ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝኣተዋ ሃገራት ኣየኖት እየን? ቀጻሊ ግጥማት ከ?

ኣብቲ ኣርባዕተ ግጥማት ዝተኣንገደሉ ናይ መወዳእታ ናይ ምድብ ጸወታ ሓንቲ ሽቶ ጥራይ እያ ተመዝጊባ።

ኣብ ጽቡቕ ቁመና እትርከብ ሞሮኮ ምስ ዛምብያ ገጢማ ሓደ ን ባዶ ብምስዓር ነታ ኣብ መጻብብ ኣትያ ዝነበረት ኣአንጋዲት ሃገር ኣይቮሪ ኮስት በዓልቲ ውዕለታ ኰይና።

ዛምብያ ብልጽቲ ሳልሰይቲ ኮይና ናብ ናይ 16 ዙር ንምእታው ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ትደሊ ነይራ።

ኰይኑ ግን ሞሮካዊ ሓኪም ዚያች ዘቝጸራ ሽቶ ንተስፋ ዛምቢያ ኣጸልሚታ ጻንሒት ኣይቮሪኮስት ዘለምለመት ኰይና።

ኣርባዕተ ግዜ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝነበረት ጋናን ኣብ 2019 ዋንጫ ዝወሰደት ኣልጀርያን ብዘሰንብድ ኵነታት ካብቲ ውድድር ተገሊፈን።

ትጽቢት ዘይተገበረለን ሃገራት ኬፕ ቨርደን ኢኳቶርያል ጊኒን ድማ ምድበን ብምምራሕ ናብ ቀጻሊ ዙር ሓሊፈን።

ናይ ዙር 16 ጸወታታት ዝመጽእ ቀዳም ክጅምሩ እዮም።

ናይጀርያ ምስ ካሜሩን ከምኡ ድማ ኣአንጋዲት ናይቲ ጸወታ ኣይቮሪኮስት ምስ ሰኔጋል ዝገብራኦ ጸወታ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም እዮም።

በዓል መን ሓሊፈን?

ካብ ምድብ ሀ፡ ኢኳቶርያል ጊኒን ናይጀርያን ቀዲመን ምሕላፈን ዘረጋገጻ ጋንታታት እየን። ጊኒ ቢሳው ክትሰናበት እንከላ ኣአንጋዲት ሃገር ኣይቮሪኮስት ብልጽቲ ሳልሳይ ኰይና ናብ ቀጻሊ ዙር ሓሊፋ።

ኬፕ ቨርደ ናይ ምድብ ለ መራሒት ኰይና ናብ ቀጻሊ ዙር ክትሓልፍ እንከላ ግብጺ ካልኣይቲ ኰይና ስዒባ፤ ጋናን ሞዛምቢክን ተሰናቢተን።

ሰኔጋልን ካሜሩንን ካብ ምድብ ሐ ናብ ቀጻሊ ዙር ዝሓለፋ ሃገራት እየን። ጊኒ ብልጽቲ ሳልሰይቲ ናይቲ ምድብ ኰይና ብምሕላፍ ጋምቢያ ካብቲ ውድድር ተሰናቢታ።

ኣንጎላ ናይ ምድብ መ ቀዳመይቲ ኰይና ሓሊፋ፤ ቡርኪናፋሶ ድማ ካልአይቲ ብምዃን ስዒባታ። ሞሪታንያ ብልጽቲ ሳልሰይቲ ኰይና ሓሊፋ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ኸኣ ናብ ዓዳ ተመሊሳ።

ቱኒዝያ ካብ ምድብ ሰ ዝተሰናበተት ሃገር ኰይና ኣላ፤ ማሊ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ናሚብያን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣትየን።

ኣብ ናይ መወዳእታ ምድብ ሞሮኮ ቀዳመይቲ፡ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጐ ካልኣይቲ ኰይነን ሓሊፈን። ዛምብያን ታንዛንያን ድማ ናብ ሃገረን ተፋንየን።

ናይ መወዳእታ 16

ቀዳም ኣብ መንጐ ኣንጎላን ናሚብያን ዝካየድ ግጥም ፈላማይ ጸወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ እዩ። ቀጺለን ብ ብሉጻት ንስሪ እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ምስ ብዘይጸዓዱ ኣናብስ እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ክትገጥም እያ።

ሰንበት፡ ኢኳቶርያል ጊኒ ምስ ጊኒ ከምኡ ድማ ተዓዋቲት ሸውዓተ ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝዀነት ግብጺ ምስ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክራኸባ እየን።

ሰኑይ፡ ምስ ኬፕ ቨርደ እትገጥም ሞሪታንያ ንፈለማ እዋን ናብ ርብዒ ፍጻመ ንምእታው ክትነሓናሕ እያ። ቀጺለን ናይ ዝሓለፈ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተዓዋቲት ሰኔጋል ምስ ኣአንጋዲት ሃገር ኣይቮሪኮስት ክጻወታ እየን።

ናይ መወዳእታ ጸወታ ዙር 16 ሰሉስ ዝካየድ ኰይኑ፡ ማሊ ምስ ቡርኪናፋሶ ክራኸባ እየን። ከምኡ ድማ ኣብ ደረጃ ምደባ ፊፋ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ እትርከብ ሞሮኮ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትራኸብ እያ።

ብሉጽ ብቕዓት ዘርአያ ሃገራውያን ጋንታታት

ብዙሓት ሰባት እታ ኣብ ዝሓለፈ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተዓዋቲት ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ሕጂ እውን ክትዕወት እያ ዝብል ግምት ኣለዎም።

ሰኔጋል ኣብ ኵሎም ግጥማት ስዒራ 9 ነጥቢ ብምሓዝ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፋ ኣላ።

ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝጻወቱ ዘለዉ ከም ሳዲዮ ማነ፡ ካሊዱ ኩልባሊን ኤድዋርድ መንዲን ጥራይ ዘይኮኑስ ንቶተንሃም ዝጻወት ፓፔ ማታርን ከም ላሚን ካማራ ዝበሉ መንእሰያትን ምልክት ብቕዓት እታ ሃገራዊት ጋንታ እዮም።

ብዙሓት ኣብዚ ክበጽሓ ዘይተጽበዩወን ኬፕ ቨርደን ጊኒን ካብ ምድበን ቀዳማይ ብምዃን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣትየን ኣለዋ።

ብፍላይ ኢኳቶርያል ጊኒ ንኣአንጋዲት እቲ ጸወታ ኣይቮሪኮስት ኣብ ሜዳኣን ቅድሚ ደገፍታን 4 ብ 0 ስዒራታ።

ወዲ 34 ዓመት ኣጥቃዒ ኢኳቶርያል ጊኒ ኣሚሊዮ ንሱወ፡ ሓሙሽቶ ሸቶታት ብምምዝጋብ ተርታ ኣቝጸርቲ ሽቶ ይመርሕ ኣሎ።

ናይጀርያ ድማ ሓንቲ ሽቶ ጥራይ ተቘጺርዋ ናብ ቀጻሊ ዙር ዝሓለፈት ኰይና፡ ዝበለጸ ክፍሊ ምክልኻል ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ ተባሂላ ኣላ።

ኣብ ቐጠር ኣብ ዝተሳለጠ ዋንጫ ዓለም ብዘርኣየቶ ብቕዓት ናእዳ ዝረኸበት ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ሓደ ጸወታ እናተረፋ ምሕላፋ ዘረጋገጸት ኰይና ንዋንጫ ግምት ካብ ዝተወሃበን ሃገራት ሓንቲ እያ።