እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይን፡ 6 ሽሕ ትርብዒት ኪ.ሜ መሬታ ከምዘምለሰት ትገልጽ
ሓይልታት ዩክረይን ፀረ-መጥቃዕቶም ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን፡ ካብ ሩስያ ተወሰኽቲ ቦታታት ከምዝተቘጻጸሩ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊፁ።
ዘለንስኪ፡ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብዚ ወርሒ መስከረም ጥራይ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ዝጸንሐ ቦታታት፡ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ክፋላት ልዕሊ 6 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ ከባቢታት ዳግማይ ከም ዝመንዝዑ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ነዚ ኣሃዛት'ዚ ከረጋግጾ ኣይክኣለን።
ሩስያ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ካርኪቭ ዝርከባ ወሰንቲ ከተማታት ከም ዝሰኣነት ተኣሚና ኣላ። እዚ ድማ ገለ ወተሃደራዊ ክኢላታት ከምዝበልዎ፡ ኣብ ኲናት ዘይተሓሰበ ከጋጥም ዝኽእል ክስተት እዩ።
ሩስያ ሰራዊታ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ካብቲ ዞባ ምውጽኡ፡ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ዝርከባ ዞባታት ሉሃንስክን ዶነስክን ንምትኳር ዝዓለመ፡ "ዳግመ ምውዳብ" ክትብል ትገልጾ።
እዚ ኣገላልፃ ግን ኣብ ሩስያ ከይተረፈ ንላግፂ ዝተቓልዐ ኰይኑ’ሎ፤ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ ዝተገልጸ ምንስሓብ ሰራዊት "ዘሕፍር" ክብሉ ገሊጾምዎ ኣለዉ።
ቢቢሲ ትማሊ ምሸት ዘዘራረቦ፡ ሜሰን ክላርክ ዝተበሃለ ምሁር ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ ኲናት (Study of War- ISW)፡ እዚ "ምሉእ ስዕረት" ናይቶም ብዙሕ ኣጽዋር ገዲፎም ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰራዊት ሩስያ ምዃኑ ገሊጹ።
ጋዜጣ ቢቢሲ ጀምስ ዋተርሃውስ’ውን፡ እዚ፡ ሩስያ ካብቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኪቭ ዘካየደቶ ፍሹል ወፍሪ ንደሓር፡ እቲ ዝዓበየ ትርጕም ዘለዎ ወተሃደራዊ ምንስሓብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ጸሓፊ ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ዝፈነውዎ ጸረ-መጥቃዕቲ፡ "ዓቢ ምዕባለ" ከምዘርኣዩ እኳ እንተሓበረ፡ ውጽኢቱ ንምግማት ግን ግዚኡ ገና ከምዘሎ ተዛሪቡ።
"ሩስያውያን ኣብ ዩክረይን ኣዝዮም ወሰንቲ ዝዀኑ ሓይልታት ከምኡ'ውን መሳርሕታት፡ ኣጽዋርን ተተኮስትን ኣዋፊሮም’ዮም። ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሓይልታት ዩክረይን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ሲቪላትን ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጽን ብዘይ ኣፈላላይ ክጥቀሙሉ’ውን ርኢናዮም ኢና" ኢሉ፡ ብሊንከን።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ብ24 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ክካየድ ምእዛዙ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሩስያ ክሳብ ሕጂ ኣስታት ሓደ ሕምሲት ክፋል እታ ሃገር ሒዛ ኣላ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ቪድዮ፡ "ካብ መጀመርታ መስከረም ክሳብ ሎሚ፡ ተዋጋእትና ዛጊት ኣብ ምብራቕን ደቡብን ልዕሊ 6 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር መሬት ዩክረይን ሓራ ኣውጺኦም ኣለዉ" ክብል ተዛሪቡ።
"ምንቅስቓስ ሰራዊትና ይቕጽል ኣሎ" እውን ኢሉ።
እቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ቅልጡፍ ይመስል። ዝሓለፈ ሓሙስ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ሓይልታት ዩክረይን 1ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዳግማይ ከምዝሓዙ ምግላጹ ዝዝከር ኰይኑ፡ ክሳብ ሰንበት ድማ እቲ ዝተገልጸ ኣሃዝ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ናብ 3ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።
ዘለንስኪ፡ ኣብቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ንዝተሳተፉ ሓያሎ ብርጌዳት ዩክረይን ብምምስጋን፡ "ሓቀኛታት ጀጋኑ" ክብል ንተቓለስቱ ሞጊሱ።
ኣየኖት ከተማታትን ዓድታትን ዩክረይን ሓራ ከምዝወጽኡ ግን ኣይገለጸን።
ሰራዊት ሩስያ ኣቐዲሙ ሓይልታቱ ካብተን ኣብ ዞባ ካርኪቭ ዝርከባ ወሰንቲ ከተማታት ባላክሊያ፡ ኢዝዩምን ኩፒያንስክን ምውጽኦም ተኣሚኑ ነይሩ። ሩስያ ኣብዚ እዋን ንእሽቶ ምብራቓዊ ክፋል ናይቲ ዞባ ጥራይ እያ ተቘጻጺራ ዘላ።
ሰራዊት ዩክረይን ናብቲ ምስ ክረምያ ዝዳወብ ዞባ ደቡባዊ ከርሰን'ውን ይደፍእ ምህላዉ ይግለጽ።
ሰበስልጣን ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ቀረባ እዋን ዘመዝገቦም ዓወታት፡ ኣብ ሓፈሻዊ ንድፊ ስርሒት ሩስያ "ዓቢ ጽልዋ" ከምዘለዎም ይገልጹ።
ወሃቢ ቃል ዩክረይን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ እቲ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ "ኵሉ እቲ ፈለማ ዝተቐመጠ ዕማማት ክሳብ ዝፍጸም" ክቕጽል ምዃኑ ኣነጺሩ ኣሎ።
ሩስያ፡ ሓይልታታ ኣብቶም ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዩክረይን ዳግማይ ኣብ ዝተቘጻጸረቶም ከባቢታት መጥቃዕቲ ከካይዱ ከምዝጸንሑ ትገልጽ።
ከንቲባ ከተማ ኢዝዩም ቫለሪ ማርቸንኮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ከተማኡ ከምዘሎን ባንዴራ እታ ግዝኣት ከምዝተሰቐለን ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ሰራዊት ዩክረይን ነታ ብኲናት ዝተሃስየት ከተማ ኣብ ምጽራይ ከምዝተዋፈረን ገለ ሓይልታት ድማ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ክሕብኡ ንዝኽእሉ ወተሃደራት ሩስያ ይደልዩ ከምዘለዉን ተገሊጹ’ሎ።
ማርቸንኮ ካብታ ከተማ ክሃድሙ ዝተገደዱ ነበርቲ ድሕሪ "ኣስታት 10 መዓልታት ብሰላም" ክምለሱ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ።
ሩስያ ኣብ ዓውደ ኲናት ናይ ዘጋጠማ ዕንቅፋታት ሕነ ንምፍዳይ ሲቪላዊ ትሕተ-ቕርጺ ዒላማ ብምግባር ትኽሰስ ኣላ።
ብሰንበት ዝተፈጸመ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ መላእ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ሰፊሕ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምፍጣሩ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ነበርቲ፡ ንሓያሎ ሰዓታት ብዘይ መብራህትን ማይን ከጸንሑ ተገዲዶም።