መረጻ ካናዳ፡ መራሒ ሊበራላዊ ሰልፊ ማርክ ካርኒ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብቀዳማይ ሚኒስተር ማርክ ካርኒ ዝምራሕ ሊበራላዊ ሰልፊ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ካናዳ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።
ምቑጻር ድምጺ ምሉእ ብምሉእ'ኳ ዛጊት እንተዘይዛዘመ፡ ናብ ስልጣን ክምለስ ተስፋ ገይሩ ዝነበረ ዓቃባዊ ሰልፊ ድሮ ስዕረቱ ተኣሚኑ'ሎ።
እቲ ክሳብ ሕጂ 168 መናብር ረኺቡ ዘሎ ሊበራላዊ ሰልፊ ርእሱ ክኢሉ መንግስቲ ንክምስርት ተወሳኺ ኣርባዕተ መናብ ርጥራይ'ዩ ዘድልዮ።
መራሒ ናይቲ ዓቃባዊ ሰልፊ ፒየር ፖይሊቨር፡ ሰልፉ ጥራይ ዘይኮነ ተሳዒሩ ዘሎ፡ ናይ ባዕሉ መንበር'ውን ክዕቅብ ኣይክኣለን።
"ዓቢ ትምህርቲ" ከምዝተማህረ ዝገለጸ ፖይሊቨር "ናብ ፍጻመ መስመር ዓወት" ክበጽሕ ከምዘይክኣለ ኣነጺሩ።
"ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዝሓሸ ውጽኢት ንምርካብ ዓቢ ትምህርቲ ክንቀስም ኣለና" ክብልቲ ስዕረቱ ንምእማን ዘስምዖ መግለጺ ተዛሪቡ።
ዓቃባውያን በወገኖም 144 መናብር ባይቶ ተዓዊቶም ኣለዉ።
እዚ ልዑል ተሳተፋነት ዝነበሮ ብሰኑይ 28 ሚያዝያ ዝተኻየደ መረጻን ውጽኢቱን ጽላሎት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝዓለቦ ምዃኑ ብውሽጢን ብደገን ኣቓልቦ ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ።
ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን፣ ብቐንዱ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ዝወሰኖ 25 ሚእታዊት ንግዳዊ ቀረጽ ንካናዳውያን ሕልሚ'ዩ ኰይንዎም ዘሎ። ስጕምቲ ትራምፕ ንታሪኻዊ ጥቡቕ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ቍልቁል ኣፉ ዝደፍአ'ዩ።
ካርኒ ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካ ምእንቲ ክትውንነና፡ ክመቓቕለና'ዩ ዝፍትን ዘሎ- ፈጺሙ ግን ከምኡ ኣይክኸውንን እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
"ምስ ኣመሪካ ንነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድናታት ውህደት ደጊም ኣብቂዑ'ዩ" ክብል'ውን ገሊጹ።
ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት፡ ሰልፊ ዓቃባውያን ነቲ ንኣስታት 10 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ገዛኢ ሊበራላዊ ሰልፊ ብገፊሕ ክስዕሮ'ዩ ዝብል ግምት'ዩ ነይሩ።
ኣብዚ ዓመት ናብ ስልጣን ዝተመልሰ ትራምፕ "መበል 51 ክፍለሃገር" ኣመሪካ ክትከውን ዘለዎ ትምኒት ምግላጹ ግን ንሓርበኛነት ካናዳ ኣበራቢርዎ'ሎ።
ፈደራላዊ መረጻ ካናዳ ንመናብር ፓርላማ ዝካየድ ፖለቲካዊ ውድድር ኰይኑ፡ ዝበዝሐ መናብር ዝረኸበ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ክምዘዝ ዕድል ይወሃቦ።
መረጽቲ፡ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎም ዜጋታት ካናዳ ኰይኖም መለለዪ መንነትን ኣድራሻን ዘለዎም ክዀኑ ኣለዎም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ክወጽእ ዝጸንሐ ትንቢታት ከኣ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ይመርሕ ከምዘሎ ይእምት፡ ዋላ'ኳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ጋግ እንተጸበበ።
ኣብ ፖርላማ ዓብላሊ ድምጺ ብምርካብ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ንኽቈጻጸሩ ዝተወዳደሩ ቀንዲ ሰልፍታትን መራሕቶምን ግን ኣየኖት'ዮም?
ማርክ ካርኒ -ሊበራላዊ ሰልፊ
ሊበራላዊ ሰልፊ ካናዳ ንቀዳማይ ሚኒስተር ማርክ ካርኒ ኣሰሊፉ'ዩ ኣብ ስልጣን ንኽቕጽል ኣብቲ መረጻ ተወዳዲሩ።
እቲ ወዲ 59 ካርኒ፡ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነበረ ኰይኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ዩ ካብቲ ንልዕሊ 9 ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዘገልገለ ጃስቲን ትሩዶ መሪሕነት ሰልፊን ሃገርን ተረኪቡ።
ሓላፊ ማእከላይ ባንክ ካናዳ ብምዃን'ውን ሃገሩ ካብቲ ናይ 2008 ፋይንሳዊ ቅልውላው ዓለም ክትወጽእ ዓቢ ግደ ከምዝነበሮ ይግለጽ።
ቅድሚ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ፖለቲካዊ ድሕረባይታ'ኳ እንተዘይነበሮ ብቐሊሉ'ዩ ደገፍ ብዙሓት ረኺቡ መራሒ ናይቲ ሰልፊ ክኸውን በቒዑ።
ኣብ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዝተማህረን ካብ እንግሊዛዊ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፈርድ ናይ ዶክተሬት ማዕርግ ዝተቐበለን ካርኒ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምስራሕ'ውን ተወሳኺ ዓለምለኻዊ ተመኵሮ ዘጥረየ እዩ።
ኣብ ኣገልግሎታት መንበሪ ኣባይትን ጥዕናን ዘሎ ጸቕጢ ንምፍዃስ ዋሕዚ ስደተኛታት መዕገቲ ክግበረሉ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ኣለዎ።
እቲ ንነብሱ 'ተዓጻጻፊ' (ፕራግማቲስት) ክብል ዝገልጻ ካርኒ፡ ኣብ ዘላቕነት ኣከባቢ ዝኣምን ኰይኑ፡ ካናዳ ማእከል ተሓዳሲ ጸዓት ንኽትከውን ከምዝሰርሕ'ዩ ዝገልጽ።
እንተዀነ ኣብ ስልጣን ምስደየበ ነቲ ብትሩዶ ዝተወሰነ ዓቃባውያን ዝቃወምዎ "ቀረጽ ካርቦን" ምስራዙ ካብ ተሓለቕቲ ኣከባብን ክሊማዊ ለውጥን ነቐፌታ ኣስዒቡሉ'ዩ።
እቲ ዝዓበየ ተልእኾኡ፡ ምስ ኣመሪካ ዘሎ ንግዳዊ ርክብ ዋላ ይዛሕትል፡ ቁጠባ ካናዳ ምዕባይ ምዃኑ'ዩ ቃል ኣትዩ ዘሎ።
ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ትራምፕ ከዳኽመናን ኣመሪካ ድማ ክትውንነናን ፈቲኑ፣ እዚ ግን ዘይሕሰብ እዩ ክብል ተሰሚዑ። ምስ ትራምፕ ክዘራረብ ምዃኑ ድማ ኣሚቱ'ሉ።
ዓቃባዊ ሰልፊ - ዝጸንሐ ትጽቢት?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓቃባዊ ሰልፊ ብወገኑ ንፒየር ፖይሊቨር ኣሰሊፉ'ዩ ድሕሪ 10 ዓመት ናብ ስልጣን ክምለስ ሓያል ጎስጓስ ኣካይዱ።
እቲ ወዲ 45 ዓመት፡ ቁንጹብ መንግስትን ትሑት ቀረጽ ክህሉን ዝብል ጽኑሓት መርገጺታት ዓቃባውያን ሒዙ'ዩ ተበጊሱ።
እቲ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተ-ዓመታት ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዝጸንሐ ፖይሊቨር፡ ወዲ 25 ዓመት እንከሎ'ዩ ኣባል ባይቶ ኰይኑ። ኣብቲ እዋን ከኣ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ኣባል ባይቶ ክኸውን በቒዑ'ዩ።
መሪሕነት ሊበራላውያን ንዓይነት ህይወት ካናዳውያን ከምዘንቆልቁል ገይርዎ ክብል ዝነቅፍ ፖይሊቨር፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ኣባይቲ፡ ፍሕት ምባል ዝኣበየ ክፍሊት ደሞዝ፡ ከምኡ'ውን እናኸበረ ዝመጽእ ዘሎ መነባብሮ ፍታሕ ክናደየሉ ኣለዎ ብምባል'ዩ ክጕስጉስ ጸኒሑ።
ትሩዶን ሰልፉን ነቲ ብድሆታት ብዘይምፍትሖም ተስፋ ዝቘረጸ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ናብ ዓቃባውያን ክዛዙ ገይሩዎ'ዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክወስዶም ዝጸንሐ ንካናዳ ዝሃስዩ ንግዳዊ ውሳነታትን ንልኡላውነት እታ ሃገር ዘቈናጽብ መግለጺታቱን ግን ነቲ ብኣዘራርብኡን ፖሊሲታቱን ንትራምፕ መሲሉ ተባሂሉ ክንቀፍ ዝጸንሐ ፖይሊቨር ጸገም ከይፈጠረሉ ኣይተረፈን።
ርእሱ ካብ ፖለቲካዊ ቅዲ ትራምፕ ንምርሓቕ'ውን "ካናዳ ትቐድም" ዝብል ጭርሖ ከስምዕ ተራእዩ እዩ።
"ካብ ናይ ትራምፕ ፍልይ ዝበለ ዛንታ'ዩ ዘለኒ" ይብል እቲ ዓቃባዊ ፖለቲከኛ።
ካልኦት ሰልፍታት ዘሰለፍኦም መራሕቲኸ?
'ብሎክ ኩቤኮ' ዝተባህለ ሰልፊ ኣብታ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ብምክያድ ካብ ካናዳ ክትፍጨል ፈተነታት ብምክያዳ ትፍለጥ ዞባ ኲበክ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ'ዩ።
ኣብታ ልሳና ቋንቋ ፈረንሳ ዝዀነት ዞባ ጥራይ ዝተሓጸረ ሰልፊ ብምዃኑ ግን መራሒኡ የቪስ-ፍራሱዋ ብላንከት ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምዃን ዕድል የብሉን።
ይዅን'ምበር ዓወቱ፡ ኣብ ኦታዋ መን ተዓዊቱ ይወጽእ ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ይኽእል'ዩ።
እታ ዞባ ኣልሚንዮም ተፍሪ ብምዃና፡ ዝያዳ ግዳይ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ዝተወሰነ ቀረጽ ኣመሪካ ኰይና'ላ።
ብዘይካ'ዚ ብህንዳዊ መበቆል ዘለዎ ጃግሚት ሲንግ ዝምራሕ 'ሓድሽ ደሞክራስያዊ ሰልፊ' ድማ ብራባዓይ ደረጃ ዝስራዕ ሰልፊ'ዩ።
እቲ ጸጋማዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ቀንዲ ኣተኵሮኡ መሰላት ሰራሕተኛታትን ጉዳያት ዕዮን ምዃኑ ይፍለጥ።
ዋላ'ኳ በይኑ ብዙሕ ግምት ዝወሃቦ እንተዘይኮነ፡ ካብ 2021 ጀሚሩ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ጃስቲን ትሩዶ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ወሳኒ ተራ ነይሩዎ'ዩ።
እቲ እናደኸመ ዝመጽእ ዘሎ ሰልፊ፡ ኣብዚ መረጻ'ዚ እኹል መናብር እንተረኺቡን ዓብላሊ ድምጺ ዝረኸበ ሰልፊ እንተዘየሎን ተመሳሳሊ ግደ ክጻወት ተኽእሎ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







