ኣስመራ፡ ሓላፊ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ

ብኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፡ ሰላምን ጸጥታን ዝምራሕ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ትማሊ ናብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ኣምባሳደር ባንኮለ ኣዲዮየ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ ብዛዕባ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዘራሪቡ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ግጭት ሱዳንን ኩነታት ሶማልያን ከም ዝተመያየጡ ጠቒሱ'ሎ።

"ብዛዕባ ኣህጉራዊ ብድሆታት፡ ብፍላይ ናይ ቀረባ ምዕባለታትን ተርእዮታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ" ከምዝተላዘቡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ኤርትራ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝለዓለ ደረጃ ዘይምስታፋ ኣቓልቦ ብዙሓት ተዓዘብቲ ስሒቡ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣባልነታ ከይተረፈ ስሒባ ዝነበረት ኤርትራ ኣብዚ ሓድሽ ኣቦመንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ዝመረጸ ዋዕላ እንተወሓደ ከምቲ ልሙድ ብደረጃ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክትሳተፍ ትጽቢት ተገይሩላ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ'ቲ ሕብረት ተሪር ነቐፌታ ከቕርብ ዝስማዕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ዋዕላታት እቲ ሕብረት ካብ ዝርሕቕ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሩ'ዩ።

ኣብቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ነበር ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንሙሳ ፋኪ መሓማት ብምትካል ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ክኸውን ምምራጾም ይዝከር።

ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2009 ዝተፈጥረ ናብ ረጽሚ ዝበጽሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ጂቡቲን ኤርትራን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ካብ ዝበትካ ዓመታት ኣሕሊፈን'የን።

ኣብ መወዳእታ ጥሪ፡ ካብ መዝነቱ ዝሰናበት ዝነበረ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ነበር ጫዳዊ ሙሳ ፋኪ ኣብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ስንብታ ርክብ ኣካይዱ ነይሩ።

ኣምባሳደር ባንኮለ፡ ንደማዊ ኲናት ትግራይ ዘዕረፈ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንክፍረምን ጸኒዑ ክቕጽል መሪሕ ተራ ዝነበሮ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ እተን ኣብ ኲናት ትግራይ ብሓደ ኣንጻር ህወሓት ተሰሊፈን ዝነበራ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጥረ ምትፍናን ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ናይ ትማሊ ምሸት ርክቡ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ኣህጉር ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምስፋን ከምዝፈሸለ ብምግላጽ ነቒፉ።

"ቀንዲ ኣተኩሮ [እቲ ሕብረት] ኣብ ክንዲ ኲናትን ቅልውላዋትን 'ምምሕዳር' ግጭታት ከይውላዕ ምክልኻል'ዩ ክኸውን ዘለዎ" ክብል እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።

ንጉዳይ ኲናት ሱዳን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ፡ "ሓይልታት ወጻኢ ነቲ ግጭት የጋድድዎ ብምህላዎም ንዞባዊ ምርግጋእ ከምዝዓንቀፎ" ሞጒቱ።

ኣምባሳደር ባንኮለ፡ ብሰኑይ ሚኒስተራት ናይተን ኣብ ሶማልያ ወተሃደራተን ዘዋፈራ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፍሉ ኣኼባ መሪሑ ነይሩ።

ኣብቲ ርክብ፡ ኤርትራ ንምህናጽ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ እቲ ፕረዚደንት ሓቢሩ። ኣስመራ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኣጋር ሓይልታት፡ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ስልጠናታት ክትህብ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ክሳብ ናብ ውግእን ኲናትን ዝበጽሐ ኣሉታዊ ዝምድና ዝነበራ ኤርትራ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ናይቲ ዞባ ኮይና ክትርአ ምጽንሓ ይፍለጥ።

እቲ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ "ብዛዕባ ዞባዊ ፖለቲካ፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ሳላምን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ጽምጾ" ከምዘካየደ ኣብ ኤክስ ሓቢሩ'ሎ።