እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰዓረ ፍጹም፡ 'ብህዝቢ ዝተሓረየ ተዋስኣይ ተሸለሚ ሰቱጌ' ኰይኑ
ኤርትራዊ ተዋስኣይ ሰዓረ ፍጹም፡ ‘ሰዓረ’ ኣብ ዘርእስታ ሓጻር ፊልም ብዝተላበሶ ገጸባህሪ፡ በቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝመደበሩ ንኣፍሪቃውያን ተዋሳእቲ ዝሽልም ኣህጉራዊ ሽልማት ሰቱጌ፡ ዝበለጸ ናይ 2022 ብህዝቢ ዝተሓረየ ተዋስኣይ ብምዃን ተሸላሚ ኰይኑ።
ተዋስኣይ ሰዓረ ፍጹም፡ ኣብ ዝበለጸ ተዋስኣይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ወርቃዊ ሽልማት ንዝበለጸ ተዋስኣይ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ብህዝቢ ዝተሓረየ ዝበለጸ ተዋስኣይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝብል ዓውድታት’ዩ ንሽልማት ተሓጽዩ።
እቲ ወዲ 28 ዓመት ስነጥበባዊ፡ ካብ ህጻንነቱ ኣትሒዙ ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ'ኳ እንተኣተወ፡ ካብ 2015 እትሒዙ እዩ ብሞያዊ መገዲ ኣብ ፊልም ክዋሳእ ከምዝጀመረ ዝገልጽ።
ሰዓረ፡ ሽልማት ዝወሰደሉ ጽንብል ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ናብ ቡርኪናፋሶ ምምጽኡ ብዙሕ ትምህርቲ ከምዝቐሰመ ብምግላጽ፡ “እዚ ከምዚ ዓይነት ሽልማት ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ንኽሰምር ዕድል ዝፈጥር እዩ፡” ኢሉ።
እዚ ወዱ ነቲ ብወዲ መምህር ዝፍለጥ ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ገብረህይወት ዝዀነ ተዋስኣይ፡ “ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጥምየት፡ ኵናትን ካልእ ሕማቕ ነገራትን ዝቕየረሉ ግዜ ሕጂ እዩ፣ ክቕየር’ውን ጀሚሩ ኣሎ፡ ምኽንያቱ ንሕና እቶም ሓደሽቲ ወለዶ እዛ ኣህጉር ኢና፡ ዓወት ኸኣ ናይ ሓፋሽ’ዩ፡” ኢሉ።
ኣባል 26 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰዓረ፡ መጀመርታ ዝተዋስኣላ ፊልም ብዘርእሰናይ ዓንደብርሃን ዝተሰርሐት ፊልም "ፍቕሪ ሎሚ ቕነ" እትብል ኰይና፡ ብኡ ብዝጀመሮ ሞያ ክሳብ ሕጂ ኣብ 23 ዝተፈላለያ ፊልምታት ኤርትራ ከምዝተዋስአ’ዩ ዝገልጽ።
ሰዓረ፡ ኣብታ ብደበሳይ ወልዱ ዝተደርሰት ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ንነዊሕ ክፋላት ዝቐጸለት ተኸታታሊት ፊልም ማጨሎ፡ ክእለቱ ከም ዘንጸባረቐ እዋን ይግለጽ።
እታ ሰዓረ ዝተሸለመላ ሓጻር ፊልም ‘ሰዓረ’፡ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰት ፊልም ኰይና ብዮሃንስ ኣብርሃ ዝተደርሰትን ዝተኣልየትን እያ፤ ሕመረት ዛንታኣ ኸኣ፡ ነቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ኵናት ምርኵስ ዝገበረት’ያ።
ሰቱጌ ኣዋርድ ካብ ዝጅመር ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ክሽልመ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንሻውዓይ ግዜኡ ዝተኻየደ እዩ።
ኣብቲ ካብ 9 ክሳብ 12 ሕዳር ዝተኻየደ ናይ ምሽላም ስነስርዓት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ፊልም 42 ተዋሳእቲ’ዩ ተሓጽዮም ነይሮም።
ፕረዚደንት ሽልማት ሰቱጌ ከቪን ሞን፡ ቀንዲ ዕላማ ሰቱጌ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ብኣፍሪቃውያን ዝፈሪ ብሉጽ ፊልምታት ኣፍልጦን ሽልማትን ምሃብ ምዃኑ ገሊጹ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ሽልማት ገሊጹ።
ኣብ 2021 ኤርትራዊት ተዋሳኢት ዊንታ ገብረእግዝኣብሄር እውን፡ ኣብ ተኸታታሊት ፊልም ማጨሎ ብዝተላበሰቶ ገጸ ባህሪ ብጽላት 'በስት ሆፕ ኣፍሪካን ቲቪ ሾው' ንሽልማት ተሓጸያ ምንባራ ይዝከር።