'ተባሪርካ' - ትራምፕ ኣብ ሓደ ሰሙን ዘፋነዎም ሰብ-ስልጣን ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስልጣን ተቖፃፂሩ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝኣቱ ገና ሓደ ወርሒ'ኳ ኣይኰኖን።
ኣብቲ 'ዘ ኣፕረንቲስ' ሪኣሊቲ ሾው ዝተለምደ 'You are fired' ዝብል ፍሉጥ ኣገላልፃ ብምጥቃም፡ ድሮ ልዕሊ 200 ሰራሕተኛታት ኣፋንዩ ኣሎ፤ "ተባሪርካ" ።
ከም ንሓድሽ ምምሕዳር ገለ ምቅይያር ሰራሕተኛታት ልሙድ እዩ።
ትራምፕ ግን ኣብተን ቀዳሞት ሰሙናት እዋኑ ስልጣኑ ሰፊሕ ለውጢ ኣካይዱ'ሎ።
ንሚልዮናት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካሕሳ ምብራር ኣዳልዩ። ንመደባት 'ብዙሕነት፣ ፍትሓውነትን ምትእትታውን (DEI)' ደው ኣቢሉዎ፤ እዚ ድማ መድልዎ ንዝበፅሖምን ንዝተገለሉን ንምምእኻል ዝግበር ምስጉን መደብ እዩ ነይሩ።
ብዓርቢ ትራምፕ ንሓላዊት እታ ሃገር ኣመሪካዊት ኣርኪቪስት ኮሊን ሾጋን ካብ ስራሕ ኣባሪርዋ።
ድሒሩ ኣብታ ለይቲ እቲኣ፡ ንኣባላት ኣማኸርቲ ቦርድ ማእከል ስነ-ጥበብ ጆን ኤፍ ኬነዲ ካብ ስራሕ ከባርሮም ተሓንዩ፤ ከምኡ'ውን ንነብሱ ኣቦ መንበር ገይሩ ሰዪሙ ኣሎ።
ትራምፕ ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ሰሙናት ስልጣኑ ዝተራእየ ዓበይቲ ናይ ምብራር ስጉምቲ ዒላ ዝዀኑ ንርአ።
![ኣደ መንበር ኮሚቴ ዲሞክራስያዊ መረፃ ፌደራል [FEC] ኤለን ዋይንትራውብ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/1ed7/live/fa926500-e6b2-11ef-a319-fb4e7360c4ec.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚልዮናት ስረሖም ከቋርፁ ካሕሳ ቀሪቡሎም
ሓድሽ ምምሕዳር ሪፓብሊካን ትራምፕ፡ ዋይት ሃውስ ዳርጋ ንኹሎም እቶም ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ፌደራል ካብ ሓላፍነቶም ክእለዩ ለወባ ኣቕሪቡ ኣሎ።
እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ትራምፕ መጠን መንግስቲ ፌደራል ንምንካይ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ እዩ ዝእመን።
ሓደ ዳኛ ኣመሪካ ነቲ ንሰራሕተኛታት ፌደራል ክሳብ 6 ለካቲት ካብ ስራሕ ክገድፉ ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ደሞዝ ክወሃቦም ዝብል ውጥን ንግዚኡ ደው ኣቢልዎ ኣሎ።
ዋይት ሃውስ ግን፡ ድሮ ልዕሊ 40 ሽሕ ሰራሕተኛታት ነቲ ዕድመ ከምዝተቐበልዎ ይገልጽ።
ትራምፕ ንፍሉያት ሰበስልጣን መንግስቲ እውን ዒላማ ብምግባር ንኣደ መንበር ኮሚቴ ዲሞክራስያዊ መረፃ ፌደራል [FEC] ኤለን ዋይንትራውብ ካብ ስርሓ ከምዘባረራ ብኢንተርነት ዘካፈለቶ ደብዳበ ይሕብር።
ዋይንትራውብ፡ ካብ ስራሕ ምብራራ ሕጋዊ ከምዘይኰነ ትኸስስ።
እቲ ትካልል፡ ሕግታት ፋይናንስ ጎስጓስ ዘተግብርን ንመረጻ ፌደራል ዝከታተልን እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ርክባት ዕዮ ዘገልገለት ፈላመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ግዊን ዊልኮክስ ካብ ስርሓ ኣባሪርዋ።
ንሳ ድማ ነቲ ሓድሽ ምምሕዳር ትኸስስ ኣላ።
ደገፍቲ ትራምፕ'ውን ኣየምለጡን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ብትራምፕ ዝተመዘዙ ነበር እውን ካብ ስራሕ ተባሪሮም ኣለዉ።
ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣን ትራምፕ፡ ኣብ ኢራን ላዕለዋይ ልኡኽ ዝነበረ ብራያን ሁክ ካብ ስርሑ ተባሪሩ።
ትራምፕ ኣብ ናይ መጀመርታ እዋን ምምሕዳሩ፡ ጠቕላላ ሓላፍቲ ስታፍ ኢሉ ዝሸሞም ሓደ ጀነራል ማርክ ሚሊ እውን ድሕሪ ሕጂ ከምዘየድልዩዎ ተነጊርዎ።
ፔንታጎን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ንትራምፕ ዝነቕፍ ዝነበረ ጀነራል ሚሊ ዝሃቦ ዝነበረ ሓለዋን ፍቓድን ኣልዩዎ ኣሎ።
ትራምፕ ኣብ ድሕሪ በዓለ-ሲመቱ ኣብ ዝነበሩ ሒደት ሰዓታት፡ ሰበስልጣን ትራምፕ ስእሊ ጀነራል ሚሊ ካብ ፔንታጎን ኣልዮሙዎ'ዩ።
እግሪ እግሩ እናኸዱ ድቃስ ዝኽልኡዎ ኣኽበርቲ ሕጊ
ክፍሊ ፍትሒ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ገበናዊ መርመራታት ዝነጠፉ ሓያሎ ናይ ሞያ ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዘባረሮም ገሊጹ ነይሩ።
ትራምፕ ኣብ ክልተ ፌደራላዊ ጉዳያት ገበነኛ ዀይኑ ተረኺቡ ነይሩ፡ ድሒሩ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረፃ ምስ ተዓወተ ድማ እቲ ክስታት ተልዒሉ።
ክፍሊ ፍትሒ ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ነቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ንምስጓግ ዝተወስደ ስጉምቲ ምስ ሓደ ካብቲ ትራምፕ ኣብ ጎስጓስ ዝኣተዎ መብጽዓታት ዝሳነ ምዃኑ የርኢ።
ምምሕዳር ትራምፕ ብተወሳኺ ኣብ ምጽራይ ናዕቢ 6 ጥሪ ኣብ ካፒቶል ዝተሳተፉ ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤፍ.ቢ.ኣይ ከምዘባረሮም፡ ኤሚል ቦቭ ዝተባህለ ጠበቓ መከላኸሊ ትራምፕ ነበርን ሕጂ ኣብ ክፍሊ ፍትሒ ዝሰርሕን ዝጸሓፎ መዘክር ይሕብር።
እቲ ምምሕዳር ንኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብቲ ናይ 6 ጥሪ መርመራታት ዝተሳተፉ ኩሎም ወከልቲ ዝርዝር ከዳሉ ሓቲቱ ኣሎ፡ እዚ ዝርዝር ሓደ ዳኛ ኣመሪካ ንጋንታ ትራምፕ ምስጢራዊ ክኸውን ኣዚዙ።
ትራምፕ ኣብ ክፍልታት ምክልኻል፡ ጸዓትን ስቴትን ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ትካላት ፌደራል ብውሑዱ ደርዘን ዝኾኑ ዋና ተቖጻጸርቲ እውን ኣባሪሩ ኣሎ።
ተራ ዋና ተቖጻጻሪ፡ መንግስታዊ ስልጣን ብዘይግቡእ ከይጥቀም ንምቁጽጻር ዓሊሙ ዝተፈጥረ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







