ንጅቡትን ሶማሊላንድን ዝጠቅስ፡ ትራምፕ ዝትግብሮ ዘሎ 'ሚስጢራዊ' ሰነድ እንታይ ይብል?

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሕሉፋት የማናውያን፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ክትግብሮ ዝሓሰብዎን ዝነደፍዎን ፍኖተ-ካርታ ዝሓዘ ሰነድ፡ 'ፕሮጀክት 2025' ናብቲ ንካልኣይ ግዜ ናብ ስልጣን ተመሊሱ ዘሎ ትራምፕ ኣቕሪቦም።

ንሱ ድማ ዳርጋ ሓደ ብሓደ ይትግብሮ ዘሎ ይመስል።

እዚ ትሽዓተ ሚእቲ ገጻት ዝሓዘ ሰነድ፡ ስልጣን'ቲ ፕረዚደንት ዘስፍሕን ዘሐይልን ኰይኑ፡ ዓቃባዊ ማሕበራዊ ራእይ ዘስፋሕፍሕ እዩ ተባሂሉ።

ትራምፕ፡ እቶም ሓሳባት ሱር በተኻዊ እዮም ብዝብል፡ ንፕሮጀክት 2025 ኣብ እዋን ጐስጓሱ ብተደጋጋሚ ነጺግዎ እዩ።

እንተዀነ ብዙሓት ካብቶም ፕሮጀክት 2025 ዝጸሓፉ ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ወሰንቲ መንግስታዊ ጽፍሕታት ተመዚዞም ኣለዉ።

ካብዚ ሓሊፉ ትራምፕ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ሓጺር እዋን ዝወሰዶም ስጕምቲታት ካብዚ ሰነድ ዝቕድሑ ይመስሉ።

ድሕረ ባይታ ሰነድ

'ፕሮጀክት 2025' ብሄሪቴጅ ፋውንዴሽን ዝተነድፈ ኰይኑ፡ ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ርኡይ ግደ ዘለዎን ልዕሊ 100 ዓቃባውያን ትካላት ዘሳትፍን ምዃኑ ይእመን።

እቲ ትካል ንመጀመርያ ግዜ ንመጻኢ ምምሕዳራት ሪፓብሊካን ዝምልከት ውጥናት ፖሊሲ፡ ሮናልድ ሬገን ፕረዚደንት ኰይኑ ስልጣን ክሕዝ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኣብ 1981 እዩ ነዲፉ።

እቲ ትካል፡ ቀጺሉ ንዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተመሳሳሊ ሰነዳት የዳሉ፡ ኣብታ ትራምፕ ንመጀመርታ ግዜ ዝተዓወተላ ዓመት ኣብ 2016 ድማ ከምኡ ገይሩ።

ጽልዋ ናይቲ ትካል፡ ሕጹያት ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣብ መረጻ ስዒሮም ከም ፕረዚደንት ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጹሉ እዋን እዩ ጐሊሑ ዝረአ።

እቲ ትካል፡ ኣብ እዋን ፈላማይ እብረ-ስልጣን ትራምፕ፡ ክልተ ሲሶ ሓሳባቱ በቲ ምምሕዳር ከምዝተተግበረ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ብዙሕ ትኹረት ኣይረኸበን ነይሩ።

ፕሮጀክት 2025 ብኸመይ ተበጊሱ?

ፕሮጀክት 2025፡ ድሕሪ ጎስጓስ መረጻ ኣመሪካ እዩ ኣካታዒ እናዀነ መጺኡ።

ፖለቲከኛታት ዲሞክራትስ ንፕሮጀክት 2025 ደው ንምባል ሓይሊ ዕማም ካብ ምምስራት ሓሊፎም፡ ንንጥፈታት 'ሄሪቴጅ ፋውንዴሽን' ውሽጣዊ ሓበሬታ ንምእካብ መስመራት ዘርጊሖም፡ ኮሚቴ ኣቝሞም ይሰርሑ ነይሮም።

ጕጅለ ጐስጓስ ካማላ ሃሪስ'ውን ኣብ ቃለ መሕትትን መደረታታታን ንፕሮጀክት 2025 ብተደጋጋሚ ይጠቅስ ነይሩ።

ትራምፕ ነቲ ሰነድ ድሕሪ ሓምለ 2024 ንጐድኒ ክደፍኦ ተራእዩ።

ትራምፕ ኣብ ትዊተር "ብዛዕባ ፕሮጀክት 2025 ዝፈልጦ ነገር የለን። ገለ ካብቲ ዝዛረብዎ ነገራት ኣይሰማማዕን እየ፤ ገገሊኡ ዘሰንብድን ዘጸይፍን'ዩ" ኢሉ።

ትራምፕ ከምኡ ይበል'ምበር፡ ብዙሓት ካብቶም ንፕሮጀክት 2025 ዝነደፉ ሰባት ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ኣማኸርቲ እዮም ነይሮም።

ካብዚኦም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ሰራሕተኛታት ዝነበረ ፖል ዳንስ ይርከቦም፤ ድሒሩ ፖል ካብ ፕሮጀክት 2015 ከም ዝወጸ ተገሊጹ።

ካልኦት ደረስቲ ፕሮጀክት 2025 ግን ብሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ተቐባልነት ረኺቦም እዮም።

ራስል ቫውት ዝተባህለ ንርእሱ ከም 'ብሄርተኛ ክርስትያን' ገይሩ ዝርኢ፤ ኣብ ምስንዳእ እቲ ሰነድ ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ እዩ።

ሕጂ ድማ ነቲ 6.75 ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ፈደራላዊ ባጀት ዘመሓድር ቤት ጽሕፈት ዳይረክተር ባጀት ክመርሕ ብሰኔት ተረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ብዲሞክራት ዋና ሃንዳሲፕሮጀክት 2025 ተባሂሉ ዝተረቝሐ ፖለቲከኛ፡ ብተወሳኺ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ፋይናንስ ሸመትቲ [ብትራምፕ ክፈርስ ተባሂሉ ዝነበረ] ኰይኑ ተመዚዙ።

ካልኦት ንመንግስታዊ ጽፍሒታት ዝተረቝሑ ኣዳለውቲ ፕሮጀክት 2025፡ ዳይረክተር ሲኣይኤ ጆን ራትክሊፍንን ንኮሚሽን መራኸቢታት ፈደራል ክመርሕ ዝተሓጽየ ብሬንዳን ካርንን ይርከብዎም።

ልዕሊ 100 ዓቃባውያን ትካላት፡ ነቲ ሰነድ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ 'ሄሪቴጅ ፋውንዴሽን' ኣፍሊጡ።

እቲ ሰነድ ኣርባዕተ ቀንዲ ዕላማታት ናይቲ ፖሊሲ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ስድራቤት ከም ማእከል ሕብረተሰብ ኣመሪካ ገይርካ ምምላስ፣ ዶባት ግዝኣታት ምፍራስ፣ ልኡላውነትን ዶባትን እታ ሃገር ምዕቃብን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ውልቃዊ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ክሕሎን ይጽውዕ።

ኣብቲ መርሓ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሓሳባት፡ ነቶም ትራምፕ ዝወስዶም ዘለዉ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት መሰረት ምዃኖም ይግለጽ።

ዉዳበ ቕራ መሓውር መንግስቲ

ፕሮጀክት 2025፡ ከም ክፍሊ ፍትሒ ዝኣመሰሉ ነጻ ኣብያተ ጽሕፈት ሓዊሱ፡ ንዅለን ኣብያተ ጽሕፈት ፈደራል፡ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ቍጽጽር ፕረዚደንት ክኣትዋ ሓሳብ የቕርብ።

እዚ ኣካታዒ ሓሳብ፡ እቲ ፕረዚደንት ኵሉ ነገር ብሓድነት ንኽፍጸም ዝዓለመ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ፖሊሲታት ብቐጥታ ንምትግባርን መስርሕ ውሳነ ንምምሕያሽን የኽእሎ።

ብተወሳኺ ንኣሽሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝግበር ናይ ስራሕ ሓለዋ ክእለ ሓሳብ የቕርብ፣ ድሕሪኡ ብፖለቲካዊ ሹመኛታት ክቕየሩ ይኽእሉ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ንዅሎም ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ዝሰማምዑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፈደራል ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ደሞዝ ክህቦም ምዃኑ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ትራምፕ ነዚ ውሳነ ዝወሰደ፡ ዓቐን መንግስቲ ፌደራል ንምንካይ ዝሓንጸጾ መደብ እዩ።

እቲ መርሓ-ጐደና ንቢሮ መርመራ ፈደራል (ኤፍ.ቢ.ኣይ) "ዝበርተዐ፣ ትምክሕተኛን ዘይሕጋውን ትካል" ክብል ይጽውዖ።

ዝተፈላለዩ ትካላት ከምኡ እውን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ክውገዱ ይፅውዕ።

ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝግበር ናይ ስራሕ ውሕስነት ንምጋድን፡ ወጻኢታት ፈደራል ንምንካይን ምንቅስቓስ ኣካይዱ።

ቢልዮነር ኢሎን ማስክ ብፕረዚደንት ትራምፕ ሓድሽ ምምሕዳር ክመርሕ ካብ ዝምዘዝ፡ ኣብ ኣመሪካ ሓያለ ኣብያተ ጽሕፈት ፈደራል ተዓጽየን ኣለዋ።

እቲ ብ'ዶጅ' ዝፍለጥ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት፡ ወጻኢታት መንግስቲ ኣብ ምንካይን ስርሖም ዘመሓይሽሉ መንገዲ ኣብ ምድላይን ተራ ክጻወት ትጽቢት ይግበር።

ነዚ ንምዕዋት ድማ ኣብ ሓያሎ ኣብያተ ጽሕፈት ፈደራል ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ይስጐጉ ኣለው።

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጻል ጥንሲን ስድራን

ፕሮጀክት 2025 ኣብ ሰነዱ ኣስታት 200 ግዜ ምንጻል ጥንሲ ይጠቅስ።

እዚ ብዙሓት ኣካታዕቲ ጉዳያት ዘልዓለ ኣርእስቲ እዩ።

እቲ ሰነድ ብቐጥታ ብሃገር ደረጃ ጥንሲ ምውራድ ክኽልከል ኣለዎ ኣይብልን።

ትራምፕ እውን ከምዚ ዓይነት ሕጊ ከምዘይፍርም ኣፍሊጡ ኣሎ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ንምንጻል ጥንሲ ዘገልግል ከኒና ካብ ዕዳጋ ክወጽእ ብግልጺ ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ ሰነድ ብሓፈሻ፡ "መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ዝገበረን ብማሕበራዊ ሳይንስ ዝድገፍን ትርጕም ሓዳርን ስድራቤትን" ኣብ ግብሪ ክውዕል ይመክር።

ብኣንጻሩ ትራምፕ፡ ሕጊታት ምንጻል ጥንሲ ብዓቢኡ ንውልቀ ግዝኣታት ክግደፍ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ጸሓፊ ጥዕና ሮበርት ኬነዲ ጁንየር ግን፡ ድሕነት ናይቲ 'ማይፈፕሪስቶን' ከኒናን ንምቍጽጻርን ምክትታልን ብትራምፕ ከምዝተኣዘዘ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ፕሮጀክት 2025 ዝተቐመጠ ባጀት ፈደራል፡ ንምንጻል ጥንሲ ከይውዕል ዝኽልክል ፈጻሚ ትእዛዝ ኣውጺኡ።

ጉዳይ ስደተኛታት

ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣኑ፡ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ሰፊሕ መንደቕ ንምህናጽ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝመደበ ዝዝከር እዩ።

እዚ ኣብዚ ፍኖተ-ካርታ ተጠቒሱ ኣሎ።

ትራምፕ ብተደጋጋሚ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰነዳት ዘይብሎም [ኢትዮጵውያንን ኤርትራውያንን ዝርከቡዎም] ስደተኛታት ምስጓግ- ዝብል ግን፡ ኣብዚ ሰነድ ኣይተኻተተን።

ሶማሊላንድ

እቲ ሰነድ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ክልተ ሃገራት ሶማሊላንድን ጅቡትን ጥራይ እዩ ዝጠቅስ።

እዚ ድማ፡ እታ ሃገር ኣብ ጅቡቲ ዝነበራ ጽልዋ እናነከየ መጺኡ ካብ ዝብል ገምጋም ዝብገስ እዩ።

"ንውድቀት ጽልዋ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ንመክሕሓስ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ" ይብል።

ኣብዚ 900 ገጻት ዘለዎ ሰነድ ብዛዕባ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝምልከት ክፍሊ፡ ክልተ ገጽ ዘይኣክል ጥራይ እዩ ተዋሂቡዎ።

እታ ኣህጉር፡ ብኣኽረርቲ ዓቃባውያን ኣመሪካውያን ኣዝዩ ውሑድ ቦታ ከም ዝተዋህባ ዘመልክት'ዩ።