እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ንዝተኸሰሰሎም ጕዳያት ንዝመርመሩ ዓቀብቲ ሕጊ ኣባሪሩ
ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ክልተ ገበናዊ ጕዳያት መርመራ ዝገበሩ ልዕሊ 12 ጠበቓታት ቤት ጽሕፈት ፍትሒ እታ ሃገር ካብ ስራሕ ሰጒጕ።
ግዝያዊ ዓቃቢ ሕጊ ጄምስ ማክሄንሪ፡ "እቲ ፕረዚደንት ኣብ ምኽሳስ ልዑል ተራ ስለ ዝነበሮም ኣጀንዳ እቲ ፕረዚደንት ብተኣማንነት ከተግብሩ'ዮም ተባሂሎም ክእመኑ ኣይክእሉን፡" ኢሉ ድሕሪ ምውሳኑ ካብ ስራሕ ከም ዝተባረሩ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ቤት ጽሕፈት ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ገሊጹ።
እቶም ጠበቓታት ኣካል ናይቲ ፍሉይ ኣማኻሪ ነበር ጃክ ስሚዝ ዝመርሖ ጕጅለ ኰይኖም፡ ትራምፕ ምስጢራዊ ሰነዳት ብግቡእ ኣይሓዘን ዝብልን ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ስዕረቱ ንምቕልባስ ፈተነ ገይሩ ዝብሉን ክስታትት ዝመርመሩ'ዮም።
እዚ ውሳነ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ድማ ተፈሊጡ።
ክኢላ ሕጊ ስሚዝ፡ ነቶም ክልተ ጕዳያት ትራምፕ ክከታተል፡ ኣብ 2022 ፍሉይ ኣማኻሪ ኰይኑ ተመዚዙ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት ስልጣን ካብ ዝሕዝ "ኣብ ውሽጢ ክልተ ካልኢት "ካብ ስርሑ ከባርሮ" ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ጃክ ስሚዝ ትራምፕ ቃለ መሓላ ቅድሚ ምፍጻሙ ስርሑ ለቒቝ።
ክልቲኦም ጕዳያት ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝቐረበ ገበናዊ ክሲ ዝጠቕሱ ኰይኖም፡ ንሱ ድማ ገበነኛ ኣይኰንኩን ኢሉ።
ኣብ ሕዳር ኣብ መረጻ ድሕሪ ምዕዋቱ ኸኣ፡ እቶም ክሲታት ተዓጽዮም።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ደንቢ ክፍሊ ፍትሒ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ክኽሰስ ኣይፈቕዱን ኢሎም።
ክሳብ ሕጂ ግን፡ ኣየኖት ኣባላት ጕጅለ ስሚዝ ከም ዝተባረሩ ብወግዒ ኣይተፈልጠን።
መብዛሕትኦም ሓቢሮምዎ ዝሰርሑ ክኢላታት ሕጊ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራት ዝሰርሑን ነቶም ጕዳያት ክምርምሩ ዝተመዘዙን ኣኽበርቲ ሕጊ ሞያዊ ብልሽውናን ሃገራዊ ድሕነትን እዮም።
ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዘካየድዎ ምጽራይን ምኽሳስን ዝነበሮም ተራ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ንኽሰርሑ ዘይምጥኑ ክዀኑ ከም ዝገበሮም ዝገልጹ ደብዳበታት ከም ዝበጽሖም ይግለጽ።
ዓቃቢት ሕጊ ኣመሪካ ነበር ጆይስ ቫንስ ንኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ኣኽበርቲ ሕጊ ብሰንኪ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ስራሕ ካብ ስራሕ ምእላይ ቅቡል ኣይኰነን፡ ጸረ-ልዕልና ሕጊ'ዩ፤ ጸረ-ዲሞክራሲ'ዩ፡" ኢላ።
እዚ ካብ ስራሕ ምብራር፡ ገለ ካብቶም ኣብ ሃገራዊ ድሕነትን ህዝባዊ ብልሽውናን ሓዊሱ ኣብ ሰፊሕ ዓውድታት ክእለት ዘለዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ክፍሊ ፍትሒ፡ ሰፊሕ ዳግመ ምደባ ኣስዒቡ ኣሎ።
ትማሊ ሰኑይ ሓደ ካብኣቶም ሓላፊ ክፍሊ ህዝባዊ ቅንዕና ዝዀነ ስልጣኑ ከም ዝለቐቐ ይግለጽ።
ትራምፕን ጕጅለኡን፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣብ ልዕሊኡን መሻርኽቱን ሪፓብሊካንን ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ ክሲ ክምስረት ገይሮም ብምባል ይኸሱ።
ንሱ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ መረጻ፡ ንዕኡ ንምጥቃዕ መሳርሒ "ኣጽዋር" ኰይኑ'ዩ ንዝበሎ ክፍሊ፡ ብቕልጡፍ ምሉእ ጽገና ክግበረሉ ምዃኑ ይገልጽ ነይሩ።
ንክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ክትመርሕ ዝመዘዛ ፓም ቦንዲ፡ ነቲ ትራምፕ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ፈደራላዊ ክስታት ፖለቲካዊ ክሲ'ዩ ብምባል እቲ ክፍሊ "ንዓመታት መሳርሒ ኣጽዋር ኰይኑ" ክትብል መርገጺ ትራምፕ ኣቃሊሓ።
ዓቃቢ ሕጊ ጃክ ስሚዝ፡ ብወግዒ ንስርሑ ተኸላኺሉ ኣሎ።
ድሕሪ መረጻ 2020 ብዛዕባ ዝነበረ ተግባራት ትራምፕ ዝገልጽ ጸብጻቡ ኣብ ዘሰነዮ ደብዳበ፡ "ከም ዓቃቢ ሕጊ ዝወሰድክዎ ውሳነታት ብመንግስቲ ባይደን ወይ ካልኦት ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ዝተጸልወ ወይ ዝድረኽ'ዩ ዝብል ካብ [ትራምፕ] ዝቐረበ ርእይቶ፡ ዘስሕቕ'ዩ" ኢሉ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል ዋሽንግተን ዲሲ ብድሕሪ'ቲ ኣማኢት ጕዳያት ናዕቢ ካፒቶል ዘሎ ውሳነታት ክሲ ውሽጣዊ ዳግመ ግምት ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ ክብል ሲቢኤስ ሓቢሩ።
ግዝያዊ ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ ኤድዋርድ ማርቲን -ትራምፕ ዝመዘዞ - ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ምስቲ ዝሓለፈ ምምሕዳር ኣብ ልዕሊ ልዕሊ 200 ተኸሰስቲ መጥቃዕቲ ካፒቶል ክሲ ንምቕራብ ዝወሰዶ ውሳነ ዝተኣሳሰሩ ሰነዳት፣ ኢመይላትን ካልእ ሓበሬታን ከረክቡዎ ኣዚዙ።