ኢትዮጵያ ልዕሊ 400 ሚእታዊት ወሰኽ ታሪፍ ኤሌክትሪክ ክትገብር ምዃና ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EEU/fb
ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካብ መስከረም 2017 ክሳብ 2020 [ኣ.ግ] ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ታሪፍ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክውስኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ምምሕያሽ ታሪፍ፡ መንበሪ ኣባይቲ ዝኸውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝጥቀሙ ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ካብ 256.4 ክሳብ 477.7 ሚእታዊት ወሰኽ ክፍሊት ከጋጥሞም እዩ።
ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፡ ብረቡዕ 29 ነሓሰ 2016 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ነዚ ዘፍለጠ።
ኣብ ኣፈጻጽማን ቀጻሊ ኣንፈታትን ኣተኲሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ ከተግብሮ ንዝሓሰቦ ወሰኽ ታሪፍ ዝምልከት መብርሂ’ውን ሂቡ።
ካብ መስከረም 2017 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ሓድሽ ወሰኽ ታሪፍ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ መንበሪን ንግዳዊን ከምኡ እውን ንናእሽቱን ማእከሎትን ኢንዱስትሪታት ዝምልከት እዩ።
እዚ ተኸታታሊ ወሰኽ ዝፍጸም ድማ "ቅድሚ ክልተ ዓመት ክግበር ዝነበሮ ምምሕያሽ ታሪፍ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ግብሪ ብዘይምውዓሉ ከምዝዀነ” እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
እቲ ሕጂ ዘሎ ዋጋ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ንመሳለጥያ ልምዓት ትሕተ ቅርጽን ዳግመ ህንጸትን ዝወጽእ ወጻኢ ከምዘይሽፍን ተገሊጹ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Electric Utility
ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2016 ካብ መሸጣ ጸዓትን ዝተፈላለዩ ኣታዊታትን 42 ነጥቢ 47 ቢልዮን ብር ዝረኸበ እንትኸውን፡ ኣብ ተመሳሳሊ በጀት ዓመት ዘውጽኦ ወፃኢ ግን 11 ነጥቢ 43 ቢልዮን ብር ዝያዳ ከምዝዀነ ይሕብር።
እቲ ሕጂ ክፍጸም ተወጢኑ ዘሎ ወሰኽ ታሪፍ፡ ብ"ሳልሳይ ወገን ክኢላታት" ከምኡ'ውን ብክኢላታት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንኣስታት ሓደ ዓመት መጽናዕቲ ከምዝተገብረሉ’ዩ ገሊጹ።
ኣፈጻጽማ እቲ ወሰኽ ታሪፍ “ኣብ ምኽባር ናብራን ዝቕባበ ዋጋ ሸቐጣትን" ጽልዋ ከይህልዎ እቲ ወሰኽ ብኽልተ መንገዲ ክፍጽም ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
ትሑት እቶት ዘለዎም ዜጋታት ድጐማ ክረኽቡ ዝግበር ኰይኑ፡ በዚ ከኣ ካብ ዜሮ ክሳብ 200 ኪሎ ዋት ዝጥቀሙ ሰባት ተረባሕቲ ክዀኑ እዮም።
ካብ ዜሮ ክሳብ 50 ኪሎዋት ዝጥቀሙ ዓማዊል ካብቲ ወሰኽ ታሪፍ 84 ሚእታዊ ድጐማ ይግበረሎም
ካብ 51 ክሳብ 100 ኪሎ ዋት ንዝጥቀሙ 61 ሚእታዊት ድጐማ
ካብ 101 ክሳብ 200 ኪሎ ዋት ንዝጥቀሙ ድማ 35 ድጐማ ክረኽቡ ምዃኖም ተሓቢሩ።
ወሰኽ ታሪፍ ብሓንሳብ ምትግባር ዝፈጥሮ ፀቕጢ ንምንካይ ብዝብል ካብ 2017 ክሳብ 2020 [ኣ.ግ] ከምዝካየድ እቲ ትካል ኣፍሊጡ’ሎ።
ካብ 201 ክሳብ 300 ኣብ ዘሎ መጠን ኪሎ ዋት ዝጥቀሙ ዓማዊል መንበሪ ኣባይቲ፡ ክፍሊቶም ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ብ367.5 ሚእታዊት ወሰኽ ክህልዎ እዩ።
ንኣብነት፤ ኣብ ሓደ ወርሒ 300 ኪሎ ዋት ዝጥቀም ሓደ ዓሚል በቲ ሕዚ ዘሎ ታሪፍ 642 ብር እዩ ዝኸፍል። ምምሕያሽ ታሪፍ ተግባራዊ ምስ ዝኸውን ግን እቲ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዝኸፍሎ ወርሓዊ ክፍሊት 2,847 ብር ክበጽሕ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







