ኢትዮጵያ፡ መንቀሊ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዝረአ ዘሎ 'ተቓውሞ' እንታይ'ዩ?

ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ወልድያ

ምንጪ ስእሊ, WOLDIA UNIVERSITY/FB

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምትዕርራይ ባጀት መግቢ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተገበረ ኣብ ዝነበረ ሒደት መዓልትታት ተመሃሮ ሰለስተ ዩኒቨርሲቲታት "ጽሬትን ብዝሕን" ዝቐርበሎም 'መግቢ ነክዩ'ዩ' ብዝብል ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንኹለን ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ መግቢ፡ ኣብ "መዓልታዊ ባጀት መግቢ ተመሃሮ" ዝግበር ምምሕያሻት ሓቢሩ ነይሩ።

መዓልታዊ ባጀት መግቢ ሓደ ተመሃራይ ካብ 22 ብር ናብ 100 ብር ክብ ክብል ተወሲኑ።

እቲ ሚኒስትሪ ብተወሳኺ፡ እቲ ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ኩለን ዩኒቨርሲቲታት ተግባራዊ ዝኸውን ሓድሽ ባጀት መግቢ፡ ዝተዋደደ ዝርዝር መግቢ ሒዙ ከም ዝተዳለወ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ እቲ ሓድሽ ዝርዝር መግቢ "ዝተሓተ ረቛሒ መሰረት ገይሩ" ከም ዝተዳለወ ዝገለጸ ኰይኑ እተን ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ከባቢኤን ዘሎ ዕዳጋ መሰረት ገይረን ክውስኻ ከም ዝኽእላ ይሕብር።

ይኹን'ምበር ካብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ተመሃሮ ሰለስተ ዩኒቨርሲታት ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ምንጭታት ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ በቲ ሓድሽ ዝርዝር ምግቢ ዘይተሓጐሱ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ደባርቕ፡ ደብረብርሃንን መቐለን፡ ኣብ መመገቢ ኣዳራሻት ተቓውሞኦም ኣብ ዘስምዑሉ እዋን፡ ካብ ንብረት ምዕናው ጀሚሩ ክሳዕ ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዞም ዝተወቕዑ ተመሃሮ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብቲ ተቓውሞ ዝተጀመረሉ ዩኒቨርሲቲ ደባርቕ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ተመሃሮ ኣብ እዋን ምሳሕ ዝቐርበሎም "ብዝሕን ጽሬትን" እቲ መግቢ ከም ዝነከየ ምስ ፈለጡ፡ ኣብቲ ካፈተርያ ዕግርግር ከም ዝፈጠሩ ሓደ ምንጪ ቢቢሲ ተዛሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ተመሃሮ ካብቲ መመገቢ ኣዳራሽ ወጺኦም ተቓውሞኦም ከስምዑ ናብ ህንጻ ምምሕዳር ገጾም ኣብ ዘቕንዕሉ እዋን ብሓይልታት ፀጥታ ከም ዝተሃረሙን ከም ዝተኣሰሩን ገሊፆም።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ደብረብርሃንን መቐለን እውን ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑ ማሕበር ተመሃሮ ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ዩኒቨርስቲታት ካብቲ ብመንግስቲ ዝተመደበ 22 ብር ብተወሳኺ ልዕሊ 100 ብር ብናይ ገዛእ ርእሰን ባጀት ይህባ ከም ዝነበራ እቲ ማሕበር ኣዘኻኺሩ።

"እቲ ዝቐርብ ዝነበረ መግቢ ብ 22 ብር ጥራይ ኣይነበረን" ዝበለ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ኣይተ ሓየሎም ስዩም፡ ሓዱሽ ምምሕያሽ ባጀት መግቢ ስዒቡ ዩኒቨርስቲታት ድጎማ ኣልዒለን ብ100 ብር ምግቢ ከቕርባ ጀሚረን ኣለዋ።

"[እቲ ወሰኽ] ናበይ ከይዱ? ኣበይ ኣትዩ?" ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ኣብ መንጐ ተመሃሮን ዩኒቨርሲቲታትን ዘይምርድዳእ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣስዒቡ "ጽሬት መግቢ 22 ብር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ይሓይሽ ነይሩ። ሕጂ ዋላ'ኳ 100 ብር ኰይኑ ይበሃል እምበር ትሕዝቶን ጽሬትን እቲ መግቢ ግን ጎዲሉ'ዩ" ክብል ሕቶ ተምሃሮ እንታይ ከም ዝዀነ መብርሂ ሂብሉ።

ምኽንያት ናይቲ ተቓውሞ ድማ፡ ባጀት መግቢ ክመሓየሽ እንከሎ፡ ንተመሃሮ ዝቐርብ ዝነበረ ጽሬት መግቢ ካብቲ ዝተጸበይዎ ንታሕቲ ኰይኑ ስለ ዝተረኸበ እዩ።

ሓደ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ናይ ሳልሳይ ዓመት ተመሃራይ ዝዀነ ምንጭና ብልሙድ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ 'ኤርፎር' ኢሎም ዝጽውዕዎ እንጀራ ብስጋ ደው ኣቢሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ሓድሽ ናይ ምግቢ ዝርዝር ከም ቅንጨ ዝኣመሰሉ መግብታት ከም ዘየጠቓልል ገሊጹ።

"[እቲ መግቢ] ጽሬት ይኹን ብዝሒ የብሉን" ዝበለ እቲ ተመሃራይ "ምሉእ መዓልቲ ብጥሜት ተፋሒስና ኢና እንውዕል" ኢሉ።

እቲ ተመሃራይ ኣስዒቡ "ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ንቁርሲ ሓደ ባኒን ሻሂን ይወሃበና። እቲ ፍርፍር እንጀራ ድማ ጽሬት ዘለዎ ኣይኰነን፤ መጺጽ ጣዕሚ ስለ ዘለዎ ኣይብለዐልካን። ስለ ዝዀነ ድማ ንተወሳኺ ወጻኢታት የቃልዓና ኣሎ" ኢሉ።

"ባጀት መግቢ ኣርባዕተ ዕጽፊ ስለ ዝወሰኸ ጽሬትን ትሕዝቶን እቲ መግቢ ክመሓየሽ ኣለዎ እዩ ዝበሃል ዘሎ" ፕረዚደንት ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ ሓየሎም ስዩም "እንተዀነ ዝተወሰኸ ነገር የለን እኳ ድኣስ ናይ 'ኮስት ሼሪንግ' ወጻኢ ጥራይ እዩ ተወሲኹ ዘሎ" ኢሉ።

"እቲ መግቢ እንከይተመሓየሸ እንተተመረቕና፡ ናይ ኮስት ሼሪንግ 100 ብር ክንከፍል ኢና። እዚ ክንግብጦ እንከለና ልዕሊ 100 ሽሕ ብር ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።

'ኮስት ሼሪንግ' ተመሃሮ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ንመንግስቲ ዝኽፈል ዕዳ እዩ።

እቶም ተመሃሮ ባጀት መግቢ ከም ዝወሰኸ ጥራይ እዮም ሰሚዖም እምበር ኣብ ኣተገባብራኡን ትሕዝቶኡን ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘይነበሮም ተሓቢሩ'ሎ።

ሕብረት ተመሃሮ ኢትዮጵያ ምትዕርራይ ባጀት መግቢ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ከም ዝተሳተፈን ብዩኒቨርሲቲታት ዝወሃብ ዝነበረ ድጎማ ባጀት መግቢ ክለዓል ከም ዘይብሉን ሓቲቱ ከም ዝነበረ ካብቲ ፕረዚደንት ምፍላጥ ተኻኢሉ'ዩ።

ፕረዚደንት ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርስቲታት ኢትዮጵያ ሓየሎም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሕብረት ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ኣድሂቡ ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ክዛተ መደብ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይተዓወተን።