ናይ ብሕቲ ከሸንትን ኣገልግሎት ድርዞን ዘቕርብ መተግበሪ

ኣየርቢኤንቢ ኣብ ዓለም ካብቶም ዝለዓለ ብዝሒ ተጠቀምቲ፣ ዓማውልን ኣባላትን ዘለዉዎም መተግበሪታት ሓደ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዓለም መዕረፍ ኣጋይሽን ትራንስፖርትን ዝኣመሰሉ ንመገሻ ኣዝዮም ወሰንቲ ዝዀኑ ኣገልግሎታት ዝህብ ኰይኑ፡ በዚ ድማ ኣብ ዓለም ብሰፊሑ ይፍለጥ።

እቲ ኣስታት ክልት ቢልዮን ተጠቀምቲ ከምዘለዉዎ ዝንገር መተግበሪ፡ ካብቲ ዝፍለጥን ስሩዕ ዝዀነ ንጥፈታቱን ወጻኢ፡ ሓደ ትጽቢት ዘይተግበረሉን ዘይተለምደን ኣገልግሎት ንኽህብ ተዳልዩ ኣሎ።

ነዚ ድማ፡ እቲ መተገብሪ ኣሰራርሓኡ ከሓድሶ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ከም ብሓድሽ ንዓማዊሉ ክህብ ወጢኑዎ ዘሎ ኣገልግሎት ድርዞ [ማሳጅ] ኰይኑ፡ ከምኡ'ውን ዓማዊል ናይ ብሕቲ ከሻኒ ክረኽቡ ክሰርሕ እየ ይብል።

ብፍላይ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተጠላብነቱ እናወሰኸ ዝመጽአ ኣገልግሎት ማሳጅ ዝህብ ናይ ብሕቲ ሰብ-ሞያ ከቕርብ እየ ምባሉ ኣዛራቢ ገይርዎ ዘሎ እዩ።

በዚ መሰረት፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ተጠቀምቲ ካብቲ ቀንዲ ናይ ሓጺር ግዜ ክራይ ንግዲ ወጻኢ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብቲ ዳግማይ ዝተሓደሰ መተግበሪ፡ ከም ውልቃዊ ኣሰልጠንቲ፡ ማሳጅን ከሸንትን ዝኣመሰሉ ምቾት ዝፈጥሩ ኣገልግሎታት ቀዲሞም መደብ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ይገልጽ።

"ሰባት ንኣገልግሎታቶም ሆቴላት ይመርጹ። ነቲ ቦታ ድማ ኣየርቢኤንቢ ይመርጹ፡ ሕጂ ካብ ክልቲኡ ዓለም ዝተወሃሃደ ዝበለጸ ኣገልግሎት ንህበኩም ኣለና" ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኩባንያ ብራያን ቸስኪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣየርቢኤንቢ ብፍላይ ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣመሰሉ ሃገራት ኣፍሪቃ ገና ብዙሕ ዘይተለምደ'ኳ እንተዀነ፡ ብፍላይ ኣብ ከም ከተማ ኣዲስ አበባ ኣገልግሎት እዞም ኣገልግሎታት ማሳጅ ኣዝዮም እናሰፍሑ ይመጹ ከምዘለዉ ይእመን።

ምዝሕሓል ዘስዕቡ ዘለዉ ፖሊሲታት

እዚ ሓሳብ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ዘይግመት ፖሊሲታት ንግዲ ንስምዒት ተጠቀምቲ ኣብ ዝትንከፈሉ ዘሎ እዋን ዝመጽእ ዘሎ ዀይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ፡ ድሌታት ተጠቀምቲ ክዝሕትል ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ድሌታትን ሸውሃትን ተጠቀምቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ዝፈጥሩ ፖሊሲታት ዕላዊ ኣብ ዝዀንሉ ድሕሪ ሰሙናት ጥራይ እዩ።

ኣየርቢኤንቢ፡ ኣብ 2008 ስራሕ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ኣጋይሽ ከምዘአንገደ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ግን ገለ ካልኦት ብድሆታት'ውን ኣጋጢምዎ እዮም።

እዚ ድማ፡ ብፍላይ ገለ ከተማታት ንኸምዚ ዓይነታት ኣገልግሎታት ንምእጋድ ይንቀሳቐሳ ብምህላወን እዩ።

ሓድሽ ኣገልግሎት ኣየርቢኤንቢ ኣብ መጀመርታ ኣብ 260 ከተማታት ክቐርብ ምዃኑን፡ እቲ ኩባንያ ድማ ካብ ትሕቲ 50 ዶላር ጥራይ ክሓትት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

እቶም ስፓ ሕክምናታት [ሰፓ ትሪትመንት]፡ ኣገልግሎታት ስእልን ቀረጻን ከምኡ'ውን መመላኽዒ ዘጠቓልል ምቾት ዝህቡ ኣገልግሎታት ምቕራብ ከምዝዀነ እዩ ዝንገር።

እቲ ኩባንያ ከምዝብሎ፡ መደቀሲ ዘይሕዙ ሰባት እውን እቲ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዘኽእል እዩ።

እቲ ዝተሓደሰ መተግበሪ [ኣፕ] ብተወሳኺ ዝተመሓየሸ ተመኵሮታት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ተጠቀምቲ ብድሌቶም ዑደታትን ንጥፈታትን ክሕዙ የኽእሎም።

እንታይ እዩ ኣበጊሱዎ?

ኣገልግሎት ኣየርኤኤንቢ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2016 እዩ ተጀሚሩ።

እዚ ሓድሽ ሆቴል-ዝመስል ዓይነት ኣገልግሎት ግን፡ ነቲ ዝቕየር ዘሎ ድሌታት በጻሕቲ ዘንጸባርቕ ምዃኑ፡ ዳይረክተር ትካል ዕዳጋ ጉዕዞ ቸክ-ኢን ኤስያ ጋሪ ቦወርማን ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ገያሾ ሕጂ ጻንሒቶም ከመይ ጌሮም ንባዕሎም ከም ዝጥዕሞም ምግባር ዝያዳ ይሓስቡ ኣለዉ፤ ሎሚ እቲ ዝተለምደ ናብቲ ዝደልዩዎ ብኸመይ ከም ዝበጽሑን ኣበይ ከም ዝሓድሩን ጥራይ ኣይኰነን ዘገድሶም።"

ካልእ ፍሉይነት ናይዚ ሓድሽ መተግበሪ፡ 'ኦሪጀናልሰ ታብ' ዝበሃል ኣገልግሎት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ፍሉይ ተመኵሮታት የቕርብ።

እዚ ድማ ንኣብነት፡ ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ምስ ኦሎምፒካዊ ካሮል ሶልበርግ ናይ ገማግም ባሕሪ ቮሊቦል ምጽዋት ወይ ድማ ሰንበትካ ምስ ሱፐርስታር ሃገራዊ ሊግ ኩዕሶ እግሪ ፓትሪክ ማሆምስ ምሕላፍ የጠቓልል።

በጻሕቲ ዓዲ ኣብ እዋን መገሻኦም ካብቲ ዝተለምደ ስሩዕ ተመኵሮታት ወጻኢ ተወሰኽቲ ኣገልግሎታት ኣብ ዝደልዩሉ ዘለዉ እዋን እዩ ዝምጽእ ዘሎ ትብል፡ ኣማኻሪት ምቾት ጕዕዞ ኣናስታስያ ኦሪዮርዳን።

"ከምዚ ዝኣመሰለ ብፍቓድ ዝተዳለወ ኣማራጺታት ኣካል ናይቲ እናዓበየ ዝምጽእ ዘሎ ድሌታትን ዝንባለታትን ዓሚውል እዩ።"

"ብዙሓት ሰባት ዝተጓዕዙን ብዙሕ ሓድሽቲ ነገራት ዝፈተኑን ሰባት ኣለዉ፤ እቲ መዐቀኒ ወይ ንፍሉይ ተመኵሮታት ድሌታት ዘማልእ ኣገልግሎት ምቕራብ ካብዚ ዝንባለታት ዝምንጩ እዩ።"