ኣብ ዲ.ሪ.ኮንጎ ዝነበሩ ዓቀብቲ ሰላም ዩክሬይን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ምንጪ ስእሊ, MONUSCO
ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዓቀብቲ ሰላም ኰይኖም ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተዋፊሮም ዝጸንሑ 250 ወተሃደራት ዩክሬይን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ክፍሊ መጓዓዝያ ነፈርቲ እቲ ዓቃቢ ሰላም ዝነበረ ጉጅለ ዩክሬይን ናብ ሃገሩ ከም ዝተመለሰ ይዝከር።
እዚ፡ እቲ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተዋፈረ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ልዑል ሕጽረት ነፈርቲ ከስዕበሉ’ዩ ብምባል ገለ ዲፕሎማት ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘለዋ ሸሞንተ ነፈርቲ ዩክሬይን፡ ሓደ መሰለስ ከም ዝሕዛ ተገሊጹ ነይሩ።
ሩስያ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ንዩክሬይን ካብ እትወራ ንድሓር፡ ዩክሬይን ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሮም ዝጸንሑ ወተሃደራታ ከተውጽእ ጸኒሓ እያ።
ብጽዑቕ ጨካ ኣብ ዝተሸፈኑ ከባቢታት ኮንጎ ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ዓመጽቲ ጉጅለታት ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እቲ ኣገልግሎት ነፈርቲ ነቲ ዓቃቢ ሰላም ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ይግለጽ።
ኣዛዚ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኮንጎ ጀነራል ማርኮስ ዳ ኮስታ፡ እቶም ወተሃደራት “ንዓሰርታት ዓመታት ዘካየድዎ ዓብዪ ኣበርክቶ” ንኢዱ።
ሞኑስኮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፡ን30 ዓመታት ብዙሓት ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ዝምታ መዓድናት ወርቅን ኣልማዝን ክፍጸም ኣብ ዝጸንሕለ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ሰላም ከምጽእ ብዘይምኽኣሉ፡ ወተሃደራቱ ይንቀፉ።
ነበርቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዘስምዑዎ ተቓውሞ፡ ኣብ ልዕሊ ህንጻታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም ኣባላት እቲ ዓቃቢ ሰላም ሓዊሱ 36 ሰባት ሞይቶም።
እቲ ዓቃቢ ሰላም ብ22 ዓመታት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ቀስ ብቐስ ክወጽእ እዩ ይብሃል፤ ግን ነዚ ዝተቐመጠ ግዜ ገደብ የለን።
ኣብታ ብሃብቲ መዓድን ዝበልጸገት ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 20 ዓመታት ክጸንሕ እንከሎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዘለውዎ 12 ልኡኻት ምኽባር ሰላም እቲ ዝዓበየን ልዑል ወጻኢ ዝሓትትን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







