ግዳያት ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ንዝበጽሖም ስቓይን ቃንዛን ቦይንግ ካሕሳ ክሕተት ተወሲኑ

ካብ ግዳያት ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡

ምንጪ ስእሊ, AFP

ስድራ ናይቶም፡ ኣብ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 737-ማክስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ገያሾ፡ እታ ነፋሪት ቅድሚ ምውዳቓ ግዳያት ንዘጋጠሞም ስቓይን ቃንዛን ንቦይንግ ካሕሳ ክሓቱ ዳኛ ወሲኑ።

እቲ ኣመሪካዊ ዳኛ ብ22 ግንቦት 2015 ዓ.ም ብኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ስድራ ግዳያት ብሰንኪ ስቓይ እቶም ግዳያት ተሳፈርቲ ካብ ቦይንግ ካሕሳ ክሓቱ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ ብይን ኣመሓላሊፉ።

ዳኛ ክልል ኢሊኖይ፡ ጆርጅ ኣሎንስ፡ "እቶም ተሳፈርቲ ናብ ሞት ይኸዱ ከምዝነበሩ 'ይፈልጡ ነይሮም' ኢልካ ምድምዳም ርትዓዊ'ዩ" ኢሉ።

ቦይንግ ብወገኑ፡ እቶም ተሳፈርቲ ከምዘይተሳቐዩን ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ብቕጽበት ከምዝሞቱን ተማጒቱ።

እቲ ዳኛ፡ እቶም ኣብ ነፋሪት ኢቲ 302 ዝነበሩ ተሳፈርቲ እታ ነፋሪት ክትወድቕ ምዃና ከም ዝፈልጡ "ርትዓዊ መርትዖ" ከምዘሎ ገሊጹ።

ብመሰረት እዚ ውሳነ፡ ስድራ ግዳያት ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ዘስዓቦ ስቓይን ቃንዛን ካብ ቦይንግ ካሕሳ ክሓቱ ይኽእሉ።

ጠበቓታት እቶም ግዳያት ንቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረብዎ ጭብጢ፡ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ተሳፈርትን፡ ቅድሚ እቲ ነፋሪት ምውዳቓ፡ ንቑሓት ምንባሮምን እታ ነፋሪት ትወድቕ ከምዘላ ፈሊጦም ከምዝነበሩን ዘካትዕ ከምዘይኰነ ገሊጾም።

ብ1 መጋቢት 2011፡ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ናይሮቢ ምስ ተበገሰት ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ።

በዚ ሓደጋ ካብ 35 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዀኑ፡ 157 ሰባት ሞይቶም።

ነፋሪቲ 737-ማክስ ዘሳተፈ ሓደጋታት፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያ ላያን ኣየርን ስዒቡ፡ ቦይንግ ዓቕሚ እቶም ኣብረርቲ ኣብ ሕቶ ኣእትዩ ነቲ ወቐሳ ናብ ካልኦት ወገናት ብምስግጋሩ ተነቒፉ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ግን፡ ቦይንግ በቲ ሓደጋ ንዝሞቱ ሰባት ሓላፍነት ወሲዱ ተሓታትነት ከምዝቕበል ኣፍሊጡ ነይሩ።

ስድራ ግዳያት ብወገኖም፡ እቲ ትካል ንዘስዓቦ ጉድኣት መቕጻዕቲ ክውስን ቤት ፍርዲ ከይሓቱ ተሰማሚዖም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ቴክሳስ ዝርከብ ዳኛ፡ እቶም ኣብ ሓደጋ ቦይንግ 737 ማክስ ዝሞቱ 346 ተሳፈርቲ ብዓይኒ ሕጊ "ግዳያት ገበን" ምዃኖም ወሲኑ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

"ገበን ቦይንግ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ዝኸፍአ ገበን ትካላት ተባሂሉ ክውሰድ ይኽእል'ዩ" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ቢሮ ፍትሒ ኣሜሪካ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስቲ ኣፍራዪ ነፈርቲ ኣብ ዝበጽሖ ስምምዕ፡ ምስ ጉድለት ዲዛይን ነፋሪት 737 ማክስ ብዝተኣሳሰር ብውዲትን ምትላልን ከይክሰስ ውሕስነት ተዋሂብዎ እዩ።

ቦይንግ ብወገኑ፡ ንመንግስቲ ኣሜሪካ፣ ኣብቲ ሓደጋ ንዝተሳተፉ መንገዲ ኣየራትን ግዳያትን 2.5 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተሰማሚዑ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ዘጋጠመ ሓደጋ ቦይንግ 737-ማክስ 8 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ጠንቁ ናይ ቦይንግ ፍላይት ኮንትሮል ሲስተም (MCAS) ፀገም ምዃኑ ቅድሚ ኣዋርሕ ሚኒስቴር መጓዓዝያን ሎጂስቲክስን ኢትኦጵያ፡ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ጠንቂ ሓደጋ እታ ነፋሪት፡ ናይ በረራ መቆጻጸሪ ሶፍትዌር [MCAS] ጸገም ከምዝነበረ ይሕብር።

ቦይንግ 737-ማክስ-8 ድሕሪ ክልተ ሓደጋታት ነፋሪትን ህይወት ብዙሓት ሰባት ምስ ተስኣነን፡ ኣብ ኩለሉ ዓለም ዝርከባ ፍርያቱ በረራ ከያካይዳ ተኣጊደን ጸኒሐን።

ብቦይንግ ኣድላዪ ጽገናታትን ፈተነታትን ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ናብ ኣገልግሎት ከምዝተመልሳ ምግላጹ ይዝከር።