ቴይለር ስዊፍት፡ ብሰንኪ ሞት ኣድናቒታ ዓብዪ ኮንሰርት ሰሪዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቴይለር ስዊፍት፡ ሞት ሓንቲ ኣድናቒታ ስዒቡ ትማሊ ቐዳም ኣብ ብራዚል -ሪዮ ዲ ጃኔሮ ክተካይዶ ወጢናቶ ዝነበረት ኮንሰርት ሰሪዛ።
እታ ፍልጥቲ ስነ ጥበበኛ፡ እዚ ዝወሰነት፡ ክብረወሰን ዝሰበረ ኣሽሓት ሰባት ናብቲ ስታድዩም ክተሙ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን'ዩ።
ስዊፍት፡ ኣብ ኢንስታግራማ ኣብ ዝዘርግሐቶ ጽሑፍ፡ "ድሕነትን ጽቡቕ ሂወትን ደገፍተይ፣ ብጾተይ ተዋሳእተይን ሰራሕተኛታተይን ክቕድም ኣለዎ፡ ወትሩ ድማ ከምኡ ከቐድም እየ" ኢላ።
ብራዚል ተራእዩ ዘይፈልጥ ማዕበል ሙቐት ኣጋጢምዋ ኣሎ፡ እዚ ድማ መጠንቀቕታታት ጥዕና የበግስ ኣሎ።
ሰብመዚ ብዛዕባ ሓደጋ ህይወት ዘጠንቀቑ ዀይኖም፡ ብዓርቢ 59.3 ሰልሽየስ ሙቐት እንትምዝገብ፡ ብቐዳም ድማ 59.7 ሰልሽየስ በፂሑ ነይሩ።
እታ ኣሜሪካዊት ስነጠበበኛ፡ እቲ ምርኢት ፅባሕ ሰኑይ ግና ክቕጽል ምዃኑ ገሊፃ።
እታ ኮኾብ ፖፕ ኣብቲ ኢንስታግራም ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብሞት ሓንቲ ኣድናቒታ ‘ኣዝያ ከምዝሓዘነትን’ ልባ ከምዝተሰብረን ጽሒፋ፡ "ኣዝያ ጽብቕትን ንእስትን እያ ነይራ" ኢላ።
ስዊፍት፡ "እዘን ቃላት ይጽሕፈን ከም ዘለኹ ክኣምን ኣይከኣልኩን፡ ግን ሎሚ ምሸት ቅድሚ ምርኢተይ ሓንቲ ደጋፊተይ ከምዝሰኣንና ዝፅሕፍ ዘለኹ ብዝተሰብረ ልበይ እዩ" ክትብል ጽሒፋ።
"በዚ ምኽንያት፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተጎዳእኹ እኳ ክዛረብ ኣይክእልን እየ።"

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣዳለውቲ እቲ መደብ ከም ዝገለጽዎ፡ ጓል 23 ዓመት ኣና ክላራ በነቪደስ ማቻዶ፡ ኣብቲ ስታድዩም ጽቡቕ ስለዘይተሰምዓ ሓገዝ ሓቲታ ነይራ። ናብ ሆስፒታል ድማ ተወሲዳ፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ግን ህይወታ ሓሊፋ።
ብመሰረት ብራዚላዊት ጋዜጣ ፎህላ ደ ሳኦ ፓኦሎ፡ ጠንቂ ሞት ከም ምቁራጽ ልብን ስርዓተ ምስትንፋስን ከምዝዀነ ተገሊጹ።
ጓል 33 ዓመት ተይለር ስዊፍት፡ ኣብ ምድረኽ ወፂኣ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ክትዛረብ ኣብ እትፍትነሉ እዋን፡ "ብሓዘን ዝተዋሕጠት" ኮይኑ ከምዘተሰመዓን፡ ክትዛረብ ከምዘይትኽእልን ገሊጻ።
"ሕጂ ክብሎ ዝደሊ እዚ ዓብዪ ኪሳራ እዩ፡ ንስድራቤታን ፈተውታን ድማ ፅንዓት ይሃብኩም" ኢላ።
ወሲኻ ድማ፡ እዚ ተጓንፎ ኣብቲ ናብ ብራዚል ዘምጽኣቶ መድረኽ፡ "ናይ መወዳእታ" ክኸውን ተመንያ።
ስዊፍት ብዛዕባ እቲ ሞት ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብላ ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







