ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ተዂሲ ብዙሓት ተቐቲሎም

ኣባላት ፖሊስን ሰራሕተኛታት ህጹጽ እዋንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሓደ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣውስትርያ ብዝተፈፀመ ተዂሲ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ገሊፆም።

ከንቲባ ከተማ ግራዝ ኤልከ ካህር፡ ኣብቲ ሎሚ ንግሆ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ተመሃሮ ካብቶም ዝበዝሑ ግዳያት ኰይኖም ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝቖሰሉ'ወን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቶም ግዳያት 6 ደቂኣንስትዮ፡ ሰለስተ ድማ ደቂተባዕትዮ ምዃኖም ሰብመዚ ጠቒሶም ኣለዉ።

ፖሊስ ከም ዝበሎ፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብሃል ዘለሎ ዕጡቕ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ድራይርሹትዘንጋሰ ኣብ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ፡ ዓርሰ-ቅትለት ከምዝፈፀመ እዩ ዝእመን።

እቲ 9 ሰባት ዝቐተለን ብውሕዱ ካልኦት 12 ዘቚሰለን ወዲ 21 ዓመት ጥርጡር ዜጋ እታ ሃገር ኮይኑ ኣብቲ ቤትምህርቲ ይመሃር ምንባሩን ኣብ መንጎ ከምዘቋረጸን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ገሊጹ።

እቲ ዝተጠቕመሉ ክልተ ብረት ብሕጋዊ መንገዲ ዝወነኖ ምዃኑ'ውን ሰብመዚ ኣመልኪቶም ኣለዉ።

መንግስቲ እታ ሃገር ንግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ንምዝካር ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ኣዊጁ'ሎ።

ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ግራዝ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ፖሊስ፡ በቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ኣረጋጊጹ።

ፖሊስ ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ክገልጹ ኣይደለዩን። እንተኾነ ገለ ጸብጻባት ኦስትርያ፡ እቲ ዕጡቕ ሓዊሱ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይሕብሩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ንማዕከናት ዜና ኦስትርያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ይመሃር ምንባሩ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ መበገሲ ናይቲ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ዝተብሃለ የለን።

ፖሊስ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ሕጂ ጥቡቕ ሓለዋ ይግረበሉ ከምዘሎን ተወሳኺ ስግኣት ከምዘየለን ይገልጽ።

ኣብ'ቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኦስትርያ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ስርሒት ከም ዝጀመሩ ጠቒሱ'ሎ።

ተመሃሮ ካብቲ ህንጻ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ይወጹ ስለዘለዉ እቲ ስርተት ገና ይቕጽል ከምዘሎ ሰብመዚ ጸጥታ ኣመልኪቶም። ኣብቲ ከባቢ ፍሉያት ኣሃዱታት ፖሊስ ተዋፊሩ ከምዘሎ ይግለፅ።

ካብ መላእ ሕብረተሰብ ኦስትርያን ካብ ካልኦት ኩርናዓት ዓለምን፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ህጻናትን ካልኦትን ግዳይ ዝገበረ ፍጻመ፡ መግለፂ ስንባደን ሓዘንን ይውሕዝ ኣሎ።

ፕረዚደንት ናይታ ኣውሮጳዊት ሃገር ኣሌክሳንደር ቫን ደር ቤለን፡ እቲ ራዕዲ ብቓላት ክገልፆ ከምዝኸብዶን፡ ህዝቢ ኦስትርያ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ "ብሓባር ጠጠው እንብለሉ ኣጋጣሚ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።