ኤርትራ ንሱዳን 'ዓቢ ደገፍ' ከም ዝሃበት ጀነራል ኣልቡርሃን ገሊጹ

ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ።

ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብዛዕባ ምዕባለታት ግጭት ሱዳን ንፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መብርሂ ከም ዝሃበ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

"መንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ንህዝቢ ሱዳን ዝገበሮ ዓቢን ዝቕጽልን ዘሎ ኣበርክቶ፡" ከም ዝነኣደ'ውን ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ።

ኣስመራ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዝሃበት ግን ዛጊት ብንጹር ኣይተገልጸን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ኤርትራ ንዝገበረትሎም ደገፍ ከመስግኑ ተሰሚዖም ነይሮም።

እቲ ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ዝዀነ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ኲናት ሓድሕድ ሃገሩ ካልኣይ ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ ዘሎ እዋን'ዩ ነቲ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ "ንኽልቲኦም ወገናት ዘገድሱ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ጉዳያት፡" ከም ዝተዘራረቡ'ውን የመልክት።

ልኡኽ ሱዳን ንሓላፊ ስለያ ሌ/ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሙፋዳል ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ'ሎ።

ግጭት ሱዳን ብሱዳናውያን ክፍታሕ ክትምሕጸን ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ምስ ሰራዊት ሱዳን ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለዋ ይግለጽ።

"ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ንምሕያልን ንቕድሚት ንምድፋእን ምስ ፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክዘራረብ፡" ምዃኑ ማዕከን ዜና ሱና ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ንርእሰ ከተማ ካርቱም ዝተቘጻጸረ ሰራዊት ሱዳን ንሓይልታት ኣዳዕመ-ኣልሰሪዕ ንምድኻም ስርሒታቱ የሐይል ከም ዘሎ ይግለጽ።

እታ ኣብ ታሪኻ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘዕቈበት ዝንገረላ ሱዳን ኣብ ደማዊ ውግእ-ሓድሕድ ምእታዋ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዝጸለወ'ዩ ነይሩ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን ብዙሓት ምዃኖም'ዩ ዝንገር።

ብዳዕመ-ኣልሰሪዕ ከም "ምሩኻት" ተታሒዞም ዝጸንሑ ልዕሊ 50 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኦም፡ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት - ኣብ ፖርትሱዳን ከም ዝነበሩ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

"ኣብ ፖርትሱዳን ኢና ዘለና። ብዛዕባ ጉዳይና ኣቓልቦ ገይሩ ዝከታተል የሎን፣ እንታይ ንበልዕን ንሰቲን ኣመትና ዝገብር የሎን፡" ይብል ሰይድ - ሓደ ካብቶም ኤርትራውያን ግዳያት።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ'ቶም ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ኤርትራውያን ይዅን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝርከቡ ካልኦት ክዘራረቡ ምዃኖም ግን ዛጊት ዝተፈልጠ የሎን።