ህንዲ፡ ኣብ ዒባ ከብቲ ተሞርኲሳ ኣብ ኢንዳስትሪ ለውጢ ንምጻእ እተካይዶ ዘላ ሰውራ

እቲ ትካል ኣብ መዓልቲ ክሳብ 225 ቶን ዒባ ናብ ባዮጋዝ ናይ ምቕያር ዓቕሚ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Haibowal Dairy Complex

መግለጺ ስእሊ, እቲ ትካል ኣብ መዓልቲ ክሳብ 225 ቶን ዒባ ናብ ባዮጋዝ ናይ ምቕያር ዓቕሚ ኣለዎ

ሩክሚኒ ባቡሮ ኩምብሃር መዓልታዊ ክሳብ 50 ኪሎ ዝኸውን ሓዲሽ ዒባ ከብቲ ኣኪባ ትውዕል።

ንሳ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ኣውራካ ማህራሽትራ ኣብ ሓደ ኣሽራም ዝተብሃለ ሃይማኖታዊ ማሕበር ጠርናፊት’ያ።

ንሳ ነቲ ዒባ ከባቢኣ ጽሩይ ኮይኑ ንኽርኣይ ኣይኮነትን ትእክቦ። ተኣኪቡ ብመስርሕ ሓሊፉ ‘ባዮሚተይን’ ዝብሃል ጋዝ ከምዝቕየር’ያ ትገብር።

ሩክሚኒ ባቡሮ ኩምብሃር “ጋዝ ኣዝዩ ክቡር’ዩ ኮይኑ ዘሎ፡ ባዮጋዝ ምጥቃም ከኣ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ’ዩ። ነዚ ንኽትገብር ከኣ ከፍትን ቦታ’ዩ ዘድልየካ ንሕና ከኣ ጽቡቕ ኣጋጠሚ ኮይኑ ክልቲኡ ኣለና” ትብል።

እቲ ዒባ ምስ ተኣከበ ምስ ማይ ተሓዋዊሱ ኣብ ‘ባዮሪኣክተር’ ይቕመጥ፤ በዚ እኹል ሚቴን ስለፍሪ። እቶም ኣሽራም ዝተሰመዩ ማሕበር ንኽሽነ ዘድልዮም ጋዝ ካብኡ ይጥቀሙ።

ኣብ መስርሕ ካብ ወርሒ መጋቢት’ዮም ጀሚረሞ፡፡ ሩክሚኒ ባቡሮ ኩምብሃር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ እትገዝኦ ዝነበረት 20 ሊትሮ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ተኪኣቶ ኣላ።

ሩክሚኒ ባቡሮ ኩምብሃር ነዚ ንኽትገብር ፈቀድኡ እናዞረት’ያ ነቲ ዒባ ትእክቦ፤ ንሳ ግን ከምዚ ምግባራ ብዙሕ ኣይትግደስን እያ።

"ኣብ መብዛሕትኡ ገጠራት ህንዲ፡ ሕርሻ እቲ ቀንዲ ሞያ'ዩ። ስለዚ፡ ዒባ ምትንካፍ ዓቢ ነገር ኣይኮነን" ትብል።

ገለ ናብቲ ቦታ ንመጀመርታ ግዜ ዝመጽኡ ሰባት ነቲ መስርሕ ምስ ርኣይዎ ብኣድንቖት’ዮም ዝዕዘብዎ።

ሩክሚኒ ባቡሮ ኩምብሃር “ገለ ምሳና ክቕንያ ኢለን ናብዚ ዝመጽአ ደቂ ኣንስትዮ፡ በቲ ጨና ናይ ዒባ ክእፈፋ ይርኣያ’የን ነቲ ዒባ ምትንካፍ’ውን ይጽየና። እቲ ውጽኢቱ ምስ ርኣየኦ ግን ክሕግዛና ይጅምራ” ትብል።

ንሳ እተን ከብቲ ጽሩይ ሳዕሪ ስለዝበልዓ እቲ ዒበአን ብዙሕ ከም ዘይጨኑ ትሕብር።

ኣብ ህንዲ ዝርከባ ከፍቲ ዓመታዊ 3 ሚልዮን ቶን ዒባ ከምዘውጽኣ መንግስቲ ህንዲ ዘማእከሎ መጽናዕቲ ትካል ኤንኣይቲኣይ ይሕብር።

መንግስቲ ካብቲ ዒባ፡ ከምኡ’ውን ካልእ ጐሓፍ ሕርሻ ዝያዳ ናብ ሚቴን ክቕየር ይደሊ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትካላት ባዮጋዝ ብኣናሮቢክ ዝፍለጥ ምሕቃቕ መግቢ’ዮም ዝጥቀሙ።

እዚ መስርሕ እዚ ነቲ ዒባ ኣየር ናብ ዘይኣትዎ መኸዘኒ ብምዕሻግ ይካየድ። እቶም ብመስርሕ ዝፈርዩ ባክተርያ ከኣ ነቲ ዒባ ከብላልዕዎ ይጅምሩ።

እቲ መስርሕ ብቐንዱ ሚቴን (ከባቢ 60%)ን ካርቦን ዳይኦክሳይድን ዝተሓዋወሰ ጋዛት የፍሪ።

ኣብዚ እዋን፡ ህንዲ ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ዘድልያ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ካብ ወጻኢ ትቱ - ገንዘብ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝውሕዝ፡ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክውዕል ክርእዮ ይመርጽ።

ቁጠባ እናዓበየ ምስ ከደ ድማ ጠለብ ጸዓት ህንዲ ክውስኽ ግድን’ዩ።

ንኢንዱስትሪ ባዮጋዝ ንምንቕቓሕ፡ መንግስቲ ካብ 2025 ጀሚሩ፡ ኣቕረብቲ ጋዝ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ምስ 1ሚኢታዊት ባዮሚቴን ክሕውስ ኣዚዙ።

ክሳብ 2028 ኸኣ ናብ 5ሚኢታዊት ክዓቢ ውጥን ኣውጺኡ ኣሎ።

ህንዲ ካብ ወጻኢ እተእትዎ ጋዝ ካብ ምንካይ ሓሊፉ፡ ባዮጋዝ ንብከላ ኣየር እውን ኮግድሎ ይኽእል እዩ።

ብተወሳኺ እቲ ባዮርያክተር ስርሑ ምስ ፈጸመ ዝተርፍ ጉሓፍ’ውን ኣዝዩ ጽሩይ ድዅዒ ስለ ዝኾነ ንሕርሻዊ ኣገልግሎት ክውዕል’ዩ።

ኣብታ ሃገር ከኣ ብደረጃ መንግስቲ ኣዝዮም ዓበይቲ ባዮሪኣክተራት ይህነጹ ኣለው።

ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ንግዳዊ ትካላት ዝፈሪ ጋዝ ዓቢ ስለ ዝኸውን ካብ ኣብታ ሃገር ንዘድሊ ጠለብ ጋዝ ሓሊፉ ንተሽከርከርቲ’ውን ክውዕል ከምዝኽእል ተሓሲብሉ’ዩ ዝስራሕ ዘሎ።

ኣብ ኤስያ ዝዓበየ ትካል ባዮጋዝ ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ግዝኣት ፑንጃብ’ዩ ዝርከብ።

እዚ ትካል ኣብ መወዳእታ 2022 ዝተኸፍተ ኮይኑ፡ መዓልታዊ 300 ቶን ሓሰር ጣፍ ናብ 33 ቶን ባዮጋዝ ክቕይር ይኽእል።

እቲ ትካል ኣብዚ እዋን ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ቶን ጋዝ ጥራይ’ዩ ዘፍሪ ዘሎ፡ እቲ ምኽንያት ከኣ እኹል ጠለብ ናይቲ ነዳዲ ስለዘየለ።

ሩክሚኒ ባቡሮ ኩምብሃር ዒባ እናኣከበት ናብ ጸዓት ትቕይሮ

ምንጪ ስእሊ, Rukmini Kumbhar

ኣብ ከባቢ እቲ ትካል ኣስታት 6000 ዝኾና ከብቲ ኣለዋ።

እታ እቲ ትካል ተተኺልዋ ዘሎ ከተማ ሉደሂና ማእከል ጸባን ውጺኢት ጸባን ኮይና፡ እቶም ሰብ ከብቲ ነቲ ዒባ ናብ ሩባ ስለ ዝጉሕፍዎ ጥንቂ ብከላ ከባቢ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ዒባ ናይተን ከብቲ ናብ ባዮጋዝ ክቕየር ምስ ጀመረ ግን እቲ ከባቢ ክጸሪ ጀሚሩ ኣሎ።

ብዓቢኡ እቲ ትካል ኣብ መዓልቲ ክሳብ 225 ቶን ዒባ ናብ ባዮጋዝ ናይ ምቕያር ዓቕሚ ዘለዎ’ዩ።

እቲ ትካል ኣብ 2004’ዩ ስርሑ ጀሚሩ፤ ሕጂ ግን ብዕጽፊ ናይ ምዕባዩ ውጥን ወጺኡ ኣብ ባይታ ክስርሓሉ ጀሚሩ ኣሎ።

ራጂቭ ኩማር ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዒባ ናይ ምእካብ ሓላፍነት ዘለዎ ውልቀሰብ’ዩ።

ኣብ መጀመርታ ነቲ ዒባ ብመኪና ገይሩ ክእክብ ኣብ ዝጀመረሉ እቶም ሓረስቶት ንምንታይ ዒባ ይእክብ ከም ዘሎ ይርድኦም ከም ዘይነበረ ይዝከር።

“ዒባ ንኽሸጡልና ከነእምኖም ነብሱ ዝኽኣለ ብድሆ’ዩ ነይሩ፤ ብዓይኒ ጥርጣረ ክርእዩና ጀሚሮም። ሕጂ ግን እቲ ቀደም ንምጉሓፉ ዘህልኾም ዝነበረ ዒባ ምንጪ እቶት ኮይንዎም ኣሎ” ይብል።

እዚ ኣብ ሃይድራባድ ዝርከብ ትካል ባዩጋዝ ኮይኑ ከምዚ ዓይነት ትካላት ኣብ መላእ ህንዲ ኣብ ምስፍሕፋሕ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዚ ኣብ ሃይድራባድ ዝርከብ ትካል ባዩጋዝ ኮይኑ ከምዚ ዓይነት ትካላት ኣብ መላእ ህንዲ ኣብ ምስፍሕፋሕ ይርከብ

ባልጂት ሲንጋህ ሓደ ካብቶም ጥቕሚ ባዮጋዝ ተረዲእዎም ኣብ ትካል ባዮጋዝ ዘውፍሩ ዘለዉ ህንዳውያን’ዩ።

ባልጂት ኣብ ዞባ ፑንጃብ ስርናይን ሩዝን ካብ ዘፍርዩ ሓረስቶት’ዩ።

መጀመርታ ነቲ ባዩጋዝ ምስርኣዮ፡ ከምዚ ዓይነት ትካል ምምስራት ዘለዎ ጥቕሚ ክርድኦ ግዜ ኣይወሰደሉን።

ነቲ ተረፍ መረፍን ሓሰርን ናይ ስርናይን ሩዝን ኣኪባካ ናብ ትካል ባዮጋዝ ምሻጥ ረብሓ ከም ዘለዎ ስለ ዝተረደአ ካብ ናቱ ብምጅማር ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሓረስቶት’ውን ሓሰር ገዚኡ ኽሸይጥ ጀሚሩ።

“ኣብ መጀመርታ ቀሊል ኣይነበረን፡ ሓረስቶት መሬቶም ንዝመጽእ ወቕቲ ነጻ ገይሮም ንምድላው ነቲ ሓሰርን ተረፍ መረፍን ኣኪቦም’ዮም ሓዊ ዘንድድዎ ነይሮም፡ እዚ ብሓዊ ዘንድድዎ ሓሰር ገንዘብ ከምጽኣሎም ከምዝኽእል ክነግሮምን ከእምኖምን ምስ ጀመርኩ ግን ኣኺቦሙለይ ክጸንሑ ጀሚሮም” ይብል።

ባልጂት ሲንጋህ ሕጂ ትካሉ ኣዕብዩ፡ ካብ 10 ገጠራት ሓሰር ዝእክብሉ ኣስታት 200 ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ።

"ብዙሕ ጉልበት ዝሓትት ስራሕ’ዩ። ቀውዒ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ነቶም ሓረስቶት ተረፍ ሕርሻኦም ክሸጡለይ ከእምኖም ኣብ መብዛሕትአን ዓድታት እበጽሕ። ደረቕ ክኸውን ስለዘለዎ ኣዚና ክንቀላጠፍ ኣለና።" ይብል።

ዋላ እኳ እቲ ዓወታት እንተሃለወ ገለ ሰባት ባዮጋዝ ቀንዲ ነዳዲ ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ኣለዎም።

“ኣብ ከተማታት ሕጽረት ቦታን ጨናን ንባዮጋዝ ኣጸጋሚ ይገብሮ’ዩ ይብል ኪራን ኩማር ኩዳራቫሊ ካብ ኤስከይጂ ዝተባህለ ኣብ ተሓዳሲ ጸዓት ዘተኮረ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል።

እዚ ኩሉ እናኾነኾነ ግን ህንዲ ኣብ ምፍራይ ባዮጋዝ ገዘፍቲ እወንታውያን ውሳነታት ብምውሳእ ብዓቢ ትሰርሓሉ ኣላ።