ኣፍሪቃ-ቻይና፡ ዝጸንሐ ሽርክነት እንታይ ይመስል፣ ንመንከ ኣርቢሑ?

ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ፡ ልዕሊ 50 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎ ዘለዉ መድረኽ ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ኣህጉር፡ ኣብ ጽላታት ኢንዱስትሪ፡ ሕርሻን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ወፍሪ ንምግባር ሰፊሕ ስምምዓትን መብጽዓን ከምዝተገብረ ይግልጽ ኣሎ።

እዚ፡ ነቲ መራሒ ቻይና ሺ ዢንፒን፡ እታ ሓያል ቁጠባዊት ሃገር ንኣፍሪቃ እትምድቦ፡ ኣብ ስለስተ ዓመት ዝትግበር 50 ቢልዮን ዶላር ዝኣተዎ መብጽዓ ወሲኽካ እዩ። ሓሙስ ንግሆ ኣብታ ቻይናዊት ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣመና ዝወቀበ ዓቢ ኣዳራሽ ህዝቢ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ሺ፡ ምስታ ኣህጉር ዘለዎ ርክብ "ኣብ ታሪኽ ዝበለጸ እዋን" ክብል ተሰሚዑ።

ቻይና፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብፍላይ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ንግዲ ብምስፋሕ፡ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ጽርግያታት፡ መገዲታት ባቡርን ወደባትን ዝተፈላለየ ትሕተ ቅርጽን ንምህናጽ ቢልዮናት ዶላራት ኣፍሲሳ እያ።

እዚ ብመንገዲ’ቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ቻይናን ብኸመይ ብዝበለጸ ብሓባር ክሰርሓ ከምዝኽእላ ንምውሳን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ዝካየድ ዋዕላ ‘መድረኽ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪቃ [FOCAC ፎካክ]’ ዝትግበር ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ረቡዕ ኣብ በይጂን ጀሚሩ ሎሚ ዓርቢ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።

ቻይና፡ ካብዚ ቀረባ እዋን ኣትሒዛ ስትራተጂኣ ብምቕያር፡ ንኣፍሪቃ ዝያዳ ካብቲ ልዑል ቴክኖሎጂኣን “ሓምለዋይ ቁጠባን” ንኣፍሪቃ ከተበርክት ጀሚራ'ላ፤ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ገዚፍ ለቓሕ ምሃብ ብመጠኑ ዝኸለሰቶ ከም ዝትመስል እዮም ክኢላታት ዝትንትኑ።

ንግዳዊ ሽርክነት ቻይና ኣፍሪቃ?

ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ቻይና ዝዓበየት ንግዳዊት መሻርኽቲ ኣፍሪቃ ብምዃን፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ እንኮ ገዚፍ ወፍሪ እተካይድን ገዚፍ ለቓሕ እትህብን ሃገር ኰይና ጸኒሓ እያ።

ኣብ 2022 ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ 250 ቢልዮን ዶላር ንግዲ ኣካይዳ - እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ክበሃል ዝከኣል እዩ። ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኡ ከም ነዳድን ማዕድናትን ዝኣመሰሉ ጥረ ነገራት ካብ ወጻኢ ዘእተወ ኰይኑ፡ ዝተመስርሑ ኣቑሑት ድማ ናብ ወጻኢ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ኣብ 2022 ኣብ ኣፍሪቃ ብቐንዱ ኣብ ሓደስቲ መራኸቢታት መጓዓዝያን ትካላት ጸዓትን ንምህናጽን ዕደናታት ንምምዕባልን ዘተኰረ 5 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ገይራ። ቻይናውያን ኩባንያታት ድማ ኣብቲ ዓመት ካብዞም ፕሮጀክትታት ኣስታት 40 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺበን።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣፍሪካ 3 ሽሕ ቻይናዊ ፕሮጀክትታት ከምዘሎ ዓለምለኸ ቁጠባዊ መድረኽ ይገልጽ።

ቻይና ምስ ኤርትራ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ሽርክነት ከም ዘለዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንቻይናዊ መዘናኡ ኣብ በይጂን ኣብ ዝተዘራረቡሉ ኣጋጣሚ፡ ቻይና ምስ ኤርትራ ኣብ ጸዓት፡ ትሕተ-ቅርጽን ሕርሻን ዝኣመሰሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ምትሕብባራ ከተዕሙቕ፡ ከምኡ’ውን ኢንዱስትርያዊ ምዕባለን ሕርሻን ኤርትራ ከተመቻችእ ድልውቲ ከምዘላ እቲ ፕረዚደንት ቻይና ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኤርትራን ቻይናን፡ ኣብ ዕደና፡ ህንጻ፡ ትሕተ-ቅርጺን ካልእ ጽላታትን ክተሓጋገዙ ተሰማሚዖም ምንባራሮም ይፍለጥ።

እዚ እናዀነ ግን ቍጠባዊ ኵነታት እታ ሃገር ንመነባብሮ እቲ ህዝቢ ከመሓይሽ ኣይከኣለን ዘሎ።

ቻይና፡ ካብቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ንልምዓት ኢላ ዘለቅሓቶ ገንዘብ፡ እቲ 134 ቢልዮን ዶላር ገና ዘይተኸፍለ ልቓሕ እዩ። እዚ ድማ ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መላእ ዓለም ተለቂሐን ዝእወዳኦ ይሽፍን።

እዚ እናዀነ ግን፡ ቻይና ካብዚ ቀረባ እዋን ኣትሒዛ ንሃገራት ኣፍሪቃ እትህቦ ልቓሕን ኣብታ ኣህጉር እትገብሮ ወፍሪን ብተዛማዲ ከምዝቐነሰቶ እዩ ዝግለጽ።

ጠንቂ ናይዚ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እቲ ቻይና ኣብ ሃገራተን ዝሃነጸቶ መሰረተ ልምዓት ለቕሓኡ ክመልሳ ስለዝተጸገማ እዩ ይብል ፕሮፌሰር ስቲቭ ጻንግ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሶኣስ - ለንደን።

“ቻይና፡ ነቲ ምዕራባውያን ሃገራት ይዅና ባንክ ዓለም፡ ንግዳዊ ትርጕም የብሉን ብምባል ክምውልዎ ዘይደሉ ከም ህንጸት መገዲታት ባቡር ዝኣመሰሉ ፕሮጀክትታት ዝኸውን ገንዘብ ከተለቅሕ ሕጕስቲ እያ” ይብል።

“ሕጂ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ልቓሕ ንምምላስ ዝሕግዝ ኣታዊ ካብቲ ፕሮጀክትታት ክረኽባ ኣይከኣላን።”

“ሎሚ ቻይናውያን ኣለቃሕቲ ኣፍሪቃ፡ ዝያዳ ጥንቁቓትን መረጽቲን ኰይነን ኣለዋ” ይብል ዶክተር ኣሌክስ ቫይንስ ካብ ቻታም ሃውስ፤ “ዝያዳ ኣኽሰብቲ ኣብ ዝዀኑ ፕሮጀክትታት እየን ከውፍራ ዝመርጻ” ይብል።

ትዅረት ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ኣብ ዓበይቲ ጽርግያታት፡ መገዲታት ባቡርን ወደባትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምርሓቕ፡ ናብ ከም 4Gን 5Gን ዝበሉ መርበባት ቴሌኮም፡ ሳተላይት ጠፈር፡ ፓነላት ጸሓያዊ ጸዓትን ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክን ናብ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ቴክኖሎጂ ከተድህብ ጸኒሓ እያ።

ዶክተር ቫይንስ፡ “ቻይና ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ኣብ ዕዳጋታት ኣፍሪቃ ብምድርባይ ክትክሰስ ጸኒሓ እያ” ይብል።

“እዚ ሓደ ካብቲ ቻይና ሓድሽን ምዕቡልን ሓምላይ ቴክኖሎጂታታ ናብ ወጻኢ እተሰደደሉ መንገዲ እዩ።”

ሽርክነት ቻይና ንኣፍሪቃ ሓጋዚ ዶ ጐዳኢ?

ቻይና፡ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓበይቲ ንግዳዊ ምትእስሳር ክትገብር ዝጀመረት፡ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና “ንደገ ምውጻእ [Going Out] ዝብል ስትራተጂኡ ድሕሪ ምብጋሱ ካብ 1999 ኣትሒዛ እያ። መድረኽ ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪቃ (FOCAC)፡ ፈላማይ ዋዕላኡ ኣብ 2003 ዘካየደ ኰይኑ፡ ሕጂ ንቻይናን `ን53 ሃገራት ኣፍሪቃን መድረኽ ሽርክነት ኰይኑ ኣሎ።

ፈለማ ዝነበረ ዕላማኣ፡ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ጥረ ነገራት ብምውሳድ፡ ናብ መላእ ዓለም ዝዓለመ ሰደድ ኣቑሑ ንምፍራይ ከምዝነበረ ዶክተር ቫይንስ ይገልጽ።

“ቻይና ንኣንጎላ ትሕተ ቅርጺ ንምህናጽ፡ ኣምሳያኡ ካብታ ሃገር ቀረብ ነዳዲ ንምርካብ ገዚፍ መጠን ገንዘብ ኣለቂሓታ እያ” ብምባል፡ “እዞም ፕሮጀክትታት ንዜጋታት ቻይና ዕድል ስራሕ እውን ፈጢሮም እዮም፤ ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ኣንጎላ ልዕሊ 170 ሽሕ ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ነይሮም።”

እዚ ይዅን እምበር፡ እቲ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዝሃነጸቶ ፕሮጀክትታት ንዜጋታት እተን ሃገራት ውሱን ረብሓታት ከምዘመዝገበ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ጻንግ፡ እዚ ድማ ቅሬታ ከምዘስዓበ ይትንትን።

“መብዛሕትአን ትካላት ቻይና ናይ ገዛእ ርእሰን ሰራሕተኛታት እየን ዘምጽኣ፤ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ደለይቲ ስራሕ ብዙሕ ዕድል ኣይህባን” ይብል።

“ሰራሕተኛታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ኣመና ጽንኩር ዝዀነ ኵነታት ስራሕ ጥራይ እዮም ዝቝጸሩ" ዝብል ስምዒት’ውን ኣሎ።”

ቻይና፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ኤስያን ንዝግበር መርበባት ንግዲ ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ተበግሶ ቅናትን-መገድን ኣብ ዘንቀለትሉ - ድሕሪ 2013 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝወሃብ ልቓሕ ኣዝዩ ወሲኹ፤ ኣብ 2016 ልዕሊ 28 ቢልዮን ዶላር በጺሑ።

ቻይና፡ መንግስታት ኣፍሪቃ ገዚፍ ገንዘብ ንኽልቅሑ ብምድፍፋእ፡ ንምምላስ ጸገም ኣብ ዝረኣየሉ ኵነታት ድማ ገንዘባ ትመልሰሉ መገዲታት ካብተን ሃገራት ብምሕታት፡ ንኣፍሪቃ ብመገዲ ለቓሕ ብምህዳን ትኽሰስ።

ኣንጎላ 18 ቢልዮን፡ ዛምብያ ልዕሊ 10 ቢልዮን፡ ኬንያ ድማ 6 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ቻይና ከምዘለወን ካብ ቻታም ሃውስ ዝተረኸበ ኣሃዛት ይሕብር። እዘን ሃገራት ድማ ነዚ ገንዘብ’ዚ ንምምላስ ኣብ ጸገም ከምዘለዋ እዩ ዝግለጽ።

መብዛሕትኡ ግዜ ቻይና ንመንግስታት ኣፍሪቃ ገንዘብ ኣለቂሓ፡ ምምላስ ገንዘብ ምስቲ ካብ ሰደድ ጥረ ነገራት ዝረኽብኦ ኣታዊታት ከምዝተሓሓዝ ገይራ እያ ትወዓዓል። እዚ ስምምዓት ቻይና ኣብ ከም በዓል ኮንጎ ዝኣመሰላ ሃገራት ንዝርከቡ ሓያሎ ዕደናታት ማዕድን ክትቈጻጸር ኣኺሉዋ እዩ።

ሓላፊ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣኪንወሚ ኣደሲና ንማዕከን ዜና ኣሶሼይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብዚ ዓይነት ልቓሕ ክቝጠባ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ቻይና ልቓሕ ክወስዳ እንከለዋ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሃብቲ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታተን - ከም ማዕድናዊ ጸጋታተን ወደባተን ካልእን - ከም ዋሕስ ይጥቀማሉ፤ ወይ ድማ ለቕሐአን ንምምላስ ምስቲ ካብ ሰደድ እዚ ጸጋታት ዝረኽብኦ እቶት የተሓሕዛኦ።

ኣኪንወሚ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውዕላት ነቲ ሃብቲ ናይተን ተለቃሕቲ ሃገራት ሓቀኛ ዋጋኡ ምሃብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ነታ ተለቃሒት ሓደገኛን ዘይምቹእን ከምዝዀነ እዩ ጸቒጡ ዝዛረብ።

“ኣብ ትሕቲ መሬት ገና ዘይተፋሕረ ማዕድን ወይ ነዳዲ እንተለካ፡ ከመይ ጌርካ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ውዕል ዋጋ ክትገብረሉ ትኽእል? ኣዝዩ በዳሂ እዩ።”

ዶክተር ቫይንስ፡ “እዚ ስለዝዀነ፡ ዲፕሎማሲ ‘መጻወድያ-ዕዳ’ ቻይና ህላወ የብሉን” ይብል።

“ቻይና ሓደሓደ ግዜ ድኽም ምስ ዝበሉ መንግስቲ ብኸምዚ ዓይነት መንገዲ እያ ትሰርሕ፤ ሓያላት መንግስታት ግን ኣብ ከቢድ ዕዳ ከይኣተዉ ዘዋጽእ ንግዳዊ ርክባት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም” ይብል።

ቻይና ኣብ መጻኢ ንኣፍሪቃ ዘለዋ መደባት?

ብረቡዕ 4 መስከረም ኣብ በይጂን ዋዕላኡ ዝጀመረ ፎካክ፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓባይ ቍጠባ ዓለምን ዝዀነት ቻይና እቲ ዝበለጸ ኵለመዳያዊን ጽቡቕ ስርዓት ዘለዎን መድረኽ ምሕዝነት ምዃኑ ዶክተር ሸርሊ ዘ ዩ ትገልጽ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ድማ ሓደስቲ ዕላማታትን ቀዳምነታትን የቐምጥ።

ንሳ፡ “ቻይና ከም ናይ ደገ መሻርኽቲ ኣፍሪቃ ብዝበለጸ ንምትሕብባር ኣገዳሲ ስትራተጂ'ዩ” ትብል።

“ኣብ መወዳእታ እዚ ክፍለ ዘመን 40 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ክነብር’ዩ” እትብል ዶ/ር ሸርሊ፡ “ኣፍሪቃ ኣገዳሲት ባእታ መጻኢ ዓለማዊ ቍጠባ ምዃና ዘጠራጥር ኣይኰነን፡” ክትብል ትምጕት።

እንተዀነ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ረብሓ ንግዳዊ ጥራይ ዘይኮነ ፖለቲካዊ እውን እዩ ይብል ዶክተር ቫይንስ።

“ኣብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 50 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣለዋ፤ ዳርጋ ንዅለን ድማ ታይዋን ከም ሃገር ኣፍልጦ ንኸይህባ ኣእሚናተን እያ።”

"ሕጂ ቻይና ካብ ኣፍሪቃ እንታይ ከም እትደሊ ዝያዳ ንጹር ስእሊ ንርኢ ኣለና" ይብል ፕሮፌሰር ጻንግ።

“ሻምፕዮን ደቡባዊ ዓለም -ግሎባል ሳውዝ - ክትከውን እያ ትደሊ፤ ነቲ መርገጺ ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ጽልዋ ንምህናጽ ክትጥቀመሉ ትደሊ። ቻይና ሃገራት ኣፍሪቃ ‘ደገፍታ’ ክዀና ትደሊ።

ፎካክ፡ ኣኼባ ተመዓረይቲ ሓይሊታት ኣይኰነን፡” ብምባል፡“ዓቢ ፍልልይ ሚዛን ሓይሊ ኣሎ፤ ምስቲ ክትገብሮ እትሓስብ ዘይሰማማዕ ኣይህሉን እዩ።”