ሊብያን ቱኒዝያን ካብ ዝነቕላ ንኣሽቱ ጀላቡ ከም ዝዀነ ይግለጽ።

ኣብዚ ባሕሪ'ዚ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘጋጠመ ተመዝጊቡ ዘሎ፡ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ላምፐዱሳ ገጻ ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ድሕሪ ምጥሓላ ብዙሓት ኤርትራውያን ሶማላውያንን ዝርከቡዎም ብውሕዱ 368 ሰባት ሞይቶም። እቲ ሓዘንን ኣውያትን ከቢድ ስለ ዝነበረ፡ ኢጣልያ ነቲ ከቢድ ሓዘን ንምዝካር ዓመታዊ ተዝካር ተካይድ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጽኑዕ ቍጽጽር ኢምግረይሽን ከተግብር እንከሎ፡ መንግስቲ ኢጣልያ ድማ ብዝሒ ዝሰግሩ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ ሕግታት ኣተኣታትዩ።

ኣብ ሓምለ፡ ኮምሽነር ስደት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ስግር ማእከላይ ባሕሪ ዘይስሩዕ ስደት ድሕሪ ምውሳኹ፡ ኤውሮጳ ምስ ሰበስልጣን ሊብያ ብምትሕብባር "ጽኑዕ" ኣገባብ ክትክተል ምዃና ገሊጹ ነይሩ።

መራሕቲ ሃገራት ቱርኪ፡ ኢጣልያን ሊብያን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ በበይኖም ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዘካየዱዎ ርክብ፡ ብዛዕባ ጕዕዞ ስደት ማእከላይ ባሕሪ ዘትዮም።