ማእሰርቲ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ደው ክብል ኢሰመኮ ጸዊዑ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ)፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክግበር ዝጸንሐ ማእሰርቲ ደው ክብል ጸዊዑ።

እቲ ኮሚሽን ነዚ ጻውዒትዚ ዘቕረበ፡ ኣብቲ ዓርቢ 2 ሰነ 2023 ዘውጽኦ ጸብጻብ ኰይኑ፡ ነቲ ናብዚ ጻውዒት’ዚ ዝመርሐ ትዕዝብቲታቱ ብፍላይ ካብቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብዝቐረበ ጥርዓን መሰረት ብዝገበሮ ክትትል ምዃኑ ብዝርዝር ኣስፊሩ’ሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ’ቲ ኮሚሽን፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መረጋገጺ ሰነድ የብልኩምን ብዝብል ምኽንያት ብፖሊስ ዝተታሕዙ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ንኡሳን ከተማታት ዝተኣስሩ ኣማኢት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብዘይ ዝዀነ ይዅን ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብ ፖሊስ ከም ዝተኣስሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክሲ ከይተመስረተሎም ተኣሲሮም ዝጸንሑ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖሊስ ድሕሪ ምእታዎም መብዛሕትኦም ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ከምዝተፈትሑ’ውን ተገሊጹ።

ኢሰመኮ ነቶም ግዳያት ማእሰርቲ ዝዀኑ ስደተኛታን ሓተትቲ ዑቅባን፡ ንፋስ ስልክ፡ ላፍቶን ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ብምክትታል፡ እቶም ውልቀሰባት ድሕሪ ምእሳሮም ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንልዕሊ 10 መዓልታት ዝተኣስሩ እዮም ይብል።

እቲ ማእሰርቲ፡ "ስደተኛታት ምዃንኩም ዘረጋግጽ ሰነድ የብልኩምን፡ ካብ መዓስከር ክትወጹ ፍቓድ ዘይብልኩም ክነስኹም ኣብ ከተማ ትነብሩ፣ ብዘይፍቓድ ስራሕ ኣብ ስራሕ ተዋፊርኩም” ብዝብል ምዃኑ እውን እቲ ኮሚሽን ከም ዝመርመረ ኣስፊሩ’ሎ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣዘውቲሩ ዝርአ ምዃኑ፡ እቶም ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ከም ዝዝከር፡ ብቐዳም 9 ሓምለ 2022፡ ኣስታት '160' ኤርትራውያን ካብ ገዳም ሰንዳፋ፡ ማይ ጸሎት ተሓጺቦም እናተመልሱ እንከለው ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጲያ ተታሒዞም፡ ኣብ ዳባት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ተወሲዶም እዮም።

እቶም ናይ ሽዑ ግዳያት፡ ብተመሳሳሊ ምኽንያታት ከምዝተታሕዙን በብቕሩብ መብዛሕትኦም ከምዝተለቐቝን ተገሊጹ ነይሩ።

ኢሰመኮ ነቲ ብኸምዚታት ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክወርድ ዝጸንሐ ኣደራዕ መርሚሩ እዩ መግለጺ ኣውጺኡ ዘሎ፤

ኣብቲ ዘካየዶ ምጽራይ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ምዃኖም ዘርኢ ዘይተሓደሰ መለለዪ መንነት ሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉን፣ መብዛሕትኦም ጉዳዮም እናተጻረየ፡ እቶም ስደተኛታት ምዃኖም ዘረጋግጽ ሰነዳት ዘለዎምን ይፍትሑ ከምዘለዉን፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ጉዳዮም መብርሂ ንኽህቡ ሕጽረት ቋንቋ ከምጋጠሞምም ይጠቅስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊታት፡ ውዕላትን መትከላትን ከምኡ’ውን ሃገራውን ሕጊታት “ንስደተኛታት እኹል ሓለዋ ክገብር ግዴታ ኣለዎ፡” ዝበለ እቲ ኮሚሽን፡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምእሳር፡ መሰልን ናጽነትን ምንቅስቓስ ዝድርት ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ፡ ኢሰመኮ፡ ምስ ዝምልከቶም ሰበስልጣን መንግስቲን ኣካላት ፍትሒ መንግስቲ ፈደራልን፡ ኣብ ጉዳይ ግዜኡ ዘሕለፈ መለለዪ ወረቐትን፡ ምፍታሕ እሱራትን ምስኡ ዝዛመዱ ጉዳያት ኣመልኪቱ ይዘራረብ ከምዘሎን፣ ምፍታሕ እሱራት ምጅማሩን ይገልጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ብፍላይ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ፡ እቲ ዝነበረ መዓስከር ስደተኛታት ስለዝፈረሰን፡ መብዛሕትኦም ናብ ዝተፈላለየ ከተማታት እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣዲስኣበባ ውሒዞም እዮም።

እቶም ኣብቲ ዝተመደበ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ከባቢ ዳባት ዝተደኰነ መዓስከር ኣለምዋጭ ዘይኣተዉ ድማ ብዝያዳ ከም ስደተኛታት ንምምዝጋብ እቲ መስርሕ ደው ኢሉ ስለዝተባህለ፡ ተሸጊርና ኣለና ክብሉ፡ በብእዋኑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኤርትራውያን ክነግሩ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ጽባሕ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ነቶም ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ሃዲሞም ፋሕ ዝበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብግፋ እናተኣረዩ ከም ዝምለሱ ከምዝተገብረ ኣይርሳዕን።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2020 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ብሓይሊ ገፊፍካ ናብ ትግራይ ናይ ምምላስ ስጕምቲ ብምዝካር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር፡ ስደተኛታት ዑቕባ ንኽረኽቡ መሰል ዝህብ ንናይታ ሃገር ሕጊታትን ኣህጉራዊ ውዕላትን ዝጸረር ምዃኑ ኣብ እዋኑ ኣመልኪቱ እዩ።

ኣገልግሎት ምሕዳስ መንነት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተቛረጸሉ እቲ መስርሕ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምድጋፍ ብዝነበረ ውጥን ምዃኑ፡ እዋናዊ ጸብጻብ ኢሰመኮ፡ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ጠቒሱ ኣስፊርዎ’ሎ።

“ተግባራውነት እቲ ሓድሽ ስርዓተ ምዝገባ’ውን ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቅልጡፍ ክኽውን ኣይተኻእለን፡” ብምባል ድማ እቲ መስርሕ ኣብ ቀረባ እዋን ግብራዊ ክኸውን ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ምክትል ኮሚሽነር ኢሰመኮ ራኬብ መሰለ፡ ነቲ ሸግር ንምፍታሕ ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ክግበር ዝጸንሐ ውሱን ምልውዋጥ ሓበሬታ፡ ኣወንታዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ እንኮ ዘላቒ ፍታሕ ግን “እቲ ንኽልተ ዓመት ደው ኢሉ ዝነበረ ምዝገባን ምሕዳስ መንነት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብህጹጽ ምጅማር" ምዃኑ ኣዘኻኺራ።

እታ ኮሚሽነር፣ ኣብ መንጐ ስደተኛታትን ገበነኛታትን ዝግበር ኣተሓሕዛ፣ ንጭቡጥ ገበናዊ ስርዓተ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ከም ዝግባእ ብምትሕስሳብ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተኣስሩ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከይህልዉ ንምርግጋጽ፡ “ኮሚሽን ሕጂውን ምጽራይ ክቕጽል እዩ፡” ኢላ።