ትግራይ፡ ዝተቛረፀ ዓለምለኻዊ ምፅራይ ገበናት ዳግም ክጅመር ፃውዒት ቀሪቡ

ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ibanet

መበል ሓሙሽተ ዓመት፡ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝወፅአ ዓለምለኻዊ ፀብፃብ፡ ዋላ'ኳ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ቦታኡ እንተሎ፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዘይ ምቍራጽ ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ፡ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዓለምለኸ ማሕበር ሰብሞያ ሕጊ (IBAHRI) ምስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ብምትሕብባር ኣብ ዘውፀኦ መግለጺ፡ ጃምላዊ ዓመጽ፡ ፆታዊ ጥቕዓትን፡ ጾታዊ ስቅያት፡ ጾታዊ ባርነትን ኰነ ኢልካ ዝግበር ጥሜትን ዝርከብዎም ገበናት፡ ሕዚ'ውን ደው ዘይምባሎም ሻቕሎት ከምዝፈጥረሉ ገሊፁ።

እቶም ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዘይሻራዊ ብዝዀነ መገዲ ነቲ ኵነታት ክምርምር፣ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ከረጋግጽን ኣብ ልዕሊ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኲናትን ተሓታትነት ክረጋገጽን ተላብዮም።

ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ስግኣት ኣብ ዘለወሉን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተላፊኑ ኲናት ይፅሕትሩ ኣለዉ ኢሉ ኣብ ዝኸሰሉ ዘሎ እዋንን እዩ፡ እዚ ጸብጻብ ቂቡ ዘሎ።

ህወሓት ብወገኑ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ዓፋር ዕጡቓት ትግራይ ብምድጋፍን፡ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ብዘይምምላስን ነቲ ውዕል ብዘይምትግባር ይኸስስ።

ኣቦ መንበር ትካል ኢባህሪ፡ ማርክ ስቲቨንስ ሲቢኢ፡ "ወግዓዊ ውዕል ደው ምባል ተፃብኦታት ኣብ ቦታኡ እንተሎ'ውን፡ ዓመጽ፡ ምምዝባልን ሰፊሕ ግህሰት መሰላትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣዕናዊ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ" ክብል ይኸስስ።

እቲ ኣቦ መንበር ወሲኹ፡ "ምቍራፅ ዓለማዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ICHREE]፡ ሓደገኛ ሃጓፍ ገዲፉ ኣሎ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ካልእ ወለዶ ቅድሚ ምስቓዩ፡ ተኣማንነት ዘለዎ ናይ ምክትታልን ፍትሕን መስርሓት ዳግማይ ክሰርዕ ሕጂ ክሰርሕ ኣለዎ" ኢሉ።

ኲናት ትግራይ፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ካብ ዝተኸሰቱ ደማዊ ኲናታት ሓደ ዀይኑ፡ ክሳብ 600,000 ህዝቢ ከምዘህለቐ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኣብዚ እዋን፡ ብሰንኪ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣብ ወጥሪ ዝርከቡ መንግስታት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን፡ ነቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝቐርበሎም ክስታት ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር-ሰብኣውነትን ይነጽግዎ።

ነቲ ሕዚ ዝወፅአ ፀብፃብ ብዝምልከት ግን፡ ዛጊድ ካብ ክልቲኦም ዝተውሃበ ምላሽ የለን።

ዝርዝር ፃውዒታት

እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት [ኢባህሪ]፡ ኣብቲ ዘውፀኦ ናይ ሓባር ጻውዒት፡ ግዱሳት ሃገራት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ካልኦት ዓለማውን ዞባውን ትካላትን፡ ኣብቲ ክልል ይቕፅል ኣሎ ዝበሎ ግፍዕታት ንምግታእ፡ ህጹጽን ጭቡጥን ስጕምትታት ክወስዳ ይጽውዕ።

እቲ ትካል ካብቶም ክግበሩ ኣለዎም ዝበሎም ስጕምቲታት፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሚያን ኪኖኡን ዝፍፀም ዘሎ ግህሰት ንምፅራይ፡ ዘይሻራዊ ዓለማዊ መስርሕ-ሕጊ ዳግም ክጣየስን እግሪ ክተክልን፡ ይሓትት።

ከምኡ'ውን፡ ውሕስነት ሰላማውያን ሰባት ክሕሎ፣ ህይወት-መድሕን ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ናብ ኵሎም ዘድልዮም ሰባት ከምዝበጽሕ ክረጋገፅ'ውን ይፅውዕ።

ውፃእ-መዓትን ግዳያትን፡ ዘማእከለ ኣገባባት ፍትሒ ምውሓስ፡ ካሕሳን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍን ንዅሉ ዝሓቍፍን ነጻን ኣገባባት ክረጋገፅ'ውን እቲ ፀብፃብ ይላቦ።

ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ፡ ውሑስ ምምላስን ተበፃሕነት ኣገደስቲ ረድኤትን ሓዊሱ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመስረተ ነባሪ ፍታሕ ክረኽቡ'ውን ይፅውዕ።

ዓለማዊ ምርመራ ሕቡራት ሃገራት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዓለማዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ICHREE]፡ ኣብታ ሃገር ዓበይቲ ክስታት ገበናት ክምርምር ቈይሙ ዝነበረ ዀይኑ፡ ንዓለማዊ ክትትል እቲ ቅልውላው ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝነበረ እዚ ፀብፃብ ይሕብር።

እቲ ብቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ኮሚሽን፡ ብዛዕባ እቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኲናትን ዝበፅሐ ግፍዒታት ዝርዝር ዝሓዘ፡ ናይ መወዳእታ ፀብፃብ ጥቅምቲ 2023 ምውፅኡ ይዝከር።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ኲናት ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ዝተሰለፉ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ከምኡ'ውን ፍሉያት ሓይልታትን ምልሻታት [ብፍላይ ዕጡቓት ኣምሓራ] ብሓባር ተሓተትቲ ናይቲ ግፍዒ ከምዝነበሩ ይሕብር።

ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ዓፋርን ኣምሓርን ብሰንኪ ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓተትቲ ምዃኖም ኣስፊሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኮሚሽን፡ፖለቲካዊ ተልእኾ ዘለዎ ብዝብል ካብ መጀመርታኡ ከምዘይተቐበሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ናብ ክልል ትግራይ ኣትዩ ክምርምር ከምዘይፈቐደ ይዝከር፤ ኣብ ክልተ ዓመቱ ድማ ስርሑ ከይዛዘመ ተቛሪፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቶም ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ብመሰጋጋሪ ፍትሒ ክርእዮም፡ ቃል እንትዩ ነይሩ፤ ግዳያት ዘማእከለ፡ ቅቡል መስርሕ ኣይተኸተለን ተባሂሉ ድማ ይንቀፍ።

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ፡ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ነበርቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ክመዛበሉን፡ ኣስታት 70 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ክስደዱን ጠንቂ ኰይኑ እዩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ዕላዊ ዝዀነ፡ ፀብፃባት ኮሚሽን ምፅራይ ፅንተት-ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ፣ ዕንወት ንዋትን ከባብያዊ ብርሰትን ከምዘስዐበ የመልክት።