እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ኣስመራ ኣትዩ
ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ንምግባር ሎሚ ኣስመራ ኣትዩ።
ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዘካየዶ ርክብ፡ ገስጋስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብሰንኪ ብድሆታት ጸጥታን ዘይምርግጋእን ሓሊኹዎ ኣሎ ከምዝበለ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።
እቲ ካብ መዝነቱ ዝሰናበት ዘሎ ፋኪ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ሞንጎን ሃገራት ዘሎ ግጭታትን ወጥርን፡ ቅልውላዋት፡ ሽበራን ተነጽሎ ኣፍሪቃ ኣብ መድረኻት ዓለምን ነቶም ብድሆታት ዘጋድድ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
እቲ ንዓመታት ካብ ዓበይቲ መድረኻትን ዋዕላታትን እቲ ሕብረት ተኣልዩ ዝቕጽል ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ "ኣፍሪቃዊ ጸገም ብኣፍሪቃውያን ክፍታሕ" ከምዘለዎ ተዛሪቡ ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ሓቢሩ።
"ብዘይ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ዘላቒ ልምዓትን ብልጽግናን" እታ ኣህጉር ክረጋገጽ ከምዘይኽእል ተዛሪቡ።
ኣብ ፈለማ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ንሙሳ ፋኪ ክትክእ ትጽቢት ዝግበረሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኬንያ ነበር ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ርክብ፡ ኦዲንጋ ኣብ ዝመጽእ ዋዕላ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዃን ናይ ኤርትራ ደገፍ ንምርካብ ሓቲቱ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ነቲ ዝሓተቶ ደገፍ ምሃቡን ዘይምሃቡን ግን ዝተገልጸ ነገር ኣይነበረን።
ካልኣይ እብረስልጣን ናይቲ ኣብ 2017 ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተመርጸ ጫዳዊ ሙሳ ፋኪ መሓመድ ኣብ ዝመጽእ ለካቲት ከብቅዕ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ካብ 6 ክሳብ 7 ለካቲት 2025 ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓድሽ ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ክመርጽ ትጽቢት ይግበረሉ።
ነቲ ሕብረትን ቅድሚኡ ዝነበረ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ብትሪ ክነቕፎ ዝስማዕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ምስታፍ ካብ ዝገድፎ ነዊሕ ምግባሩ ይፍለጥ።