ኣብ መዋስንቲ ክልላት ትግራይን ዓፋርን እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, woyen

መግለጺ ስእሊ, ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ

ኣብ ክልል ዓፋር፡ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ መጋለ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወረዳ ቀበሌ ቶንሳ "መጥቃዕቲ ብምፍናው" 15 ኪሎ ሜትር ጥሒሱ ብምእታው ሽዱሽተ ቍሸታት ተቘፃፂሩ ክብል ከሲሱ። ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ 'መሰርት ዘይብሉ ክሲ' ብምባል ነፂጉዎ ኣሎ።

መንግስቲ ክልል ዓፋር፡ ብረቡዕ 26 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ጉጅለ ህወሓት" እናበለ ዝፀወዖ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ኣብ ወረዳ መጋለ ዞባ 2 ኣብ ዝርከብ ቀበሌ ቶንሳ፡ "ተዅሲ ከቢድ ኣጽዋር ከፊቱ" ብምባል እዩ ከሲሱ።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ መጋለ ኣቶ ዓብዱ ሸኽ በራህ ዑስማን፡ ካብ ጐረቤት ክልል ትግራይ ዝተበገሱ ዝበሎም ሓይልታት፡ "ካብ ረቡዕ ንግሆ ጀሚሮም ቦታ ክሕዙ፡" ከም ዝጸንሑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ምሉእ መዓልቲ ነቲ ከባቢ ክሕዙ ውዒሎም፡ ክሳብ ሰዓት 12 ህዝቢ ይሃድም ነይሩ፡ [እቲ ዕጡቕ ጕጅለ] ቦታታት ይሕዝ ነይሩ። ንብምልኡ እቲ ከባቢ ምስ ተቘጻጸሩ፡ ከባቢ ሰዓት 12 [ኣጋ ምሸት] ናብቲ ህዝቢ ከቢድ ኣጽዋር ክድርብዩ ጀሚሮም፡" ብምባል፡ ነቲ ብመንግስቲ እቲ ክልል ዝቐረበ ክስታት ኣራጒዱ።

መንግስቲ ክልል ዓፋር፡ "ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ጓሶት ዓፋር ብሞርታርን ዙ-23 ብኸቢድ ኣጽዋርን ተዅሲ ከፊቱ፡" ክብል ይኸስስ። እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሐ ጕድኣት ኣመልኪቱ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ።

ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣቶ ዓብዱ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብድምጺ ተዅሲ፡ ሰንቢዶም ከም ዝሃደሙን ክልል ትግራይ፡ "ኲናት ብምእዋጅ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብግልፂ ኣፍሪሱ፡" ብምባልን ከሲሱ።

"ቍፅሪ እቶም ዕጡቓት ክንድዚ እዩ ክንብል ኣይንኽእልን፡" ብምባል፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝበሃል ሓይሊ ናብቲ ዶብ ጥሒሱ ከም ዝሰገረን ግምቱ ገሊፁ።

ወረዳ መጋለ ምስ ክልል ትግራይ፡ "ብኣርባዕተ ወረዳታት" ከም እትዳወብ ኣቶ ዓብዱ ብምግላፅ፡ ኣብ ትሕቲ እቶም ዕጡቓት ዝርከባ ዓድታት "ኻርፋቶ"፡ "ዔላ-ጎበ"፡ "ምልኪ"፡ "ጎለ-ዳዕ"፡ "ወርዓ"ን "ደልገና"ን ምዃነን እቲ ዋና ኣመሓዳሪ ጠቒሱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓላፊ እታ ወረዳ ከም ዝበሎ፡ ነበርቲ እተን ቍሸታት ናብ "ማእከል"ን "ኣሮሪ ዝተባህለ ከባቢን" ኣብ ቀበሌ ኣቶምሳ ሃዲሞም ኣለዉ።

"ህዝቢ ገና ስለ ዘይሃድአ" ክንዲ'ዚ ሰባት ተመዛቢሎም ክብል ከም ዘይክእል ኣቶ ዓብዱ ተዛሪቡ።

ሓላፊ እታ ወረዳ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ድምፂ ቶኽሲ ከም ዘየሎ እኳ እንተ ገለፀ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ "ንቕድሚት ይግስግስ ስለ ዘሎ፡ ተዅሲ ክቕፅል እዩ፡" ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ገሊፁ።

እቲ ዋና ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ፡ ኣቶ ዓብዱ፡ ብዘይካ ናይቲ ከባቢ ምልሻታት፡ ናብቲ ከባቢ ዝተወፋረ ዝዀነ ክልላዊ ይዅን ፈደራላዊ ሓይሊ ከም ዘየሎ እዩ ዝገልፅ።

መንግስቲ ክልል ዓፋር ኣብቲ ብረቡዕ ዘውፅኦ መግለፂ፡ "ጕጅለ ህወሓት፡ ካብ ተግባራቱ እንተ ዘይተዓቂቡ፡ ድሕነት ዜጋታትን ክብሪ ህዝቡን ናይ ምሕላው፡ ከምኡ'ውን ካብ ዝዀነ ይዅን ግዳማዊ መጥቃዕቲ ንነብሱ ናይ ምክልኻል ሓላፍነቱ ክወስድ'ዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

ትማሊ ካብ መንግስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተዋህበ መግለፂ፡ ነዚ ካብ መንግስቲ ክልል ዓፋር ዝወፅአ መገለፂ ምላሽ ዝሃበ ኰይኑ፡ "እዚ መሰረት ዘይብሉን ዝተረግፀ ወሰን ዓፋር ከም ዘየሎን፡ ብግልባጡ ዝፍፀም ዘሎን ተግባር ንሰላማውን ታሪኻውን ሕውነትን ጕርብትናን ክልቲኡ ህዝብታት ዘይምጥንን፡ ኣብ ቀውዒ እዋን መሪፅካ ህዝቢ ትግራይ ንምጕዳእ ዝተወጠነ ክፍኣት ምዃኑ ግሁድ እዩ፡" ክብል ብምላሹ ከሲሱ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ፡ ብስም "ሓራ መሬት" ኣብ ዓፋር ዝርከብ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተደጋጋሚ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ቅድም ኢሉ፡ ብኣንፈት ኮነባን ዓብዓላን ብተደጋጋሚ ምትንዃይ ክፍፅም ከም ዝፀንሐ ብምዝኽኻር፡ ብዛዕባ እዚ ኣብዚ ቕነ ዝተፈጥረ ግጭት ከምዚ ክብል ኣብሪሁ።

"ኣብዚ ቅነ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ደቡብ ትግራይ ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ምስ ህዝብን ሰብ ሃፍትን ዝሓዞ ናይ ልምዓት ዘተ ንምትዕንቓፍ፡ ዕጡቓት 'ሓራ መሬት' ካብ መጋለን ቶንሳን ተበጊሶም፡ ኣብ ደደርባን ፃሓፍትን ገረብኣገውን ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሓልፍሉ ዝተገመተ መስመር መቐለ-መኾኒ ንምህዋኽ ዝኽእሉ ተግባራት ክፍፅም ቀንዩ፡" ኢሉ ከሲሱ።

እቶም ዝተጠቕሱ ቍሸታት፡ መጋለን ቶንሳን ፡ ብዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ዓፋር ኣቶ ዓብዱ ዝተልዓሉ ቍሸታት ኰይኖም፡ ኣብቲ ከባቢ ንባዕሎም 'ሓራ መሬት' ብዝብል ዝፅውዑ ዕጡቓት ዝንቀሳቐስሉ ከባቢ ከም ዝዀነ ቢቢሲ ትግርኛ ቅድም ዘቕረቦ ፀብፃብ የመልክት።

ልዕሊ ክልተ ግዜ ድማ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ግጭት ተልዒሉ ምንባሩ ይዝከር። ህወሓት ነቶም ዕጡቓት ካብ መንግስቲ ፈደራል ዝድገፉ ብዝብል ዝኸስስ ኰይኑ፡ ዛጊድ መንግስቲ ክልል ዓፋር ብዛዕባ ህላወ እዞም ዕጡቓት ዝበሎ የሎን።

ኣቶ ዓብዱ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ካብ ሓይልታት ትግራይ ተፈንጪሎም፡ ንዓርሶም "ሓራ መሬት" ወይ "ሓይሊ ሰላም ትግራይ" ብዝብል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት፡ ተሓቲቱ፡ "በቲ ተዅሲ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ከምኡ ዝበሃሉ ዕጡቓት የለዉን፡" ክብል ክሒዱ።

ቢቢሲ፡ ንሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ብርጋዴር ጀነራል ፍስሃ ኪዳነ (ማንጁስ)፡ ብዛዕባ እቲ ብመንግስቲ ክልል ዓፋር ዝቐረብ ክሲ ብስልኪ ዝሓተተ ኰይኑ፡ "ኣብ ዓፋር ሓንቲ ቦታ ኣቲና ኣይተቘፃፀርናን፡" ብምባል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዝቐረበ ክሲ ነፂጉ።

"ዝዀነ ግጭት ኣየበገስናን፣ ከምዚ ዝበለ ድልውነት'ውን የሎን፡" ይብል ብርጋዴር ጀነራል ፍስሃ። እኳ ደኣስ፡ "ሓይልታት ዓፋርን ሓይልታት ሓራ መሬትን ተደጋጋሚ ትንኮያ፡" ከም ዘካየዱ መሊሱ ከሲሱ።

"ኣብ ዓፋር ዝርከቡ ሓይልታት 'ሓራ መሬት' ምስ ሓይልታት ዓፋር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣካይዶም እዮም። እቲ ዝወረደ ጕድኣት ንፈልጦ ኢና። እቲ ዝወረደ ጕድኣት ግን ንሚድያታት ክንገልፆ ኣይንደልን ኢና፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, sm

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት 'ሓራ መሬት' ትግራይ

ብርጋዴር ጀነራል ፍስሃ፡ "ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ተፈፂሙዎም፡" ዝበሎም ከባብታት፡ "ምላዛት"፡ "ኣኻዛ"፡ "ደሳኣ"፡ "ወጀራት"ን "ገረብ ኣገው"ን ዝበሃሉ ከባቢታት እዮም።

ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት 23 ጥቅምቲ 2018 [ግ]፡ "ኣብ ገረብ ኣገውን ደደርባን ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ትንኮያታት ነይሮም፤ ጕድኣት ድማ በፂሑ'ዩ፡" ክብል ከሲሱ።

"ብሓቂ ክንዛረብ እንተዄንና፡ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ንገለ ከባቢታት ትግራይ ይቈፃፀር ምህላዉ ንፈልጥ ኢና፣ እንተዀነ ግን 'ግጭት ኣየድልን'ዩ' ኢልና ሓሲብና። ነዚ ንህዝብና ክንገልፆ ኢና፡" ክብል ወሲኹ ገሊፁ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ "ዓርሰ ምክልኻል" ስጕምትታት ከም ዘይወሰደ ይዛረብ።

"ዓርስና ክንከላኸል ንኽእል ነይርና፡ ግን ኣይገበርናዮን። ኣብ ዘለናዮ ኴንና፡ ካብ ምክልኻል ሓሊፍና ካልእ ኣማራፂ የብልናን፡" ክብል ንሓይልታት ትግራይ ተኸላኺሉ።

ብርጋዴር ጀነራል ፍስሃ፡ "ስምምዕ ፕሪቶርያ ፈሪሱ ክሳብ ዘይተባህለ፡ ኣኽቢርና ክንቅፅሎ ኢና ንደሊ፡" ኢሉ።

መንግስቲ ክልል ዓፋር ነዚ ክሲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘቕረበ፡ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ክልል ትግራይን ኣብ ሓድሕዶም ተሪር ክስታት ኣብ ዘቕርብሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

ብሰንበት 23 ጥቅምቲ 2018፡ ሳልሳይ ዓመት ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምዝካር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ "ካልእ ዙርያ ኲናት ንምፅሕታር ብንጹር ይንቀሳቐስ ኣሎ፡" ክብል ከሲሱ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ "ህዝቢ ትግራይ ንሓድሕዱ ንኽዋጋእ፡ ዕጡቓት ይምልምል፡ የሰልጥንን ይውድብን ኣሎ፡" ክብል ከሲሱ።

ኤታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ምንጪ ስእሊ, EBC/SCREENSHOT

መግለጺ ስእሊ, ኤታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ድሕሪ ወዕል ፕሪቶርያ ዝወስዶም ዘሎ ተግባራት፡ ናብ ኲናት ንምእታው እኹል ምኽንያት ከም ዝዀኑ ተዛሪቡ።

እዚ ኣዛዚ ነዚ ክስታት ዘቕረበ፡ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ትግራይ ኲናት ክውላዕ መንቀሊ ኰይኑ ዝጥቀስ ኣብ ልዕሊ 'እዚ ሰሜን' ተፈፂሙ ዝበሃል መጥቃዕቲ ንምዝካር ትማሊ 24 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ኣብ ዝተሰናድአ መድረኽ እዩ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ "ህወሓት ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ጀሚሩ ዝፈፀሞም ተግባራትን ተንኮላትን ልዕሊ ዓቕሚ እዮም፡" ኢሉ።

ምስ ኤርትራ 'ፅምዶ' ብዝብል ዝካይዶ ዘሎ ዘይሕጋዊ ርክባት፡ ተመዛበልቲ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘይምፍቃድ፡ ዕጡቓት ምስልጣንን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጕጅለ [ፋኖ] ምድጋፍን ከም ኣብነት ኣልዒሉ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገፁ ኣብ ዝዘርግሖ ሓፂር ፅሑፍ፡ እቲ "ድሑር ጕጅለ፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ናብ ግጭት ጐቲቱ ከእቱ ይፍትን ኣሎ፡" ክብል ከሲሱ።

እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር፡ እቲ ጕጅለ "ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምፍራስ ኵሉ ዓይነት ምልዕዓል ፈቲኑ፣" ሕጂ ድማ "ብወገን ዓፋር ነገራት የለዓዕል ኣሎ፡" ክብል ከሲሱ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ትንኮያታት፡ "ብትእዛዝ ሓለፍቶም ዝካየድ ዘሎ ውዲታዊ ኣጀንዳ እዩ፡" ኢሉ።