ኣብ ኣጋ እርጋን ‘ኣሕምልቲ-ጥራይ’ ምምጋብ ሳዕቤን ኣለዎ'ዶ?

ብዙሓት ሰባት፡ ኣሕምልቲ-ጥራይ ምምጋብ ['ቬጋን' ምዃን] ብሓበን ዝዛረብሉ ዛዕባ እዩ፤ ካልኦት ግን ነዚ ሓሳብ ብጥንቃቐ ክረአ ይምዕዱ።

‘ቬጋኒዝም’፡ ብፍላይ ድማ ንዓበይቲ ሰባት ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ክትዓት'ውን ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መጽሔት ‘ቢኤምሲ ሜዲሲን’ ዝተሓትመ ኣካታዒ መጽናዕቲ፡ እዚ ኣመጋግባ ኣብ ዕድመ ክህልዎ ዝኽእል ረብሓታት ኣጉሊሑ።

እዚ ድማ ንእርጋን ብኣድማዒ መንገዲ የደንጉዮ እዩ ዝብል እዩ።

ገለ ክኢላታት ግን፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ንእሽቶ ቅምሶ ዝተመርኰሰን ኣብ ሓፂር እዋን ዝተኻየደን ብምዃኑ፡ ምስዞም ርኽበታት ብዝተኣሰሳር ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

እንተዀነ ግን እቲ ውፅኢት ነቲ ክትዕ ዳግማይ ክለዓል ስለ ዘኽኣለ ኣመስጊኖም።

ስክፍታታት ንኣረጋውያን

ካብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን፡ ክኢላ ኣመጋግባ ፕሮፌሰር ቶም ሳንደርስ፡ ነዚ ርኽበታት ኣብ ሕቶ ካብ መንጐ ዘእትዉ እዩ።

እዚ ማዕዳ ኣመጋግባ [ቬጋን] ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ብሓቂ ዘይጽቡቕ ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ነቲ ምስ እርጋን ዘጋጥሞም ሓደጋታት ከም ዘጋድዶን የጠንቅቕ።

“ብዕድመ ዝደፍኡ ተመገብቲ ኣትክልቲ-ጥራይ፡ ብናይ ጭዋዳታት ማህሰይቲ፣ ምስብባር ኣዕፅምትን ፀገማት ስነ-ኣእምሮን ኣብ ህይወቶም ዓቢ ጽልዋ ስለ ዘለዎ፤ ክሳቐዩ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ” ይብል።

እቲ ፕሮፌሰር ቀፂሉ፡ "ኣትክልቲ-ጥራይ ዝምገቡ ኣረጋውያን ክብደቶም ናይ ምንካይ ዝንባለ ኣሎ። ብተወሳኺ ስብራት ዓጽሚ ስብራት ከጋጥሞም ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ። ሕፅረት - ብተፈጥሮ ኣብ ፍርያት ጸባን ስጋን ዝርከቡ፡ ካልሲየምን ፕሮቲንን፡ ነዞም ሓደጋታት ዘሳጥሕ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ትሑት ማዕድናት [ሓፂን ዚንክን] ኣብ ኣመጋግባ ኣትክልቲ-ጥራይ ጸገም ከስዕብ ከምዝኽእል ፕሮፌሰር ሳንደርስ ኣጠንቂቑ።

"ሓፈሻዊ ኣብ ጥዕና ቪጋንን በላዕቲ ስጋን ርኡይ ፍልልይ የለን " ይብል።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኣመጋግባ ብዝተኣሳሰር ኣገልግሎት ምምኻር ዝህብ ትካል እትውንን ዶክተር ንያምቡራ ምቡሩ'ውን ተመሳሳሊ ሻቕሎት ኣለዋ።

ብዛዕባ ጥዕናዊ ረብሓታት ኣመጋግባ ቬጋን ኣመልኪታ፡ "መጠን መዓዛነቱ ትሑት እዩ" ክትብል ጥርጣረታታ ኣብ ኢንተርኔት ብዝዘርግሐቶ ጽሑፍ ኣረዲኣ።

'የግዳስ እቲ ቁልፊ ነገር ሚዛን ዝተመጣጠነ ምግቢ ምሕላው ጥራይ እዩ’ ትብል።

"መግቢ ተኽልን ስጋን ዝተፈላለየ ትሕዝቶ መኣዛታት ኣለዎም። ስለዚ ድማ ኣብ ክንዲ ምውድዳር፡ ተመላላእቲ ተገይሮም ክረአዩ ዘለዎም" ክትብል ትምዕድ።

ረብሓ ኣትክልቲ-ጥራይ ምምጋብ

ዶክተር ኣላን ደስሞንድ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ኣማኻሪ ክኢላ ኣመጋግባ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ረብሓታት ተመጋብነተ ኣትክልቲ [ቬጋን] ብሰፊሑ ዝዛረብን ብዙሓት መፅናዕቲታት ዘሕተመን ምሁር እዩ።

ንሱ፡ ኣረጋውያን ካብ እንስሳታት [ስጋ] ነጻ ዝኾነ ኣመጋግባ ክኽተሉ ክተባብዑ ከምዘለዎም ይኣምን።

"ኣብ ኣትክልትን ፍራምረን ዝተመርኮሰ ኣመጋግባ ኣብ ዝኾነ ዕድመ ዓቢ ረብሓ ኣለዎ። ንሓደጋታት ሕማም ልቢ፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርን ሓያሎ መንሽሮታትን ክከላኸል ይኽእል እዩ" ይብል።

ኣስዒቡ "እዚኦም ድማ ብፍላይ ምስ እርጋን ተመራሪሖም ዝመፅኡ ስክፍታት እዮም። ናብ ተኽሊ መሰረት ዝገበረ ኣመጋግባ ክነሰግር ኣብ ዝዀነ እዋን ክጀመር ዘለዎ ስለዝዀነ፤ ኣይረፈደን" ክብል የረድእ።

እንተዀነ፡ ዶክተር ደስሞንድ እቶም ኣብ ዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ ካብ ስጋን ጸባን ነጻ ዝኾነ ኣመጋግባ ዝኽተሉ "ንገለ ቐንዲ መኣዛታት" ከይስእኑ'ውን የጠንቅቕ።

"ዝኾነ [ቬጋን] ሰብ ጥዕናኡ ክሕሎ እንተዀይኑ፡ ልዑል ፕሮቲን ዘለዎም መግብታት ከም ቶፉ፣ ጥራምረን ክበልዕ ኣለዎ። ጥዕና ዓጽምን ጭዋዳታትን ንምዕቃብ፡ ቪታሚን ቢ12 ምውሳድን ስሩዕ ክብደት ምሕላውን ግቡእ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባርን'ውን ኣገዳሲ'ዩ።"

ቫይታሚን ቢ12 ከ እንታይ እዩ ?

ኣብ ፍርያት ስጋ-እንስሳ ጥራይ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ዝዀነ ዓይነት ኣመጋግባ ቁልፊ ባእታ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ተመገብቲ ኣትክልቲ -ጥራይ [ቬጋን] ሕፅረት ከምዘሎ ብኽኢላታት ይጥቀስ።

ሕጽረት ቢ12 ኣብ ኣካላትን ኣእምሮን ዘስዕቦ ጽልዋታት ከቢድ እዩ።

ምልክታት ናይዚ ድማ፡ ድኻም ጭዋዳታት፡ ጭንቀትን ምድንጋርን ይርከብዎም።

እዚ ምልክታት እዚ ኣብ ኣረጋውያን ዝያዳ ጎሊሑን ሓደገኛን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ተመራመርቲ ኣብ ሓደ መጽናዕቲ፡ ትሑት መጠን ቪታሚን ቢ12፡ ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ወቕዒ እውን የተኣሳስሩዎ።

ካልእኸ ?

ኮሊን፡ ብበዝሒ ካብ እንቋቑሖ፡ ጸባን ስጋ ከብትን ዝርከብ ቁልፊ መዓዛ እዩ።

ብዙሓት ክኢላታት፡ ተመገብቲ ኣትክልቲ ዝዀኑ ሰባት፡ ኮሊን ኣብ መንጎ ዋህዮታት ነርቭ ምልክታት ንምትሕልላፍ ስለ ዝሕግዝን ምስ ስራሕቲ ኩሊት ዝተኣሳሰር ብምዃኑን ዕሽሽ ክብልዎ ከምዘይግባእ የተሓሳስቡ።

ከምኡ ድማ፡ ኮሊን ንዕብየት ሓንጎል ዝሕግዝ ኣገዳሲ ባእታ ስለዘለዎ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብፍላይ ንነፍሰጾራት ደቂ ኣንስትዮ እውን ቁልፊ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።

እንተዀነ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ከም ብሮኮሊ፣ ብራስለስ ስፕራውትስ፡ ዓተርን ሽጉርትን ዝኣመሰሉ መግብታት'ውን ክርከብ ይኽእል እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡

ምስ እርጋን ብዝተሓሓዝ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ወገናት ግቡእ ኣለያ እንተዘይተግይሩሎም፡ ምርጫ ምግቢ ጥራይ እኹል ኣይኰነን።

ስምዒታት ተነጽሎን ጽምዋን ከምኡ’ውን ጭንቀት ዘስዕብዎ ጸገማት ዕሽሽ ክበሃሉ የብሎምን ይብሉ ክኢላታት።

ብፍላይ ድማ ጭንቀት፡ ኣብ ኣመጋግባ ሕፅረት ከም ቪታሚን ቢ12 ዝኣመሰሉ መኣዛታት ዝጋደድ እዩ።

እዚ ድማ ሰባት ብዕድመ እናደፍኡ ምስ ዝኸዱ፡ ኣብ ኣካላዊ ጥዕና ከቢድ ጽልዋ የስዕብ።