እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያውያን ዕሱባት ኣብ ሱዳን እንታይ ክገብሩ ጸኒሖም?
ሩስያዊ ዕሱብ ሓይሊ ዋግነር ምስ ሱዳን ዝተፈላለየ ንግዳውን ወተሃደራውን ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ክኽሰስ ጸኒሑ። እቲ ጕጅለ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝዀነ ይዅን ኢድ ከምዘይብሉ ኣብሪሁ’ዩ።
ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ መስራቲኡ የቭገኒ ፕሪጐዚን "ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ሱዳን ዝዀነ ኣባል ዋግነር ከምዘይኣተወ" ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን እቶም ዕሱባት ሩስያ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ከምዘለዉ ዝሕብር መርትዖ ኣይረኸብናን።
ቅድሚ ሕጂ ዋግነር ኣብ ሱዳን ዝገበሮ ንጥፈታት ዝሕብር መርትዖታት ግን ኣሎ። ሚስተር ፕሪጐዚን ኣብ ሱዳን ዝገብሮ ስርሒታት ድማ ብእገዳ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዒላማ ኰይኑ’ዩ።
ዕደና መዓድን ወርቂ
ኣብ 2017 ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ምስ መንግስቲ ሩስያ ብርክት ዝበሉ ስምምዓት ተፈራሪሙ’ዩ።
እዚኦም ድማ ሩስያ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትተክል ዝተገብረ ስምምዕ ከምኡ'ውን "ኣብ መንጐ ሩስያዊ ኩባንያን ሚኒስትሪ ማዕድናት ሱዳንን ኣብ ዕደና ወርቂ ዝተገብረ ስምምዕ" ዘጠቓልሉ እዮም።
ቤት ጽሕፈት ቤት ግምጃ ኣሜሪካ፡ ኤም ኢንቨስትን ጕጅለ ሜሮ ጐልድንን ምስ ዋግነር ተዋሃሂዶም ኣብ ሱዳን፡ ዝዓበየ ኣፍራዪ ወርቂ ኣፍሪቃ ምዃኖም ይኸስስ።
"የቭገኒ ፕሪጐዚንን መርበቡን ንባህርያዊ ጸጋታት ሱዳን ንውልቃዊ ረብሓ ይምዝምዙዎን ኣብ መላእ ዓለም ሕማቕ ጽልዋ ይዝርግሑን ኣለዉ" ክብል ናይ ሽዑ ጸሓፊ ግምጃ ኣሜሪካ ስቲቨን ምኑቺን ኣብ 2020 ገሊጹ ነይሩ።
ክልቲአን ኤም ኢንቨስትን ሜሮን ብእገዳ ኣሜሪካ ዒላማ ኰይነን ኣለዋ።
ብመሰረት መርመራ ሲኤንኤን፡ ወርቂ ብመሬት ናብታ ዋግነር ከም ዝሰርሓላ ዝፍለጥ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ይጓዓዝ። እቲ ሰደድ ኣብ ወግዓዊ መረዳእታ ንግዲ ሱዳን ኣይተመዝገበን።
ዋግነር ኣብ ሱዳን እንታይ ይገብር ኣሎ
ካብ 2017 ጀሚሩ ምንጭታት ሩስያን ዓለምለኻውያንን ኣብ ውሽጢ ሱዳን ሩስያውያን ዕሱባት ሰራዊት ከምዘለዉ ዝርእዩ ምስልታት ይዝርግሑ ነይሮም።
እዚኦም ንወተሃደራት ሱዳን ምምልማል ወይ ድማ ንሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞታት ዝግበር ምጭፍላቕ ይሕግዙ እዮም ዝተባህሉ ኣብ ዝተፈላለየ ክዋስኡ ከምዘርእዩ ይግለጽ።
ቢቢሲ ነዞም ምስልታት ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጸን።
ኣብ 2021 ምስ ዋግነር ዝተኣሳሰር ቴሌግራም ቻነል፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዋግነር ንወተሃደራት ሱዳን መዘከርታ ክሽልም ዘርኢ ምስልታት ኣውጺኡ ነይሩ።
ከምኡ’ውን ኣብ ሓምለ 2022 እዛ ቻነል ምስ ሓይልታት ሱዳን ፓራሹት ናይ ምዕላብ ልምምድ ከካይዱ ከለው ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሓ ነይራ።
ኣብ 2020 ናይ ዋግነር ፕሮፖጋንዳዊ ኣክሽን ፊልም፡ ሱዳን ሓንቲ ካብተን እቶም ዕሱባት ሰራዊት ዝንቀሳቐሳለን ሃገራት ኰይና ተቐሪጻ።
ጽልዋ ዋግነር
ቤት ግምጃ ኣሜሪካ፡ ጕጅለ ዋግነር "ንኡስ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ንምዕቃብ ምልካዊ ስርዓታትን ከምኡ’ውን ምዝመዛ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን" ከምዘካየደ ይገልጽ።
"ኣብ ፈለማ ኣብ 2018 ኣስታት 100 ዝዀኑ ሰብኡት ንሓይልታት ሱዳን ብንጥፈት የሰልጥኑ ነይሮም፤ ካብኡ ድማ እቲ ዝምድና እናዓበየ መጺኡ፡" ትብል ዶክተር ጆኣና ደ ደዩስ ፐረራ ኣባል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩት።
ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ሱዳን፡ እቲ ኣሃዝ ናብ ኣስታት 500 ከምዝዓበየን፡ ብቐንዱ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከባቢ ኡም ዳፉክ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳን ምስ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ (CAR) ከምዘለው ይሕብሩ።
ፕረዚደንት በሽር ኣብ 2019 ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ "ዕሱባት ሩስያ" ኣብ ጐድኒ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን ሱዳን ኰይኖም ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ክዕዘቡ ከምዝተዋፈሩ ጋዜጣ ሱዳን ትሪቡን ጸብጺባ ነይራ።
ምምዕርራይ ምሕዝነታት
ጕጅለ ዋግነር፡ ፕረዚደንት በሽር ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ንምሕጋዝ ናይ ገዛእ ርእሱ ጐስጓሳት ሚድያ ከም ዝመሃዘ ዶ/ር ሳሙኤል ራማኒ ይዛረብ።
"ፕሪጐዚን... እቶም ሰልፈኛታት ደገፍቲ እስራኤልን ጸረ-እስልምናን እዮም ተባሂሎም ክኽሰሱ ይጽውዕ ነይሩ" ይብል።
እዚ ድማ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ፕረዚደንት ምትፍናን ፈጢሩ፤ ዋግነር ድማ ደገፉ ናብቲ ካብ ስልጣኑ ዝኣለዮ ሰብ - ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ቀይሩ።
ዶክተር ራማኒ፡ "ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ሞስኮ ኣንጻር እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝዛረበሉ እዋን፡ ፕሪጐዚንን ጉጅለ ዋግነርን ንስልጣን ንኣልቡርሃን ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ" ይብል።
ብመሰረት ዶ/ር ራማኒ፡ ጕጅለ ዋግነር ምስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብጀነራል ቡርሃን ዝምራሕ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ (RSF) ዘለዎ ርክብ ኣብ 2021ን 2022ን ከምዝዓበየ ይገልጽ።
ሚስተር ፕሪጐዚን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ ዝካየድ ዕደና ወርቂ ተገዳስነት ኣርእዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሕሜቲ፡ ኣብ መንጐ ሱዳንን ሩስያን ዘሎ ርክብ ከድልድል ተስፋ ከምዘለዎ ብምግላጽ ናብ ሞስኮ ዑደት ኣካይዱ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ ጕጅለ ዋግነር ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ወገን ይመርጽ ከምዘየሎ ይኣምን።
"ዋግነር ምስ ክልቲኡ ትካላት ጀነራል ኣልቡርሃንን ምስ ትካላት ሕሜቲን ብዝተፈላለየ ደረጃን ብዝተፈላለየ መንገድን ርክብ ነይርዎ'ዩ" ትብል ዅሉድ ኸይር።
ህላወ ዋግነር ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ
ዕጡቓት ዋግነር፡ ንዓመታት ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ዕደና ማዕድን ኣልማዝ ንምክትታል፡ ከምኡ’ ውን ኣብ ሊብያን ማሊን ክንቀሳቐሱ ከም ዝጸንሑ ብሰፊሑ ክንገር ጸኒሑ እዩ።
ኣብ 2021 መርመራ ቢቢሲ፡ ዋግነር ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሊብያ ኢድ ከምዝነበሮ ዘረጋግጽ መርትዖ፡ ካብ ሓደ ወተሃደር ዋግነር ካብ ዝወደቐ ዲጂታዊ መሳርሒን ዝተቐድሐ ዝርርብ ምስ ሊብያውያን ወተሃደራትን ሲቪል ሰባትን ረኺቡ እዩ።
ኣብ ማሊ፡ መንግስቲ - ብወግዒ’ኳ ንህላወ እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ኣፍልጦ እንተዘይሃበ - ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ክገብሮ ኣብ ዝጸንሐ ስርሒታት ኣብ ዋግነር ተጸጊዑ እዩ።
ኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ነዚ ወተሃደራዊ ጕጅለ ሩስያ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ቅትለትን ምስቓይን ይኸስስ።