እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኤርትራውያን ዝተዓየት ፊልም 'ስምረት' ኣድናቘት ረኺባ
ንኵነታት ስደት እትትርኽ ብኤርትራውያን ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝተዓየት ፊልም፡ ትማሊ ኣብ ብሪጣንያ ንህዝቢ ተራእያ።
እታ "ስምረት" ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህባ ፊልም ቋንቋ ትግርኛ፡ ብዛዕባ ኣደን (ስምረት) ጓላ (ጆ)ን ዝዀና ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓልፍኦ መነባብሮን ብድሆታትን እተዘንቱ'ያ።
ገጸ-ባህሪ ኣደ ለቢሳ ኣብታ ፊልም ዝተዋስአት ስነጥበባዊት ሉላ መብራህቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እታ ፊልም ኣብ ስዊዘርላንድ ክትርአ ድሕሪ ምጽንሓ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ፊልምታት ስደት ምቕራባ ከምዘሐጐሳ ገሊጻ።
እታ ብካተሪና ሞና ዝተደርሰት ፊልም፡ ሉላ መብራህቱ፡ ቴድሮስ ተኽለብርሃንን ሄርሜላ ተኽለኣብን ዝርከብዎም ተዋሳእቲ ዝተሳተፉላ'ያ።
ኣብ ስነጥበብ ሙዚቃ እትነጥፍ ሉላ፡ ንፈለማ እዋን'ያ ኣብ ንውሕ ዝበለ 'ፊቸር' ፊልም ከም ቀንዲ ተዋሳኢት ትሳተፍ ዘላ።
"ንፈለማ እዋን'የ ኣብ ከምዚ ዝበለ ነዊሕ (ፊቸር) ከም ቀንዲ ተዋሳኢት" ሰሪሐ ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ስምረት፡ ንሕሉፍ ስነኣእምሮኣዊ በሰላ፡ ህሉው ብድሆታት፡ ፍቕርን ተስፋን ዝተናኸፈት ኰይና "ንሳዕቤናት ግዱድ ስደት" እተብርህ ምዃና ኣድማሳዊ ባህሪ ዝተላበሰት'ያ።
ሉላ፡ ኣብ ሙዚቃ፡ ድራማ፡ ድርሰትን ብቴክኖሎጂ ዝድገፍ ስነጥበብን እትነጥፍ ኤርትራዊት-ብሪጣንያዊት'ያ።
እታ ኣብ 2022 ብኣላይነት ካተሪና ሞናን ዝተሰርሐትን ብሚኬላ ፒኒን ፓስካል ትራሽሊንን ዝፈረየት ፊልም፡ ኣብ ሲነማታት ድሕሪ ምርኣያ ንሓዋሩ በየናይ መንገዲ ከምትዝርጋሕ ዛጊት ኣይተረጋገጸን ዘሎ።
ብቐንዱ ንሂወት ናይቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተዓቝቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገልጽ'ዩ።
ሉላ፡ ነቲ ድርሰት ናይታ ፊልም ከምዝፈተወቶን፡ ኣብ ከምዚ ደረጃ ምብጻሓ ከምዘሐብናን'ያ ትዛረብ።
ድሕሪ'ቲ ምርኢት ንህዝቢ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂታት፡ "ዛንታታትናን ዛንታታት ስደተኛታት ወለድናን ክንገር ኣለዎ፣ ኵላትና ድማ ሓላፍነት ኣሎና" ክትብል ተዛሪባ።
"ንሕና እዞም ካልኣይ ወለዶ ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮና ግን፡ እቶም ዓበይቲ ወለድናን ደቂ-ዓድናን'ውን ክሳተፉ ኣለዎም" ትብል ሉላ።
ነታ ፊልም ዝረኣዩ፡ መብዛሕትኦም ካልኣይ ወለዶ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ዝርከብዎም ተዓዘብቲ፡ ብትሕዝቶ ናይታ ፊልም ከምዝተተንከፉ ብምጥቃስ ንዛንታን ክእለት ተዋሳእትን ንኢዶም።
ሓንቲ ካብቶም ተዓዘብቲ፡ "ኣዝዩ ልብኻ ዝትንክፍ ትሕዝቶ'ዩ ዘለዋ፡ እናረኣኹዋ ሰለስተ ግዜ በኽየ" ብምባል ኣድናቘታ ገሊጻ።
ስምረት ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ፊልም ፈስቲቫል'ውን ተራእያ ነይራ'ያ።
ኣብ ኤርትራ ዝተወልደት ሉላ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ'ያ ናብ ስደት ኣምሪሓ። እንተዀነ ቋንቋ ትግርኛ ጸቡቕ ሚሊኻ ክትዛረብ እትኽእል'ያ።
ነቲ ፊልም ንምስራሕ፡ እኹል ልምምድ ከምዝገበረት እትዛረብ ሉላ፡ ዘለዋ ምልከት ቋንቋ ትግርኛ ካብ ገጸ-ባህርያታ ዝተሓተ ምዃኑ እናሰሓቐት ገሊጻ።
"ናይ ስምረት ትግርኛ ብጣዕሚ ጽቡቕ'ዩ፡ ናይ ሉላ ትግርኛ ሕውስውስ'ዩ. . .ኣሃሃሃ" ብምባል ላዛ ብዘለዎ ቃላት ምቕሉልነታ ትገልጽ።