'ሳልሳይ ጾታ'፡ ብደቀንስትዮ ዝተዓብለለ ማሕበረሰብ

"ነዞም ደስ ዝብሉ ብባህላዊ መንገዲ ዝተጠልፈ ክዳውንቲ ምስራሕ ዝምሃረትኒ ኣደይ እያ" ትብል ሊዛ ዘገርም ጥልፊ እናርአየት።

ኣብቲ ጥልፊ ዘለዉ ቅድታት ገሊኦም ንኣዕዋፍን እንስሳን ዝውክሉ እዮም። "ገሊኦም ግን ካብ እኩያት መናፍስቲ ዝከላኸሉ ኣዝዮም ሓያላት እዮም" ክምስ እናበለት ትገልጽ።

ሓደ በጻሒ ተዓዛቢ፡ ኣብ ሊዛ ዘይተለምደ ነገር ዘይከስተብህል ይኽእል።

ንሳ፡ ልክዕ ከም ብዙሓት ካልኦት ደቀንስትዮ ጉና፡ ኣብታ ንእሽቶ ታንኳኣ ኮፍ ኢላ ንበጻሕቲ ስርሓታ እናሸጠት ትርአ።

እንተዀነ ካልእ ፍልይ ዘብላ ነገር ኣሎ፤ ሊዛ ወዲ ኰይና እያ ተወሊዳ።

ጉና ያላ ወይ ኩና ያላ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፓናማ ዝርከብ መበቈላዊ ኣውራጃ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ሳን ብላስ ብዝብል ይጽዋዕ ነይሩ።

እዚ ኣውራጃ ልዕሊ 300 ደሴታት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ካብዚኣተን እተን 49 ደቀባት ጉና ዝነብሩለን እየን።

ዓሌት ጉና ክሳዕ ሕጂ ከምቲ ካብ ኣያታቶም ዝወረስዎ ኣነባብራ ይመርሑ። ኣብ ብቆጽሊ ስየ ዝተሸፈኑ ካብ ዕንጸይቲ ዝስርሑ ንኣሽቱ ዳሳት ይነብሩ።

ጉና ያላ ብብዙሕ መዳይ ፍሉይ ኣውራጃ እዩ። ርእሱ ዝኸኣለ መበቈላዊ መሬት ኰይኑ፡ ንኣርባዕተ ኣንፈታትን ንፍጥረት ዓለምን ብዝውክል መስቀላዊ ባንዴራ ይፍለጥ።

እቲ ኣዝዩ ዝገርም ትውፊት ግን ተፈጥሮኣዊ ጾታዊ ማዕርነት እዩ - ኣብ ጾታ ክመጽእ እንከሎ ምሉእ ተጻዋርነት ክብሪን ኣለዎም።

ኣብቲ ደቀንስትዮ ቀንዲ ኣከፋፈልቲ መግቢ፡ ወነንቲ ንብረትን ወሃብቲ ውሳነን ዝዀናሉ ሕብረተሰብ፡ ኣወዳት ቃል ብቓሉ 'ከም ጓለንስተይቲ' ክዀኑ፡ ክዋስኡን ክሰርሑን ክመርጹ ምርኣይ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። እዚኦም ድማ ብቋንቋ እቲ ከባቢ 'ኦሜጊድ' ይበሃሉ።

እዚ ኣብተን ደሴታት ፍጹም ንቡር ተርእዮ እዩ። ከም 'ሳልሳይ ጾታ' ጾታ ድማ ይሕሰብ።

ሓደ ህጻን ወዲ ከም 'ጓለንስተይቲ' ናይ ምውሳእ ዝንባለ ከርኢ እንተጀሚሩ፡ ስድራቤቱ ብዘይተቓውሞ ከምኡ ኰይኑ ክዓቢ ብባህርያዊ መንገዲ ይቕበሉን ይፈቕዱን።

እቲ 'ኦሜጊድ' ብዙሕ ግዜ ብተለምዶ ምስ ደቀንስትዮ ዝተኣሳሰሩ ክእለታት ይመሃር። ንኣብነት፡ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጥልፊ ኣብ ምጥላፍ ክኢላ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳኦ ፓውሎ ተመራማሪ ስነ-ሰብን ዝዀነ ድየጎ ማዲ ዲያስ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ጉና ተቐሚጡ'ዩ።

ንሱ፡ ኣብ ባህሊ ጉና፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ጽልዋ ዘሕድሩ ሓያላት ብኣደነት ዝተዓብለሉ ባህርያት ከምዘለዉ ብቐጥታ ክዕዘብ ክኢሉ።

"ቈልዑ እኹል ርእሰ-ምሕደራ ክህልዎም ከምዘለዎም ምሂሮምኒ እዮም፡ ምኽንያቱ 'መንነቶም' ካብ ልቢ፡ ካብ ውሽጢ ዝመጽእን ብኣጋኡ ክግለጽ ዝጅምርን እዩ። ስለዚ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ቈልዓ ስግረ-ጾታዊ (ትራንስጀንደር) ናይ ምዃን ዝንባለ ከርኢ እንተጀሚሩ፡ ንሱ/ንሳ ንባዕሉ/ላ ካብ ምዃን ዝገትእ የለን" ይብል።

ናንዲን ሶሊስ ጋርስያ፡ ኣብ ከተማ ፓናማ ስግረ-ጾታ ዘለዋ መምህር ጥዕና ተጣባቒት መሰላት ኤልጂቢቲኪዩን እያ። መበቆላ ኣብ ጉና ያላ ካብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣግዋኑሳዱብን ያንዱብን እያ።

ንሳ፡ ኣብተን ደሴታት ከም ሕደ-ጾታዊ ወይ ዝንባለ-ጾታ ዘለካ ወዲ ኰይና ንምዕባይ ከምዘይተጸገመት ትዛረብ።

ምኽንያቱ ድማ ኵሉ ግዜ ደገፍ ስድራኣ፡ ፈተውታን ማሕበረሰባን ትረክብ ስለዝነበረት ምዃኑ ተብርህ።

መብዛሕትኡ ግዜ ልውጠ-ጾታ ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ እዮም፤ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ደቂ ተባዕትዮ ምስግጋር ኣዝዩ ሳሕቲ'ኳ እንተዀነ፡ ማዕረ ተቐባልነት ከምዝረኽቡ ግን ትገልጽ።

"ብታሪኽ ኣብ መንጎ ጉና ኵሉ ግዜ ልውጠ-ጾታውያን ነይሮም እዮም" ትብል።

ብሓቂ ኣብ ጉና ያላ፡ 'ኦሜጊድ' ዝብል ሓሳብ ካብ ጽውጽዋይ እቲ ማሕበረሰብ ዝምንጩ እዩ።

"ብዛዕባ ነቶም ልምድታት፡ ሕግታትን መምርሕታትን ዘምጽኡ ደቀባት መራሕቲ ዘዘንትዉ ኣገደስቲ ዛንታታት ፍጥረት ኣለዉ። ንኣብነት ኢቤኦርጉን ዝተባህለ ሰብኣይ፡ ሓፍቱ 'ጊጋዲርያይን' ንእሽቶ ሓዉ ድማ 'ዊጉዱን' ነይሮም - እዚ ድማ ኣካል ናይቲ 'ሳልሳይ ጾታ' ኢልና ዝጸዋዕናዮ እዩ" ትብል ዲያስ። 'ዊጉዱን' ማለት ጓል ኣንስተይትን ተባዕታይን ምዃን ከምዝዀነ ድማ ትገልጽ።

ኣብ ጐደናታት እተን ደሴታት ደቂ ኣንስትዮ ባህላዊ ክዳውንቲ ተኸዲነን ክጠልፋን ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ክነጥፋን ይረኣያ።

ንኣሽቱ ድኳናት የመሓድራ፤ መግብን መስተ ይሸጣ።

ዘይከም ባህልታት ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ኣመሪካ፡ ደቀንስትዮ ጉና ዝያዳ ተጻወትቲ ይመስላ። ምስአን ዕላል ምጅማር ካብ ካልኦት ከባቢታት ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ።

ደቀንስትዮ ጉና ልዑል ደረጃ ኣለወን።

ባህላዊ መርዓ ጉና፡ መርዓት ዘይኰነትስ መርዓዊ ዝጭወየሉ ስነ-ስርዓት የጠቓልል።

ድሕሪ መርዓ እቲ መርዓዊ መንእሰይ ናብ ገዛ መርዓት እዩ ዝግዕዝ። ካብቲ እዋን'ቲ ጀሚሩ ስርሑ ናይ ስድራቤት ሰበይቱ እዩ። በዓልቤታ ናብ ወለዱን ኣሕዋቱን መግቢ ክልእኽ ይኽእል ድዩ ኣይኽእልን እትውስን እታ ሰበይቲ'ያ።

ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝድገሱ ጽምብላት ከይተረፉ፡ ደቀንስትዮ ንምኽባር ዝዓለሙ እዮም።

ኣብ ደሴታት ጉና ያላ ዝጽንበሉ ሰለስተ ኣገደስቲ በዓላት ኣለዉ፤ ልደት ጓል፡ ንዕድመ ምብጻሓን መርዓኣን።

ንጓልነት ወይ ኣንስታይነት ክትበጽሕ እንከላ፡ ምሉእ ኣባላት ሕብረተሰብ ተኣኪቦም ቺቻ ዝበሃል ሓያል ናይቲ ከባቢ ቢራ እናሰተዩ ይጽንብሉ።

ንጓልነት ክትባጽሕ ከላ ገርዚ-ኣካላ ተሰቚሩ ወርቃዊ ቀለቤት ይስለም።

"ወርቂ ግምጃ እዩ፣ ስለዚ ደቀንስትዮ ክሳብ ክንደይ ክቡራትን ዋጋ ዘለወንን ምዃነን ንምርኣይ ወርቂ ይስለማ" ትብል ኣብ ኣፍንጫኣ ወርቃዊ ቀለቤት ዝተሰለመት መንእሰይ።

ደቂ ተባዕትዮ ከም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ሃደንቲ ወይ ሓረስቶት ኰይኖም ይሰርሑ። እንተዀነ ናይ ደቀንስትዮ እውን ማዕሩ ወይ ሓደ ሓደ ግዜ፡ ዝያዳ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ይቝጸር።

"ሕብረተሰብ ጉና ብኣደነት ዝዕብለል እዩ ኣይብልን፡ ምኽንያቱ ደቂ ኣንስትዮ ኩሉ ዘቤታዊ ውሳነታት ክውስና እንከለዋ፡ ፖለቲከኛታት ወይ ርእሰ-መምህራን ክዀና ግን ሳሕቲ እዩ ዝርአ። ኣባላት ጉና ንጉልበት ደቂ ኣንስትዮ ከም 'ዝነኣሰ ስራሕ' ኣይቈጽርዎን'ዮም" ይብል ዲያስ።

ኣብ ሕብረተሰብ ጉና ተራ ደቀንስትዮ ዝተነጸረ'ኳ እንተዀነ፡ ኦሜጊድ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ንጹር ተራ የብለንን።

"እቲ ሕብረተሰብ ዝያዳ ምስ ምዕራባውነት እናተላለየ ምስ ከደ፡ ኣብ ልዕሊ ኤልጂቢቲኪዩ ኣድልዎ ዝመልኦ ኣሰራርሓታት ክነተኣታቱ ጀሚርና ሰባት ክንቅበል ንጅምር" ትብል ጋርስያ።

ንሳ ከምትብሎ፡ ብዙሓት ኦሜጊድ ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ሞያ ዕድላት ንምርካብ ካብ ጉና ያላ ናብ ከተማ ፓናማ ይግዕዛ።

ኣብቲ ማሕበረሰብ ዓቢ ጸገም ኤችኣይቪ ከምዘሎ እውን ትገልጽ። ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ የለን ስለዘይተዘርግሐ፡ ሰባት ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ግንዛበ ይሓጽሮም እዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት [ደቂ ተባዕትዮን] ኦሜጊድ ሰባትን ኣብ ከተማታት ብኤችኣይቪ ይልከፉ፡ ድሕሪኡ ድማ ብዘይፍላጥ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ናብ ካልኦት ሰባት ይዝርጋሕ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን እተን ኣብ ጉና ያላ ዝጸንሓ ኦሜጊድ ይስስና ኣለዋ።

ነዊሕ ጸጕሪ ዘለወን መንእሰያት ኦሜጊድ ካብ ኣደታታተን ጥልፊ ይመሃራ፤ ጥልፊ ይሸጣ ወይ ከም መራሕቲ ዑደትን ተርጐምትን ንበጻሕቲ ኣገልግሎት ይህባ።

ኣብቲ ሕብረተሰብ ከም ማዕረ ኣባላት ስድራቤት እየን ዝሕሰባ።