ብኤርትራውን ዝውነን ትካል ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝዓበየ ጸሓያዊ ጸዓት ሰሪሑ

እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሰሪሑ ዘሎ ጸሓያዊ ጸዓት

ምንጪ ስእሊ, Aptech Africa

ኣብ 2011 ኣብ ሱዳን ጨንፈር ዝኸፈተ ብኤርትራውያን ኣሕዋት ዝውነን ኣፕቴክ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝዓበየ ጸሓያዊ ጸዓት ሰሪሑ።

ኣፕቴክ ኣፍሪቃ፡ ምስቲ ንከተማ ጁባ ሓይሊ ኤለትሪክ ዘቕርብ ብኤርትራውያን ዝውነን ‘እዝራ ኮንስትራኽሽን ካምፓኒ’ ክልተኣዊ ስምምዕ ብምግባር’ዩ፡ 26 ሜጋዋት ዘፍሪ ጸሓያዊ ጸዓት ክሰርሕ ክኢሉ።

መስራትን ላዕለዋይ ሓላፍን ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ኢንጂነር ግርማይ ኣብርሃም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ዝኾነት ጁባ፡ ሓሓሊፉ ምቁራጽ ኤለትሪክ ከጋጥማ ከምዝጸንሓ ብምግላጽ እዚ ሕጂ ስራሕ ጀሚሩ ዘሎ ጸሓያዊ ጸዓት ግን ንኹሉ ጸገማት እታ ከተማ ዝቐርፍ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

እዚ ፕሮጀክት ኣገልግሎት ምሃብ ምስ ጀመረ፡ ከተማ ጁባ ብቀትሪ 30 ሚኢታዊት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ትጥቐመሉ ዝነበረት ብነዳዲ ዝሰርሕ ጀነረተራር፡ 70 ሚኢታዊት ከኣ ካብዚ ብኣፕቴክ ዝተሰርሐ ጸሓያዉ ጸዓት ትጥቐም ከምዘላ ኢንጂነር ግርማይ ኣብሪሁ።

“ብማእከላይ ገምጋም እዚ ጸሓያዊ ጸዓት ኣብ መዓልቲ ካብ 90 ክሳብ 120 ሜጋዋት’ዩ ዘመንጩ” ኢሉ።

ኢንጂነር ግርማይ ብምስዓብ “ እዚ ጸዓት እዚ ንልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት መዓልታዊ ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ዓቕሚ ኣለዎ” ይብል።

ንሱ፡ ኣገዳስነት ተተካኢ ጸዓት ምስ ህሉው ክሊማዊ ለውጢ ብምትሕሓዝ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ዕዙዝ ኮይኑ ከምዘሎ'ዩ ዝገለጽ።

"ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ስለዝኾነ ከኣ ብጀካ ኣብተን ቤት ጽሕፈት ከፊትና ንሰርሓለን ዘለና ሃገራት፡ ኣብ ካልኦት 29 ሃገራት ዝተፈላለየ 'ፕሮጀክትታት' ሒዝና ኣብ ምስራሕ ንርከብ ኣለና" ይብል።

እቲ ኣብ 2006 ኣብ ኤርትራ ዝተመስረተ ኩባንያ ፀሓያዊ ፀዓት፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሰለስተ ኣህጉራት ኣብ 13 ሃገራት ጨናፍር ብምክፋት እናሰርሐ ይርከብ።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሲራልዮን፡ ጊኒ፡ ላይበርያ፡ ኒጀር፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጫድ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍኢቃ፡ ኡጋንዳ፡ ዲሞራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጨናፍራት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ኤስያ ኣብ ህንድን ፓፓኒው ጊንን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ከምዘለዉዎ ይዛረብ።

መስራትን ላዕለዋይ ሓላፍን ኣፕቴክ ኣፍሪካ ኢንጂነር ግርማይ ኣብርሃም

ምንጪ ስእሊ, Aptech Africa

መግለጺ ስእሊ, መስራትን ላዕለዋይ ሓላፍን ኣፕቴክ ኣፍሪካ ኢንጂነር ግርማይ ኣብርሃም
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብደረጃ ዓለም ኤለትሪክ ካብ ዝጥቐም ህዝቢ፡ እቲ 4.4 ሚኢታዊት ጥራይ ካብ ጽሓይ ዝተረኸበ ጸዓት ከምዝጥቐም መጽናዕትታት ይሕብር።

ቻይና እታ ዝበዝሐ ጸሓያዊ ጸዓት እትጥቐም ሃገር ኮይና 308.5 ጊጋዋት ጸዓት ካብ ጸሓይ ተፍሪ።

ካብ ኣፍሪቃ ግብጺ እታ ዝበዝሐ ጸሓያዊ ጸዓት ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ እታ ሃገር ካብቲ ን37 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ጸሓያዊ ጸዓት 1.8 ጊጋዋት ጸዓት ተመንጩ፡ ካብዚ ጸዓት እዚ ኸኣ ኣማኢት ኣሽሓት ገዛውቲ ካብ ብኽለት ነጻ ዝኾነ ኣገልግሎት ኤለትሪክ ኣብ ምቕራብ ይርከብ።

ኢንጂነር ግርማይ "ጽሓያዊ ጸዓት ምጥቓም ነቲ ቀጸላ ኦዞን ዘርቅቕ ልቐት ካርቦን ዘወግድ ተተካኣይ ስለዝኾነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ከም ቀዳማይ ምርጫ'ዩ ዝውሰድ ዘሎ፡ ብጀካ ነቲ ልቀት ካርቦን ዘወግድ ምዃኑ ብሓፈሻ ኩሉ ተተካኢ ጸዓት ብዋጋ'ውን ዝሓሰረ ስለዝኾነ ኩለ ዝስዕቦ ዘሎ ኣማራጺ'ዩ" ይብል።

ትካል ኣፕቴክ ኣብ 2021፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብቴክኖሎጂ፣ ብዲጂታላዊ ስራሓትን ብተተካኢ ጸዓትን ለውጢ ዘምጽኡ ዘለዉ 50 ትካላት ተባሂሉ ተረቊሑ ምንባrኡ ዝዝከር እዩ።

እቲ ትካል ኣብ ጋና ብዝመደበሩ ኣፍሪካን ዲጂታል ቻምፕዮንስ ዝተብሃለ ማዕከን’ዩ ብሉጽ ትካል ተባሂሉ ተረቍሑ።

ትካል ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት’ውን ብዓሊባባ ፋውንደሽን ዓመታዊ ኣብ ዝካየድ 'ኣፍሪካን ቢዝነስ ሄሮ' ብዙሓት ተጻርዮም ምስቶም ዝበለጹ 10 በጺሖም ካብ ትካል ዓሊባባ ብርክት ዝበለ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝተውሃቦም ይዝከር።

ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ነቲ ኣፍሪካን ዲጂታል ቻምፕዮንስ፡ ንዓወት ዘብጽሖም ረቛሒ እቲ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ዘተኣታተትውዎ 'ፐይ ኤንድ ፓምፕ' ዝብል ኣገባብ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

"ፐይ ኤንድ ፓምፕ ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም ሓረስቶት ብጻሓያዊ ጽዓት ዝሰርሓ ሞተር ማይ ምስ ዲጂታላዊ ኣገባብ ኣተሓሒዝና ንሕና ንህቦም ንሶም ኸኣ ብመጠን እቲ ዝጭንጉዕዎ ማይ ሰሪሖም ይኸፍሉና” ብምባል እቲ ኣገባብ ብዙሓት ሓረስቶት ኡጋንዳ መስተርሆት ክረኽቡ ከምዝሓገዞም ኢንጂነር ግርማይ ይገልጽ።

ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ቅድሚ ሕጂ’ውን፡ ብጽሓያዊ ጽዓት ዝሰርሕ ናይ 82 ኪሎ ዋት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ መጨንጉዒ ማይ ሰሪሑ ምንባሩ ይዝከር።

ብሓፈሻ ኢንጂነር ግርማይ ብውልቁን ትካል ኣፕቴክ ኣፍሪቃን ካብ ብዙሓት ፍሉጣት ኣካላት ብዙሕ ሽልማታት ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ።