እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዓሪፎም
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ቀዳማዊ ቄርሎስ - ሓሙሻይ ፓትሪያርክ ወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ንሓጺር መዓልታት ድሕሪ ምሕማሞም ትማሊ 2 ታሕሳስ 2022 ኣብ መበል 96 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ቤት ጽሕፈት መንበሪ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ኣፍሊጣ።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ቀዳማዊ ቄርሎስ - ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ-ቐይሕ ኰይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብመሰረት ሲነዶስ ዘካየዶ ጉባኤን ምርጫን፡ ኣብ ግንቦት 2021፡ 5ይ ሊቃነ-ጳጳስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኮይኖም ብምሻም፡ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም፡ ንቤተክርስትያን ከገልግሉ ምጽንሖም ይፍለጥ።
እቶም ሊቃነ-ጳጳስ፡ ኣብ 2021/22 ናብ ግብጺ፡ ግሪኽ፡ ጀርመን ብምጋሽ፡ ከምኡ'ዉን ንልኡኻን ሶሪያ፡ ዮርዳኖስ፡ ካልኦትን ብምቅባል፡ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ተራኺቦም፡ መንፈሳዊ ዕማም ከምዘሰላሰሉ ይፍለጥ።
ሲኖዶስ ኦርቶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ንኣቡነ ቄርሎስ መበል 5ይ ፓትርያርክ ንክኾኑ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 እዩ ሸይማቶም።
ብሰንኪ ምእጋድን፡ ምውጋዝን ምሕያርን 3ይ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ፓትርያርክ ንዓመታት ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ጥሪ 2006 ንፈለማ እዋን ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ንዕኦም ተኪኦም 4ይ ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተመርጹ፡ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015 ካብ ዝሞቱ ንድሓር፡ እታ ቤተክርስትያን ክሳብ 2021 በዘይ ፓትርያርክ'ያ ጸኒሓ።
ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራ፡ ካብ ሕጊ ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ ኣብ 2006 ካብ መዓርገ ፓትሪያርክነት ተኣልዮም፤ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ማሕዩር እንከለው ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት 2022 ከም ዝዓረፉ ይዝከር።
ኣብ ሓምለ 2019፡ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ነቶም 3ይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ከም ዘውረዶምን፡ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወገዞምን ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።
ደገፍቶምን ተጣበቕቲን ከምዝብልዎ፡ እቶም ፓትርያርክ፡ ንማእሰርቲ መራሕቲ መንእሰያት "ትምህርቲ ሰንበትን" ዝነበሩ ኣቕሽቲ ብምቅዋሞም'ዮም ካብ ስልጣኖም ክውገዱ ተደልዮም።
ፓትርያርክ ኦርቶዶስክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ንምሉእ ዕድሚኡ ዝሽየም ኮይኑ፡ ብዝሙት፡ ናይ እምነት ክሕደት ወይ ድማ ናይ ኣእምሮ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ይንገር።
ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝተወሃበን ሃይማኖታት፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ምስልምና፡ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤትክርስትያን እየን።
ብመንግስቲ "ኣፍልጦ ዘይተዋህቦም" እምነታት ዘምልኹ ኤርትራውያን ግን፡ ኣባላት ጸጥታ ካብ ገዝኦም ብሃንደበት ብምውሳድ ንነዊሕ እዋን ከምዝኣስርዎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ብዛዕባ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ስለዘሎ'ዩ እምበር ኤርትራ፡ መሰል ናይ እምነት እተኽብር ሃገር እያ. . . መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታት ኢዱ ኣየእቱን እዩ" ክብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ሕልና እሱራት ከም ዘለዉ ጸብጻባት ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይሕብሩ።