እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ንቅልውላው ጸዓት ኤርትራ ንምቅላል ምወላ ክገብር'ዩ
ኤርትራን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃን (African Development Bank) ንቅልውላው ጸዓት ኤርትራ ንምቅላል ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ምወላ ክገብሩ ተሰማሚዖም።
እቲ ገንዘብ ኣብ ከባቢ ከተማ ደቀምሓረ ንዝትከል ናይ 30 ሜጋ ዋት ጸሓያዊ (ሶላር) መመንጨዊ ጸዓት ንምምዕባል ዝውዕል'ዩ።
ነቲ ብሓሙስ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ሚኒስተር ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ዶ/ር ጊዮርጊስ ተኽለሚካኤል ክፍርመሉ እንከሎ፡ ብወገን እቲ ባንክ ድማ ምክትል ዳይረክተር ናይቲ ባንክ ዶ/ር ኣብዱል ካማራ ክታሙ ከምዘንበረሉ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።
እታ ሃገር "በቲ ዘይእኹል፡ ዘይስሩዕ፡ ክቡርን በካልን ቀረብ ጸዓት" ክትሳቐ ምጽንሓ እቲ ባንኪ ይገልጽ።
ኣብታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ፍታሕ ከይተረኽበሉ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ኣብ መነባብሮ ህዝብን ቁጠባ እታ ሃገርን ዓቢ ስንብራት ከምዝገደፈ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት እታ ሃገር ምስ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ነቲ ካብ 120 ሜጋ ዋት ዘይሓልፍ ዝበሎ ዓቕሚ ናብ 360 ክብ ንምባል መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ሃገረ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ድሩት ናይ ምምንጫው ዓቕሚ፡ ብከቢድ ናይ ኤለክትሪሲቲ ቅልውላ'ያ ትሓልፍ ዘላ" ክብል እቲ ባንክ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጹ ነይሩ።
"ዕላማ ናይቲ ፕሮጀክት፡ ተሓደስቲ ምንጭታት ጸዓት (ሶላራዊ ጸዓት) ብምምዕባል ነቲ ክዓቢ ዘለዎን ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ዝርከብን ቀረብ ኤለክትሪሲቲ ንምብርካት'ዩ" ይብል ብዛዕባ'ቲ ምወላ ዝገልጽ ሰነድ ናይቲ ባንኪ።
ኣብ መወዳእታ 2022 ዝተወሳሰብ ስርዓተ-መርበብ (ኢንተግሬትድ ግሪድ ሲስተም) እታ ሃገር ናይ 151 ሜጋ ዋት ዓቕሚ ከምዝነበሮን ዝበዝሐ ካብቲ ብናፍታ ዝሰርሕ ረስናዊ ምንጪ ዝርከብ ምዃኑን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ካብዚ ድማ ኣስታት 35 ሜጋ ዋት ጥራይ'ዩ ንኣገልግሎት ዝውዕል ድማ ይብል።
እቲ ዝርካቡ ዓቕሚ ዘመንጭዋ ማሽናትን ጀነሬተራትን ብእርጋንን ስእነት ናብዮትን ብቐጻሊ ዓዲውዒል ከምዝኾና ይፍለጥ።
"ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ምስቲ መርበብ ዝተራኸቡ ተጠቀምቲ ከይተረፉ ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣይክኣሉን። ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ኤለክትሪሲቲ ትሑት ኮይኑ፡ ን52 ሚእታዊት ናይቲ ህዝቢ ይሽፍን" ይብል እቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝግበር ልምዓታዊ መደባት ዝምውል ባንክ።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ምዕቃብ ኣከባቢ፡ ምግታእ ክሊማዊ ለውጢ ከምኡ'ውን ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ኣበርክቶ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ።
እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ሓድሽ ጸሓያዊ መንጨዊ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣብ እትርከብ ሃዳሙ ዝተባህለት ቁሸት ክትከል ምዃኑ እቲ ባንክ ጠቒሱ'ሎ።
ተሃኒጹ ምስተወድአ ምስቲ ካብ ሕርጊጎ ዝብገስ ቀንዲ መርበብ ኤለክትሪሲቲ እታ ሃገር ክላብገብ ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ።
መዓስ ተጀሚሩ መዓስ ክውዳእ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣይተገልጸን ዘሎ።