ኣመሪካ ንጉጅለ ዋግነር ከም 'ዓለምለኻዊ ገበናዊ ውዳበ' ገይራ ክትብይኖ እያ

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ዩክረይን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዕሱባት ከም ዘለውዎ ዝእመን ሩስያዊ ጉጅለ ዋግነር ከም “ዓለም ለኻዊ ጉጅለ” ገይራ ክትብይኖ ምዃና ኣፍሊጣ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለን ደገፍቲ መርበባቱን ኣብ ዝመፅእ ሰሙን ማዕቐብ ከም እተንብር ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ-ቃል ሃገራዊ ደሕንነት ጆን ኪርቢ ትማሊ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ዋግነር፡ “ኣብ ዩክረይንን ካልኦት ከባብታትን ግፍዕታትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ይፍፅም ኣሎ” ኢሉ።

ኣብዚ እዋን፡ 50 ሽሕ ዕሱባት ዋግነር ኣብ ዩክረይን ከምዘለዎ ድማ እቲ ወሃቢ-ቃል ገሊፁ።

እዚ ሓድሽ ብይን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቶም ኣብ ሶርያ፣ ሊቢያ፣ ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃን ካልኦትን ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐስ ተዋጋኣይ ጉጅለ መጠነ ሰፊሕ ማዕቐብ ክገብር ዘኽእሎ እዩ።

ወሃቢ-ቃል ኪርቢ ከም ዝበሎ፡ ናብ ዩክረይን ካብ መንጐ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ዋግነር፡ እቶም 80 ሚእታዊት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተወሰዱ’ዮም።

እዚ ዕሱብ ጕጅለ መነሓንሕቲ ስሩዓት ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝኾነ እውን ዝሓበረ ኪርቢ፡ ኣሜሪካ ኣብ መንጐ ሰብመዚ ሩስያ፣ ኣካታዒ መስራቲ ዋግነር፣ ነጋዳይን መሻርኽቲ ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ የቭገኒ ፕሪጎዥንን “ውጥረታት እናዓረገ” ይመፅእ ኣሎ ኢላ ከምትኣምን ሓቢሩ።

ኪርቢ፡ ስእልታት ስለላ ኣመሪካ ከም መረዳእታ ብምቕራብ፡ ባቡራት ሩስያ ናብ ሰሜን ኮርያ ብምእታው፡ ናይ እግረኛ ሮኬታትን ሚሳይላትን ሒዘን ከምዝተመለሳን፡ እዚ ኣፅዋር፡ ሓይልታት ዋግነር ከም ዝተጠቐምሉን ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ፡ “ንዋግነር ዝድግፉ ንምፍላይ፣ ንምኹላፍን ንምቅላዕን ብዘይዕረፍቲ ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ።

ኣመሪካ፡ እቲ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝሰገረ ኣፅዋር ንውሳነ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ እዩ ኢላ እያ ትኣምን።

እዚ ሓበሬታ ናብ ፓነል ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ወሃቢ-ቃል ኪርቢ፡ ዋግነር “ ኣፅዋር ሰሜን ኮርያ ምቕባል ከም ዝቕፅል ኢና ንኣምን። ንተግባር ሰሜን ኮርያ ብግልፂ ንኹንኖ፤ ሰሜን ኮርያ ናብ ዋግነር ኣፅዋር ምልኣኽ ብህፁፅ ደው ክተብል ንፅውዕ። ኣብ ልዕሊ ዋግነር ከኣ ስጉምቲ ንወስድ ኣለና” ኢሉ።

ፕሪጎዥን፡ ነዚ ብወሃቢ-ቃል ኣመሪካ ተዋሂቡ ዘሎ ርኢቶ ኰነ ንክስታት ኣሜሪካ ብቐጥታ ምላሽ ከምዘይሃበሉ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ኣመሪካ ኣብ ወርሒ መስከረም 2020፡ ዋግነር ንፕሪጎዥን ንምብልፃግ ኣብ ሱዳንን ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃን ኣብ ዕደና ሰሪሑ ንዝብል ክሲ ሰብመዚ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ማዕቐብ ከም ዘንበረት ይፍለጥ።