እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንቡር ቀብሪ ዝተሓረሞ ኣፍሪቃዊ መራሒ ሃገር ነበር
"It's coming home!" እትብል ምልእቲ ሓሳብ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ ግንንቲ እያ።
ደገፍቲ ሓንቲ ጋንታ፡ ጋንታኦም ኣብ ካልእ ከተማ ወይ ሜዳ ዋንጫ ምስ ወሰደት ዝጥቐሙላ ልምድቲ ኣበሃህላ።
ሕጂ ከኣ ኣብ ዛምብያ ትዝውተር ኣላ፣ ዛምብያ ዋንጫ ስለዝወደት ግን ኣይኮነን።
ሬሳ ፕረዚደንቶም ነበር ኢድጋር ሉንጋ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይምጻእዶ ኣይምጻእ ኣብ ዝብል ምጕት'ያ ትልዓል ዘላ።
ወዲ 68 ዓመት ኢድጋር ሉንጋ ዘይተገልጸ ሕማም ሓሚሙ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕክምናዊ ናብዮት እናተገበረሉ እንከሎ'ዩ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሪፉ።
ስድራ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክቕበር'ዩ ድሌቶም።
መንግስቲ ዛምባያ ከኣ ሬሳ ናብ ሃገሩ መጺኡ ብወግዒ ክቕበር ይደሊ።
ቤት ፍርዲ ፕሪቶርያ ንሓሳብ መንግስቲ ዛምብያ ብምድጋፍ ሬሳ ኢድጋር ሉንጋ፡ ናብ ዛምብያ ክልኣኽ ወሲኑ። ብድሕሪ'ዚ'ዮም ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ዛምብያውያን ዋንጫ ከምዝወሰዱ "It's coming home!" እናበሉ ኣብ ፌስቡክ ክልጥፉ ጀሚሮም።
እቶም ኣብ እዋን መሪሕነቱ ዒቕ ዝበሎም ዛምብያውያን ግን ኣብ ዝተቐበረ ይቀበር ፋዕራ የብሎምን።
ኢድጋር ሉንጋ ነታ ሃገር ካብ 2015 ክሳብ 2021 ንሽዱሽተ ዓመታት'ዩ መሪሕዋ፣ ብምርጫ ብሃካይንደ ሂቺለማ ተሳዒሩ ከኣ ካብ ስልጣን ወሪዱ።
ሃካይንደ ሂቺለማ ደቂ ዓዱ 'ብጥንቆላ ተሓጊዙ'ዩ ስዒሩ' ኢሎም'ዮም ዝሓምይዎ።
ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ሬሳ ኢድጋር ሉንጋ ናብ ዛምብያ ከይዱ ሓመድ ኣዳም ክለብስ ውሳነ ምስ ሃበ፡ ዓባይ ሓፍቱ ንኤድጋር ሉንጋ በርታ ሉንጋ፡ እናበኸየት ዘይዕግበታ ገሊጻ።
ኣብቲ እዋን ውሳነ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ዛምብያ ሙሊሎ ካበሻ ብኣካል ተረኺቡ ነይሩ'ዩ።
በርታ ሉንጋ ሬሳ ሓዋ ናብ ዛምብያ ክውሰድ ኵሎም ኣባላት ስድራኣ ድሌት ከምዘይብሎም'ያ ገሊጻ።
ስድራ ኢድጋር ሉንጋ ይግባይ ስለዝበሉ እቲ ሬሳ ገና ናብ ዛምብያ ኣይከደን ዘሎ፣ ቤት ፍርዲ እንታይ ተወሳኺ ውሳነ'ዩ ክህብ ሎሚ ዓርቢ'ዩ ክፍለጥ።
እቶም ስድራ ኣብ ሰነ ሬሳ ኢድጋር ሉንጋ ናብ ዛምብያ ከይዱ ክቕበር ተሰማሚዖም ነይሮም'ዮም።
እንተዀነ "እቲ ኢድጋር ሉንጋ ክመውት ክምነ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሃካይንደ ሂቺለማ" ፈጺሙ ኣብ ስነስርዓት ቀብሩ ከይርከብን ጥቃ እቲ ሬሳ ከይቀርብን ቅድመ ኵነት ኣቕሪቦም።
ነቲ ጽልኢ ዝያዳ ንምርዳእ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝነበረ ሂቺለማ፡ ኣብ 2017 ብኽድዓት ተኸሲሱ ፍርዲ እናተጸበየ 100 መዓልታት ተኣሲሩ ነይሩ'ዩ።
ኣብቲ እዋን ሂቺለማ፡ ንፕረዚደንት ሉንጋ ሒዘን ዝነበረ ቃፍላይ መካይን ምሕላፍ ብምኽላእ ንህይወት እቲ ፕረዚደንት ናብ ሓደጋ ኣእትይዎ ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብሉ።
ድሒሩ ግን ብምትእትታው ዋና ጸሓፊ ኮመንወልዝ እቲ ክሲ ተሳሒቡ ሂቺለማ'ውን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ።
ብዘይካ'ዚ ሂቺለማ ብተደጋጋሚ'ዩ ዝእሰርን ዝፍታሕን ነይሩ።
ብድሕሪ እዚ ስድራ ኢድጋር ሉንጋ ካብ ፕረዚደንት ሂቺለማ ተደጋጋሚ ጸቕጥታት ይበጽሖም ከምዘሎ ከሰምዑ ጀሚሮም።
ብዓልቲ ቤት ኢድጋር ሉንጋ ኢስተር ሉንጋ ብተደጋጋሚ ክሲ ብልሽውና ይቐርበላ ነይሩ፣ ንሳን ስድራአን ግን ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ነጺጐምዎ።
ወሃቢ ቃል ስድራ ኢድጋር ዝዀነ ማከቢ ዙሉ፡ ስድራ ኢድጋር ሉንጋ፡ ኣብ ዛምብያ ክቕበር ጸገም ከምዘይብሎም እንተዀነ ፕረዚደንት ሂቺሊማ ኣብቲ ቐብሪ ክሳተፍ ከምዘይብሉ'ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ ኢሉ።
መንግስቲ ዛምብያ ከኣ ኢድጋር ሉንጋ፡ እቲ ተካኢኡ ዝዀነ ሂቺሉማ ኣብ ዝተረኸበሉ ሃገራዊ፡ ወግዓውን ናይ ክብርን ቀብሪ ክግበረሉ'ዩ ዝደሊ።
ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ዛምብያ ብወገኑ ስደራ ኢድጋር ሉንጋ ናብ ዛምብያ ክመጽኡ ዘይደልዩ እንተዀይኖም እቲ ፕረዚደንት ነበር ስድራኡ ኣብ ዘይተረኸብሉ ኣብ ዛምብያ ክቕበር ከምዝኽእል ሓሳብ ኣአንፊቱ'ዩ።
እቲ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ፡ "ፕረዚደንት ንምንታይ ኣብ ቀብሪ ክሳተፍ ከምዘይደለይዎ ምኽንያት እንተሃልይዎም ይንገሩና፣ ኣብ ጥቃ ሬሳ ክቐርብ የብሉን ይብሉ ኣለዉ፡ ክቐርብ ድሌት ከምዘለዎኸ መን ሓቢርዎም? መንግስቲ ምስ ስድራ ኢድጋር ሉንጋ ክዛተ ቍሩብ'ዩ፡ ንሕና ሬሳ ናብ ዛምብያ እንተኸይዱ ኣይንመጽእን ኢና ዝብሉ እንተዀይኖም ግን ንሶም ኣብ ዘየለውሉ እቲ ስነስርዓት ቀብሪ ከነካይዶ ንኽእል ኢና" ኢሉ።
ኣብ ቅዋም ዛምብያ፡ ስነስርዓት ፕረዚደነት ነበር ከመይ ይፈጸም ዝገለጽ ዓንቀጽ የለን።
ቅድሚ ሕጂ ዝሞቱ መራሕቲ እታ ሃገር ግን ንዐኦም ኣብ ዝተሓዝአ ኢማባሲ ፓርክ ኣብ ዝብሃል ቦታ'ዮም ብክብ ዝበለ ሃገራዊ ዓጀባ ተቐቢሮም።
ዛምብያዊ ተመራማሪ ታሪኽን ኣብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዩኒቨርስቲ ስቴላቦች መምህር ዝኾነን ዶክተር ሲሹዋ ሲሹዋ፡ ነቲ እቲ ፕረዚደንት ነበር ስድራኡ ኣብ ዘይተረኸብሉ ክቕበር ዝብል ሓሳብ፡ ንባህሊ እታ ሃገር ዝጥሕስን ንዓብላልነት ፕረዚደንት ሂቸለማ ዘርእን'ዩ ብምባል ብትሪ ተቓዊምዎ።
እቲ ተመራማሪ ታሪኽ፡ መንግስቲ ፕረዚደንት ሂቺለማ ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ከይሳተፍ እንተዝሰማማዕ ነይሩ፡ ኢድጋር ሉንጋ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ምተቐበረ ነይሩ ብምባል መንግስቲ ይጋገ ከምዘሎ ገሊጹ።
ሬሳ ኢድጋር ሉንጋ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዶ ይቀበር ናብ ዛምባያ ይመለስ ዝብል ምጕት ቤት ፍርዲ ክንደይ'ዩ ክወስድ ዝተፈለጠ ነገር የለን። እንተዀነ እቲ ዛንታ ብሕጂ ብዙሓት ክፋላት ክህልውዋ ምዃኖም ኣየማትእን።