ትግራይ፡ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ምፍታሕ ዕጥቂ ዝምልከት ሓደስቲ ምዕባለታት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, EBC
ካብ ቀንዲ ኣዕኑድ ውዕል ፕሪቶርያ ሓደ ምፍታሕ ዕጠቂ ዀይኑ፡ እቶም ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ዕጡቓትን ሓይልታት ደገን ካብ ክልል ትግራይ እንትወፅኡ፡ 'ማዕረ ማዕረኡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑ ኣለዎም' ዝብል እዩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ዝተዋግኡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን፡ ካብ ዝበዝሑ ቦታታት ትግራይ ስሒቦም ምውፀኦም ፀብፃባት ይሕብሩ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብቲ ክልል ንዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣንጻራዊ ሰላም ነጊሱ ይርከብ።
እንተዀነ፡ ኣብ ጉዳይ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይልታት ትግራይ፡ መንግስቲ ፈዴራል ብተደጋጋሚ ሕቶታት ከልዕል ይስማዕ።
ብወገን ትግራይ ድማ፡ ብፍላይ ዕጡቓት ኣምሓራ ሕጂ'ውን ሰፊሕ ግዝኣት ትግራይ ተቘፃፂሮምን ሰብኣዊ ግህሰት እናፈፀሙን ምዃኖም ክኸሱ ዝስምዑ ዀይኖም፡ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ወሰና ወሰን ግዝኣት ትግራይ ሒዞም ከምዘለዉ ይዝረብ።
ብፍላይ ንምዕራብ ትግራይ ብዝምልከት፡ እቲ ከባቢ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ናብ ንቡር ክምለስን፡ ተመዛበልቲ ክምለሱ ዘይምኽኣሎም፡ ሕጂ'ውን የሰሓሕብ ኣሎ።
እቶም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ፈቐዶ ዳሳት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣዳደ ቍሪ፡ ፀሓይን ኰይኖም ሓግዮም፤ ኣብዚ እዋን ድማ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሽረ ዝርከብ ማእከል ተመዛበልቲ ዕልቕልቕ ኣትዩዎ ንጸገማት ተቓሊዖም ይርከቡ።
ኣብ ምፍታሕ ዕጥቂን ምስንባትን ሓይልታት ትግራይን ምምላስ ተመዛበልትን መራሕቲ ህወሓት መንግስቲ ፈደራልን ክካሰሱ ፀኒሖም እዮም። መንግስቲ ፈደራል፡ ህወሓት ነዞም ጉዳያት ትሕጃ ገይሩዎም ኢሉ ክኸስስ ይስማዕ።
በዚ ምኽንያት ድማ ናብ ካልእ ዙር ግጭት ከይእቶ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ እዩ፡ ኮምሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 65 ሽሕ ተዋጋእቲ ዕጥቂ ፈቲሖም ናብ ማሕበረሰብ ከምዝተፀንበሩ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣፍሊጡ ዘሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብዚ ጉዳይ ንምክትል ኮምሽነር ኮምሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣቶ ተስፋኣለም ይሕደጎ ኣዘራሪቡ።
እቲ ተቛሪፁ ዝፀንሐ መደብ ከም ብሓድሽ ይጅመር ከምዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ተስፋኣለም፡ እቲ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ዕጥቂ ምፍታሕ፡ ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ ከምዘሎን፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ ምስንባት 75 ሽሕ ሰራዊት ኣብዚ ክረምቲ ይቕፅል ከምዘሎ ይዛረብ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ዛጊድ ብደረጃ ሃገር ልዕሊ 65,500 ተጋደልቲ ነበር ናብ ሕብረተሰብ ዝፀምበሩ ዀይኖም፡ ካብ መንጐኦም፡ እቶም 54 ሽሕ ካብ ትግራይ እዮም።
"ኣብዚ እዋን እቲ ዕጥቂ ምፍታሕ ንቕፅል ከምዘለና፡ ከምኡ ድማ፡ ሓደሓደ ሕቶታት ተላዒሎም ስለዝነበሩ ንዐኦም መብርሂ ንምሃብ እዩ መግለፂ ምሃብ ኣድልዩ" ኢሉ።
ኣብ ትግራይ፡ እቲ መስርሕ ካብ ዝቋረፅ ዳርጋ ሓደ ዓመት ኣቝፂሩ ኣሎ።
ዛጊድ 54 ሽሕ ጥራይ ተጋደልቲ ዕጥቂ ከፍትሑ ምግባር ትሑት ኣፈፃፅማ ዶ ኣይኰነን ዝብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንክምልስ፡
"54 ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ፤ ዘድልዮ ሃብቲ ብዙሕ እዩ፤ ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ሰፊሕ ናይ ገንዘብ ሕፅረት ኣሎ፤ ለገስቲ ሃገራት በቲ ዝኣተወኦ ቃል ኣታዊ ናይ ዘይምግባር ጸገም ነይሩ፤ ኣብ መንጐ'ውን ዝተልዓሉ ፖለቲካዊ ምስሕሓባት ነይሮም። ብቐንዱ ግን ሕፅረት ሪሶርስ ዘስዐቦ እዩ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ኣብ ካልእ ዓለም ምስ ዘሎ ተመሳሳሊ ኵነታት እንክነፃፀር እዚ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣፈፃፅማ ከምዝዀነ እዩ ዝምጕት።
ካብቶም ዕጥቂ ዝፈትሑ፡ ኣካል ጉዱኣትን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳምነት ከምዝዋሃቦም ድማ ኣዘኻኺሩ።

ምንጪ ስእሊ, EBC
እቲ ብሰኑይ 6 ነሓሰ 2017 [ግ] ዝወፅአ መግለፂ፡ ካብቶም ዕጥቂ ዝፈትሑ፡ 53,319 ካብ ትግራይ፣ 5,365 ካብ ኦሮምያ፣ 5,168 ካብ ኣምሓራ፣ 1,712 ድማ ካብ ዓፋር ከምዝዀኑ የመልክት።
ዕጥቆም ዝፈትሑ ተጋደልቲ ነበር፡ ስነኣእምሮኣውን ማሕበራውን ደገፍን፣ ሲቪካዊ ስልጠናን ከምኡ'ውን ዲጂታዊ መለለዪን መንነትን ናይ ሓጺር ግዜ እግሪ መትከሊ ገንዘብን ከምዝተዋህቦም ተገሊጹ።
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ፈደራል መንግስትን ክልላትን ንማእከላት ተሃድሶ፡ ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ከምዝተዋህበን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።
ኣብ ዝቕጽል በጀት ዓመት፡ እቲ ኮምሽን ትካላዊ ዓቕሙ ብምህናጽ፡ ብመሰረት መንግስቲ ዘቐመጦ ኣንፈት፡ እዚ መደብ እግሪ ምትካል፡ ተጋደልቲ ነበር ናብ ሕብረተሰብ ንምሕዋስ ስርሓቱ ክቕጽል ምዃኑ ምክትል ኮሚሽነር ኣቶ ተስፋኣለም ይገልፅ።
ኣብዚ እዋን ክልል ትግራይ ኣብ ሰለስተ ማእከላት ተጋደልቲ ነበር ብምቕባል መስርሕ ተሃድሶ ይካየድ ከም ዘሎ እቲ መግለፂ ይሕብር።
ቅድም ክብል ጸብጻብ ሃገራዊ ኮምሽን ዳግመ ህንጸት ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 56 ሽሕ ዕጡቓት ዕጥቆም ፈቲሖም፣ ስልጠና ወሲዶም፣ ናብ ሕብረተሰብ ከምዝተሓወሱ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ካብ መንጐኦም፡ እቶም ልዕሊ 45 ሽሕ ካብ ክልል ትግራይ ምዃኖም ይንገር።
እዋናዊ ምዕባለታት
ባይቶ ሰልፊ ብልጽግና፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ብሰላማዊ መንገዲ ክቃለሱ ንዝወሰኑ ዕጡቓት ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብርን ነቲ ግጭት ብዅሉ ኣንፈት ከብቅዕ ዘኽእል ሰላማዊ ኣማራጺታት ንምድህሳስን ከምዘድሊ ገሊፁ ኣሎ።
ቅድም ክብል ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘይምርድዳእ ከምዝነበረ ዝግለፅ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ምርድዳእ ከምዝተገብረን ድማ ምክትል ኮምሽነር ተስፋለም ኣረዲኡ።
"ምርድዳእ ተገይሩ ስለዝተፈትሐ እዩ ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ ዘሎ፤ ሰራዊት ፈደራል ዝርከቡዎ ከበድቲ ዕጥቅታት ኣሎ፤ ካብኡ ወፃኢ፡ ድሕነት ትግራይ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ዝተወስደ ዕጥቂ የለን፤ ነፍስወከፍ ዕጥቂ እናተመዝገበ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝርከብሉ፡ እናመዝገቡ እዮም ዲሞቢላይዝ እናገበርና ፀኒሕና።"
ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጠረ ምግምማዕ፡ እቲ ፀገም ናብ ሓይልታት ትግራይ'ውን ልሒኹ፡ ገሊኦም ናብ ከባቢታት ዓፋር ወፂኦም ከምዘለውን ዝግለፅ ኰይኑ፡ ነዞም ኣባላት ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ሂቡ።
"ቅድም ኢሉ ቲዲኤፍ ዝነበረ ብስምምዕ ፕሪቶርያ መሰረት 274 ሽሕ 800፡ ኵሉ ኣብ ዝሃለየ ይሃሉ ኣብዚ ክካተት እዩ። ንሕና ከም ኮምሽን ሓራ መሬት ዝበሃል ኣፍልጦ የብልናን፤ ካብቶም ኣብቲ መዝገብ ዘለዉ ግን፡ ኣዲስ አባበ ይሃሉ፡ ኣብ ትግራይ ይሃሉ ዋላ ኣብ ሱዳን፡ ዋላ ናብ ካልእ ቦታ ይግሽ፡ የካተት እዩ ማለት እዩ" ኢሉ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሓይልታት ትግራይ ዝሓብእዎ ዕጥቂ ከምዘሎን ከረክቡ ከምዝግባእን ኣመልኪቱ ንዝተዛረቦ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከዘራርብ ቀንዩ ኣሎ።
ብዛዕባ'ዚ ዝፈልጦ እንተሎ ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ምከትል ኮምሽነር፡ በቲ ውዕል መሰረት ዝተሓብአ እንተሎ፡ ከረክቡ ኣለዎም፣ እዚ ግን ነቲ ኮምሽን ዝምልከት ኣይኰነን ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ዝረአዩ ዘለዉ ወተሃደራዊ ምርኢታትን ድማ ጠጠው ክብሉን ዝዀኑ ሕቶታት ሰላማዊ ብዝዀነ መገዲ ብዝርርብ ፍታሕ ክረኽቡን ድማ ተማሕፂኑ።
"ትግራይ ሕዚ ኲናት ኣየድልያን፤ ኲናት ክሽከም ዝኽእል ዓቕሚ የብላን፤ ብስነልቦና ዀነ ብቝጠባዊ ዓቕሚ ንዂናት ዝተዳለወ ማሕበረሰብ የለን። ስለዚ ኵሉ ንሰላም ክዳሎ ኣለዎ፤ ዝዀነ ይዅን ብሰላም ክውዳእ ክፅዕር ኣለዎ፤ ብደረጃ ፈደራል ናብ ትግራይ ዝዀነ ዓይነት ምድላው ኲናት የለን፤ ብርሑቕ ብዝተሳሓሓተ መንገዲ ክኽየድ የብሉን።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







