እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ግዝኣታ ንምምላስን ብሓማስ ጅሆ ዝተተሓዙ ንምድሓንን ትዋጋእ'ላ
ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ትማሊ ቀዳም ብፍልስጤማውያን ዕጡቓት ዝተወስዱ ጅሆታት ንምድሓንን ከባቢታት ንምጽራይን ስርሒታት የካይዱ ኣለዉ።
እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ስዒቡ ብዕጡቓት ፍልስጤማውያን ዝተወረሩ 22 ቦታታት ዳግማይ ከም ዝተቖጻጸሩን ኣብ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ገና ስርሒት የካይዱ ከም ዘለዉን እቲ ሰራዊት ሓቢሩ።
ብሓማስ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ውሕዱ 300 ሰባት ኣብ እስራኤል ከም ዝቐተለ ይግለጽ።
ኣብ ቓዛ ልዕሊ 310 ሰባት ብናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሎም ኣለዉ።
ብኽልቲኡ ወገን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቖሰሉ ክኸውን እንከሎ ካብዚኦም መብዛሕትኦም ከቢድ መዱዳእቲ ዘጋጠሞም እዮም።
ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ እስራኤል "ናብ ኲናት" ከም ዝኣተወት ብምግላጽ፡ ሓማስ "ርእይዎ ዘይፈልጥ ዋጋ ክኸፍል" ምዃኑ ኣጠንቂቝ።
መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየህ፡ "ኣብ ኣፍደገ ዓቢ ዓወት" ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ድሕሪ ሓምሳ ዓመት፡ ካብቲ ብግብጽን ሶርያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝጀመረ ኲናት'ዮም ኪፑር'፡ ትማሊ ዕጡቓት ፍልስጤም ዓቢ መጥቃዕቲ እዮም ኣካይዶም።
እዚ ናይ ሕዚ መጥቃዕቲ እውን ዘይተገመተ ሃንደበታዊ ዀይኑ፣ ኣብ መዓልቲ ናይ ኣይሁድ በዓል እዩ ተፈጺሙ ዘሎ።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ከም ዝሓበሮ፡ ቁጽሪ እቶም ዕጡቓት ልዕሊ ኣማኢት ክዀን እንከሎ፡ ልዕሊ 3 ሽሕ ሮኬታት ድማ ኣብ መላእ እስራኤል ናብ ዝርከባ ከተማታትን ተተኲሱ’ዩ።
ሌተናል ኮሎኔል ጆናታን ኮንሪከስ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ኤክስ ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ፡ "ንዓሰርተታት ማሕበረሰባት እስራኤልን መደበራት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤልን ኣጥቂዖም" ኢሉ።
"ንእስራኤላውያን ሲቪላት ቀቲሎም፡ ድሕሪኡ ሲቪላት እስራኤላውያንን ወተሃደራትን ናብ ቓዛ ምውሳድ ቀጺሎም። ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናት፣ ኣረጋውያንን ጉዱኣት ኣካልን እየ ዝዛረብ ዘለኹ።"
ሚኒስትሪ ጥዕና እስራኤል ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱ ኣየረጋገጸን፡ እንተዀነ ግን ማዕከናት ዜና እስራኤል ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ 300 ከም ዝዀነ ይገልጻ ኣለዋ። ካልኦት ልዕሊ 1,860 ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።
ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዙሓት ጅሆ ኣድሒኖም’ዮም፤ ኣብ ከተማ ስደሮት ንመደበር ፖሊስ ሒዞም ዝነበሩ ብውሕዱ 10 ዕጡቓት ተቐቲሎም።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሸሞንተ ከባቢታት ዕጡቓት ከምዘለዉ፡ ብቐንዱ "ኣሸበርቲ ካብቲ ማሕበረሰብ ንምፅራይ ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ።
ብተወሳኺ ካልኦት ጅሆታት ሓራ ንምውጻእ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ልዕሊ 400 ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከም ዝተኣሰሩን እቲ ሰራዊት ወሲኹ ኣፍሊጡ።
ብዛዕባ እቶም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ሲቪላትን ወተሃደራት እስራኤል ስክፍታታት እናዓበየ ይመጽእ ከም ዘሎ ሌተናል ኮሎኔል ኮንሪከስ ገሊጹ።
ቅምሶ ዲኤንኤ ምእንቲ ክውሰድ፡ ኣዝማድ ናይቶም ዝጠፍኡ ሰባት ንብረት ናይቶም ዝጠፍኡ ናብ መደበራት ፖሊስ ከረክቡ ተሓቲቶም ኣለዉ።
ሓደ ሞሸ ኦር ዝተባህለ ንማዕከናት ዜና እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓዉ ኣቪናታንን ኣፍቃሪቱ ኖኣ ኣርጋማኒን ብዕጡቓት ናብ ቓዛ ክውሰዱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ከም ዝረኣየ ገሊጹ።
"ኖኣ ኣብቲ ቪድዮ ፈሪሓ ርእየያ" ኢሉ።
ኔታንያሁ፡ እስራኤል "ገለ ጸጉሪ ርእሶም ንዝትንክፍ ሰብ ሕነ ከም እትፈዲ" ብምጥቃስ ንድሕነት እቶም ምሩኻት ንሓማስ ተሓታቲ ከም እትገብር ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ "ብቕልጡፍ ኩሉ ሓይሉ ተጠቒሙ ዓቕሚ ሓማስ ከጥፍእ እዩ" ብምባል ነበርቲ ቓዛ ካብ ገዝኦም ወጺኦም ክዕቆቡ ሓቢሩ።