እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕሪሜርሊግ፡ ዝደመቝን ዝሃሰሱን ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ እዚ ዓመት
ፕሪሜርሊግ ዓመተ 2023-2024 ብዓወት እታ ንኣርባዕተ ዓመት ኣከታቲላ ቻምፕዮን ክትከውን ዝኸኣለት ማንቸስተር ሲቲ መጋረጃኡ ብሰንበት ዓጽዩ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣልጀርያዊ ሮያድ መሃረዝ ምስታ ጋንታ ስለ ዝነበረ ነታ ዋንጫ ክስፍስፋ ክኢሉ እዩ።
እንተዀነ፡ መሃረዝ ናብ ስዑድያዊት ጋንታ ስለ ዝተሰጋገረ እዛ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ዝዀነት ማንቸስተር ሲቲ ካብቶም ቀንዲ ኣፍሪቃዊ ዝዀነ ተጻዋታይ ኣይነበራን።
ቢቢሲ ስፖርት ሎሚ ዓመት ብመንፍዓቶም ይዅን ብሕመቘም ኣዒንቲ ክስሕቡ ዝኽኣሉ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ፕሪሜርሊግ ዳህሲሱ ኣሎ።
ዝደመቑ ፡ ይዋነ ዊሳ [ብሬንትፎርድ]
እታ ‘ቢስ’ እናተባህለት እትጽዋዕ ብሬንትፎርድ ነዛ ዓመት ሕጊግ እናበለት’ያ ወዲኣታ።
ካብ 38 ጸወታታት 10 ዓወት፡ ትሽዓት ማዕረ 19 ግዜ ከኣ ተሳዒራ ብ39 ነጥቢ መበል 17 ኰይና’ያ ውድድራ ዛዚማ።
ንሃገራዊት ጋንታ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝጻወት ይዋነ ዊሳ እንተዘይህሉ ግን ዓመታ ዝጸልመተ ምዀነ ነይሩ።
ይዋነ ነታ ጋንታ 12 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናብ ድሕሪት ካብ ምምላስ ኣድሒንዋ’ዩ።
ይዋነ ዊሳ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ክጻወት ንሓደ ወርሒ ካብታ ጋንታ ምስ ተኣለየ፡ ህላወ እዚ ተጻዋታይ ንብሬንትፎርድ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ በቲ ብድሕሪኡ ዘመዝገበቶ ተኸታታሊ ስዕረታት ክትርዳእ ክኢላ’ያ።
ኒኮላስ ጃክሰን [ቸልሲ]
ሰኔጋላዊ ኣጥቃዓይ ኒኮላስ ጃክሰን ኣብ ቀዳሞት ሸውዓት ዝተሰለፈለን ጸወታታት ክልተ ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ።
ኣንጻር እታ ክልተ ብቀይሕ ወጺኦማ ዝገጠመቶም ቶተንሃም ኣብ ዝተጻወተሉ ከኣ ሃትሪክ ክሰርሕ ብምኽኣሉ ቸልሲ ኣርባዕተ ንሓደ ክትስዕር ክኢላ።
ወዲ 22 ዓመት ጃክሰን ካብ ሕዳር ክሳብ መጋቢት ዝያዳ ዝደመቐሉ እዋን’ዩ ነይሩ።
ኣብዚ መቓን ግዜ ኣርባዕተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ቸልሲ ነተን ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ጸወታታት ንክትስዕር ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ።
ብሩህ መጻኢ ይጽበዮ ከም ዘሎ ከኣ ኣመስኪሩ’ዩ።
እንተዀነ ኣሰልጣኒ ቸልሲ ማውሪስዮ ፖቸቲኖ ቸልሲ ሓደስቲ ኣጥቃዕቲ ከም ዘድለያ ይገልጽ ስለ ዘሎ፣ ኒኮላስ ጃክሰን ኣብ ቸልሲ ናይ ምጽንሑ ዕድሉ ጽብብ ዝበለ ይመስል።
መሓመድ ቅዱስ [ዌስት ሃም]
ካብ ኣያክስ ናብ ዌስትሃም ዝተሰጋገረ ጋናዊ መሓመድ ቅዱስ ዌስትሃም ናብ ርብዒ ፍጻመ ጸወታታት ኣውሮጳ ንኽትበጽሕ ሓሙሽተ ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ’ዩ።
መሓመድ ዋላ’ኳ ኣብ ጸወታት ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኽሳተፍ ንሰሙናት ካብ ጸወታታት ፕሪሜርሊግ በዂሩ እንተነበረ፡ ንዌስት ሃም 14 ሸቶታት ከበርክት እንከሎ ሽዱሽተ ንሸቶ ዝዀና ኰዓሳሱ ከሺኑ ኣቐቢሉ።
ወዲ 23 ዓመት ቅዱስ ካብ ዝሓሸ ደረጃ ዘለወን ክለባት ጻውዒት ክቐርበሉ ከም ዝኽእል ከኣ ብኣጋኡ ተገሚቱ ኣሎ።
ኣንቶኒ ሰመንዮ [በርንማውዝ]
በርንማውዝ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒኣ ኣንዶኒ ኢሮላ ኰይና ዘርኣየቶ ብቕዓት ንብዙሓት ኣገሪሙ እዩ።
እታ ጋንታ ጽቡቕ ውጽኢት ንኸተመዝግብ ከኣ ኵሉ እቲ ሓላፍነት ኣብ እንግድዓ ጋናዊ ኣጥቃዒ ኣንቶኒ ሰመንዮ’ዩ ነይሩ።
እዚ ቅልጡፍን ንተኸላኸልቲ ዕረፍቲ ዘይህብን ኣጥቃዓይ ነታ ኣብ ጥሪ 2023 ካብ ብሪስቶን ሲቲ ብ12.7 ሚልዮን ዝዓደገቶ በርንማውዝ ብሸሞንተ ጎላት ክሒስዋ’ዩ።
ወዲ 24 ዓመት ኣንቶኖ ካብቲ 38 ጸወታታት ፕሪሜርሊግ፡ ኣብ 33 ክስለፍ ክኢሉ።
ጋንታኡ ከኣ ብ48 ነጥቢ መበል 12 ኰይና ውድድራ ንኽትዛዝም ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ።
ከይጠቀስካዮም ክትሓልፍ ነብስኻ ዘይገብረልካ . . .
ብልቓሕ ኣብ ቤልጅም ዝነበረ ሳይሞን ኣዲንግራ ናብ ብራይተን ምስ ተመለሰ ሽዱሽተ ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ።
ካብዚአን እተን ክልተ ካብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ምስ ተመለሰ ዘመዝገበን’የን።
ወዲ 22 ዓመት ተወላዲ ኣይቮሪኮስት ሳይሞን ኣዲንግራ፡ ጋንታኡ ብ48 ነጥቢ መበል 11 ኰይና ንኽትዛዝም ተራኡ ዕዙዝ’ዩ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ ሚያዝያ ጋንታ ኤቨርተን ንተኸታታሊ 13 ጸወታታት ዓወት ዝተሓረመትሉ ደረቕ ግዜ ናብ ድሕሪት ካብ ምምላስ ዘድሓና ኣጥቃዓይ እድሪሳ ጋና ጉየ’ዩ።
ሰኔጋላዊ እድሪሳ ጋና ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ጸወታታቱ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ነታ ጋንታ ካብ መዓት ኣውጺእዋ።
እታ ጋንታ’ውን ከም መርኣያ ሓጐሳ ሓዲሽ ኮንትራት ኣፈሪማቶ።
ኣልጀርያዊ ራያን ኣይት ኖሪ’ውን ሎሚ ዓመት ንደገፍቲ ኣልጀርያን ዎልቭስን ዘረስረሰ ብቕዓት’ዩ ኣርእዩ።
ወዲ 22 ዓመት ራያን ኣይት ኖሪ ብውሕሉል ኣጸዋውታኡ ዝተመሰጠት ቻምፕዮን እዚ ዓመት ዝዀነት ማንቸስተር ሲቲ ዓይና ኣውዲቓትሉ ከም ዘላ ብሰፊሑ ይግለጽ ኣሎ።
ዝሃሰሱ፡ መሓመድ ሳላሕ [ሊቨርፑል]
ሎሚ ዓመት 18 ሸቶታት ዘመዝገበ መሓመድ ሳላሕ ምስቶም ዝሃሰሱ ተጻወትቲ ኢልና ክንዝርዝሮ ቅሩብ ዘይፍትሓውያን ከምስለና ይኽእል’ዩ።
እንተዀነ መሓመድ ሳላሕ ኣብ 2017 ናብ ሊቨርፑል ካብ ዝጽነበር ዝሓመቐ ብቕዓት ዘርኣየሉ ሎሚ ዓመት’ዩ።
ወዲ 31 ዓመት ሳላሕ ኣብ መወዳእታ 7 ጸወታታት ፕሪሜርሊግ ሓንቲ ሸቶ ጥራየ’ዩ ከመዝግብ ክኢሉ።
ይቨስ ቢሶማ [ቶተንሃም]
ሎሚ ዓመት ቶተንሃም ብሓድሽ ኣሰልጣኒኣ ኣንገል ፖስተጎሉ እናተመርሐት ኣብ መወዳእታ ሕዳር ንፕሪሜርሊግ ቀዳመይቲ ኰይና ክትቅልሶ ክኢላ ነይራ’ያ።
ብድሕሪኡ ግን ንዝቕጽል ሓሙሽተ ጸወታታት ዓወት ተሓሪምዋ ንታሕቲ ገጻ ሸታሕታሕ ክትብል ጀሚራ።
ተወላዲ ማሊ ወዲ 27 ዓመት ይቨስ ቢሶማ ጋንታኡ ኣብ ጸወታታት ቻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ዝተገለፈትሉን ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ንኣርባዕተ ተኸታታሊ ጸወታታት ኣብ ዝተሰዓረትሉን ብዘርኣዮ ሕማቕ ብቕዓት ብደገፍቲ እታ ጋንታ ክንቀፍ ተራእዩ’ዩ።
ሶፍያን ኣምራባት [ማንቸስተር ዩናይትድ]
ሞሮካዊ ሶፍያን ኣምራባት ሞሮኮ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ታሪኽ ኣብ ዝሰርሓትሉ ኣባል እታ ሃገራዊት ጋንታ’ዩ ነይሩ።
ሶፍያን ካብ ፍዮረንቲና ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ተጸንበረ ዝያዳ ክደምቕ ከም ዝኽእል ብዙሓት ግምቶም ኣቐሚጦም ነይሮም።
እንተዀነ እዚ ወዲ 27 ዓመት ሞሮካዊ ኣብ ዓሰርተ ጸወታታት ጥራይ’ዩ ምስ ቀዳማት ተሰለፍቲ ክምረጽ ክኢሉ።
ማንቸስተር ዩናይትድ ከኣ ድሕሪ 1992 ዝሓመቐ ደረጃ ኰይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ መበል ሻሙነይቲ ኰይና ውድድራ ክትዛዝም ክኢላ።
ማንቸስትር ዩናይትድ ነቲ ኣብዚ ዓመት ጽቡቕ ብቕዓት ዘየንጸባረቐ ኣምራባት 21.7 ሚልዮን ሂባ ኩንትራቱ ከተፈርሞ ድያ ዝብል ሕቶ’ውን ክልዓል ጀሚሩ ኣሎ።
ኢሳ ካቦረ [ሉተን ታውን]
ብልቓሕ ካብ ማንቸስተር ሲቲ ናብ ሉቶን ዝተሰጋገረ ወዲ 23 ዓመት ኢሳ ካቦረ ኣብዛ ዓመት ከምቲ ብዙሓት ትጽቢት ዝገበርሉ ከም ዘይተጻወተ’ዩ ዝግለጽ።
ሓደ ካብቲ ምኽንያት ካብቲ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዘጋጠሞ ማህረምቲ ቀልጢፉ ስለ ዘይሓወየ’ዩ።
እቲ ተጻወታይ ምስ ሉቶን ኰይኑ ኣብ ዝተጻወተሉ ክልተ ንሸቶ ዝዀና ኮዓሳሱ’ዩ ካብ የማናይ ክንፊ ኰይኑ ኣቐቢሉ፣ እታ ጋንታ ከኣ ካብ 38 ጸወታታት ሽዱሽተ ግዜ ስዒራ፡ ሸሞንተ ግዜ ማዕረ ወጺኣ 24 ጸወታታት ተሳዒራ መበል 18 ኰይና ጸወታኣ ብምዝዛም ናብ ድሕሪት ተመሊሳ ኣላ።
ኢሳ ካቦረ ምስ ሉቶን ዝነበሮ ጻንሒት ወዲኡ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ክምለስ’ዩ።
ኣብ ሉቶን ዘይሰረረ ኣብታ ቻምፕዮን ዝዀነትን ብማእለያ ዘይብሎም ብሉጻት ተጻወትቲ ዝተተኽተኸትን ጋንታ ቦታ ክረክብ ድዩ ንዝብል ሕቶ ግን እቲ መልሲ ኣይፋል’ዩ ክኸውን።