ግብጺ፡ ናይ ማይ ብጽሒተይ ንምርግጋጽ ‘ኣድላዪ ስጕምቲ ክወስድ እየ’ ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali
ግብጺ ብሰንኪ’ቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ (ኒል) ትሃንጾ ዘላ ግድብ፡ ውሕስነት ማይ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ስጕምቲ ክወስድ መሰል ኣሎኒ ኢላ።
መንግስቲ ግብጺ ነዚ ዘፍለጠ ብመንገዲ ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን መስኖን ዶክተር ባዳረ ዓብዱላቲ ኣቢላ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ እዩ።
እቲ ሚኒስተር ብሰንበት 01 መስከረም 2024 ናብ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ግብጺ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰ ትኽተሎ በይነኣዊ ፖሊሲ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይትቕበሎ ገሊጹ።
ግብጺ ኣብ ሶማልያ ወተሃደራዊ ወፍሪ ድሕሪ ምግባራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ወጥሪ ኣብ ዝሰፈነሉ እዋን’ያ ነዚ ደብዳበ ልኢኻ ዘላ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ካይሮን ሞቓዲሾን ዝተገብረ ወተሃደራዊ ስምምዕ፡ ግብጺ ሰራዊታ ኣብ ሶማልያ ከምዘዋፈረት ይግለጽ።
ነዚ ስዒቡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን፡ ሰራዊት ግብጺ ምውፋሩ ንርግኣትን ድሕነትን ሶማልያን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሻቕል ምዃኑ ምግላጸን ይዝከር።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራትን ኣጽዋርን ዝጸዓና ክልተ ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ናብ ሞቓዲሾ ምስ ኣተዋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ሶማል "ነቲ ዞባ ክህውኹ ምስ ዝደልዩ ናይ ደገ ሓይልታት ይሰርሕ ኣሎ" ኢሉ ክኸስስ ተሰሚዑ እዩ።
ኢትዮጵያ ምስታ ካብ ሶማልያ ተነጺላ ናጽነታ ባዕላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ስምምዕ ካብ እትፍርም ንደሓር ምሕዝነት ኣዲስ ኣበባን ሞቓዲሾን ኣዝዩ ከምዝሓርፈፈ ይፍለጥ።
እቲ ስምምዕ ልኡላውነተይን ግዝኣታዊ ሓድነተይን ዝጥሕስ እዩ ክትብል ዝጸንሐት ሶማልያ፡ ሓድሽ ሽርክነት ንምድላይ ገጻ ናብ ካይሮ ካብ እተዝውር ቀንያ’ላ።
ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን መስኖን ክመርሕ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመዘዘ ዶክተር ባዳር ዓብዱላቲ ኣብቲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን ሓምሻይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ዕላዊ ከምዝገበረ ጠቒሱ።
ብተወሳኺ ኣብ ደብዳበኡ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2015 ምስ ሱዳንን ግብጽን ዝበጽሓቶ ስምምዕ ከምኡ’ውን ዓለማዊ መትከላት ሕጊን ባይቶ ጸጥታ ኣብ 2021 ንዘውጽኦ መግለጺን ብምጥሓስ ሓምሻይ ዙር ምምላእ ማይ ከምዘካየደት ከሲሱ’ሎ።
"እዚ ተግባራት ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ትፈጥሮ ንዘላ ጸገማት መርኣያ'ዩ" ይብል ደብዳበ እቲ ሚኒስተር።
"ግብጺ ህላወኣ ንምክልኻልን ረብሓ ህዝባ ንምሕላውን ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኵሉ ዓይነት ስጕምትታት ክትወስድ ድልውቲ እያ" ኢሉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ብቐዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ዝምራሕ "ላዕለዋይ ኮሚቴ ግብጺ ንሩባ ኣባይ" ኣኼባ ኣካይዱ ምንባሩ ዘዘኻኸረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ብጽሒት ማይ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ስጕምትታት ክትወስድ ምዃና ከምዘረጋገጸ ወሲኹ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali
ልዝብ ግድብ ህዳሰ
ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ህንጸትን ኣካይዳን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንሓያለ ዓመታት ክገብርኦ ዝጸንሓ ተደጋጋሚ ልዝባት ብዘይ ፍረ ከምዝፈረሰ ዝዝከር እዩ።
ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልያት ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣይተኸኣለን። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ፍሽለት እቲ ልዝብ ንሓድሕደን ይካሰሳ።
ግብጽን ሱዳንን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ን13 ዓመታት ኣብ ህንጸት ዘሎ ገዚፍ ግድብ ማይ ምምላእ ቅድሚ ምጅማራ ቀያዲ ስምምዕ ክግበር ኣለዎ ክብላ ይምጕታ።
እንተዀነ ኢትዮጵያ ካብ ማይ ኣባይ ርትዓዊ ብጽሒተይ ክጥቀመሉ ኣለኒ ብምባል ኣብ ቀያዲ ስምምዕ ከይበጽሐት ማይ ክትሕዝ ምጽንሓ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







