ዓባይ ብሪጣንያ ን'ፓለስታይን ኣክሽን' ዝደገፉ ብውሕዱ ልዕሊ 400 ሰባት ኣሲራ

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኣገደ ጉጅለ ንምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ 474 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ፖሊስ ለንደን ገሊጹ።

'ዲፈንድ ኣዋር ጁሪስ' ኣብቲ ኣብ ኣብ ዌስትሚንስተር ፓርላመንት ስኴር ኣብ ዘዳለዎ ተቓውሞ፡ ን'ፓለስታይን ኣክሽን' ዝድግፍ መልእኽቲ ሒዞም ዝተረኣዩ ሰልፈኛታት እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ።

ገሊኦም "ጃምላዊ ቅትለት ይቃወም። ንፓለስታይን ኣክሽን እድግፍ" ዝብል ብኢድ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ሒዞም ነይሮም።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብመሰረት ሕጊ ግብረሽበራ 2000 ኣብ ወርሒ ሓምለ ነቲ ጉጅለ ከምዝኣገደ ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር ነቲ ጉጅለ ምድጋፍ ወይ ኣባል እቲ ጉጅለ ምዃን ክሳብ 14 ዓመት ማእሰርቲ ዘቕጽዕ ገበን እዩ።

ኣብቲ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ነቲ ጉጅለ ደገፍ ዝገልጽ ጽሑፍ ዝሓዘ "ተኣሲሩ ኣሎ ወይ ኣብ መስርሕ ማእሰርቲ ይርከብ" ክብል ፖሊስ ገሊጹ።

ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣባላት ፖሊስ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መሬት ኮፍ ዝበሉ ሰልፈኛታት ክንቀሳቐሱን መሪሖም ክወስድዎምን የርኢ።

ፖሊስ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ተቓውሞ ክጅምር ከሎ ካብ 500 ክሳብ 600 ሰባት ኣብቲ ኣደባባይ ከምዝነበሩ የመልክት።

እንተዀነ "መብዛሕትኦም ተዓዘብቲ፡ መራኸቢ ብዙሃን ወይ ድማ ንፓለስታይን ኣክሽን ዝድግፉ ጽሑፋት ዘይሓዙ ሰባት" ከም ዝነበሩ ወሲኹ ይሕብር።

ፖሊስ ሜትሮፖሊታን ከም ዝበሎ፡ 466 ሰልፈኛታት ነቲ ጉጅለ ብምድጋፎም፡ ሓሙሽተ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ክልተ ብገበን ህዝባዊ ስርዓት፡ ሓደ ድማ ብዓሌታዊ ገበን ከም ዝተኣሰሩ ሓቢሩ።

ገለ መንነቶም ዝተረጋገጹ ሰልፈኛታት፡ ንፓለስታይን ኣክሽን ኣብ ዝድግፍ ተቓውሞ ከይሳተፉ ቅድመ ኩነት ተዋሂብዎም ብዋሕስ ተፈቲሖም ኣለዉ።

ዝርዝር ሓበሬታኦም ምሃብ ዝኣበዩ ወይ መንነቶም ክረጋገጽ ዘይከኣለ ሰባት ግን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ዓባይ ብሪጣንያ ፓለስታይን ኣክሽን ብምድጋፍ ዝተኸሰሱ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትያ ምንባራ ይዝከር።

ነቲ ተቓውሞ ዘዳለወ ዲፈንድ ኣዋር ጁሪስ "ብሓባር፡ ብብዝሒ፡ ኣንጻር ኣብ ምጽናት ዓሌት እስራኤል ተሓባባሪት ዝዀነት ዓባይ ብሪጣንያ ደው ክንብል ኢና" ኢሉ።

ካብቲ ብፓለስታይን ኣክሽን ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ብተወሳኸዒ፡ ክልተ ካልኦት ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም። እቶም ሰልፍታት 'ፓለስታይን ኮኣልሽን' ከምኡ'ውን 'ስቶፕ ዘ ሄት' ብዝተበሃለ ንእስራኤል ዝድግፍ ጉጅለ ዝተወደቡ ኰይኖም፡ ንተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ማእከላይ ለንደን ክካየዱ እዮም።

"ዓቢ ህላወ ፖሊስ" ንምፍጣር ንምሕጋዝ ካብ ካልኦት ሓይልታት መኮንናት ከምዘዋፈረ ፖሊስ ገሊጹ ኣሎ።

መብዛሕትኦም እቶም መልእኽቲ ዝሓዙ ሰልፈኛታት ኣብቲ ኣደባባይ ኣብ ጎኒ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኮፍ ኢሎም ይረኣዩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, መብዛሕትኦም እቶም መልእኽቲ ዝሓዙ ሰልፈኛታት ኣብቲ ኣደባባይ ኣብ ጎኒ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኮፍ ኢሎም ይረኣዩ
እቶም ጽሑፋት ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ዝተዳለዉ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቶም ጽሑፋት ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ዝተዳለዉ እዮም
ፖሊስ ኣብ መሬት ኮፍ ኢሎም ናብ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ቀሪቦም እናመርሑ ወሲዶምዎም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ኣብ መሬት ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰልፈኛታት እናመርሑ ወሲዶምዎም

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ይቨት ኩፐር እቲ እገዳ ካብ ዝትግብር ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብተመሳሳሊ ምኽንያት ልዕሊ 200 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

ብሓሙስ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ወዲ ተባዕታይን ነቲ ዝተኣገደ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ደገፍ ብምግላጽ ተኸሲሶም እዮም።

16 መስከረም 2025 ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ፖሊስ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ፓለስታይን ኣክሽን ነቲ እገዳ ክቃወሞ ከምዝኽእል ወሲኑ ነይሩ።

ጠበቓታት ናይቲ ሓባራዊ መስራቲ እቲ ጉጅለ ሁዳ ኣሞሪ፡ እቲ እገዳ መሰል ሓሳብ ምግላጽ ዝጥሕስ እዩ ክብሉ ይምጉቱ።

መንግስቲ ብወገኑ እቲ እገዳ ከቢድ ገበን ንክውድብ ዝጸንሐ ጉጅለ ዒላማ ዝገበረ ስለዝዀነ ምኽኑይ እዩ ይብል።

ጎስጎስቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ራፍ ብራይዝ ኖርተን ሰቢሮም ንኽልተ ነፈርቲ ቀይሕ ቀለም ብምልካይ 7 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ዕንወት ድሕሪ ምውራዶም፡ ኣባላት ባይቶ እቲ ጉጅለ ክእገድ ድምጺ ሂቦም።

ኣብቲ እዋን ፓለስታይን ኣክሽን ነቲ ፍጻመ ሓላፍነት ከም ዝወሰደ ይዝከር።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ነቲ ጉጅለ ንምእጋድ ዝተወስደ ውሳነ፡ "እቲ ጉጅለ ዝፈጸሞ ከቢድ መጥቃዕቲ፡ ዓመጽ፡ ርኡይ መጉዳእትን ሰፊሕ ገበናዊ ዕንወትን" ስዒቡ ኣብ "ሓያል ስጉምቲ ጸጥታ" ዝተመርኮሰ ምዃኑ ገሊጹ።