እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ነታንያሁ ምስ ኢራን ዘካየዶ ውግእ፡ ካብ እስራኤላውያን እምነት ይረኽበሉዶ ይኸውን?
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ መጋቢት ርኡይ ለውጢ ንዝነበሮ መስርሕ ምቍራፅ ተዅሲ ክሕሰሞ እንከሎ፡ ገለ ተንተንቲ ምስ "ፖለቲካዊ ርእሰ ቅትለት" ዝመሳሰል ውሳነ ከም ዝወሰነ ገሊፆም ነይሮም።
ብፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍ ዝተዋደደ ስምምዕ ምቍራፅ ተዅሲ ቓዛ፡ ኣማኢት ፍልስጤማውያን እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ንኽፍትሑ፡ ብሓማስ ጅሆ ዝተትሓዙ ብዙሓት እስራኤላውያን ድማ ንኽልቀቑ ኣኽኢሉ'ዩ።
እቲ ዘተ ብኲናት ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ብዙሓት ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያን ናብ ገዛኦም ምምላስን ወተሃደራት እስራኤል ካብ ቓዛ ቀስ ብቐስ ምውጻእን፡ ዝስዕብ ስጕምቲ እቲ ልዝብ ንክኸውን መደብ ነይሩ።
ብኲናት ዝረብረቡ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን፡ ኣብ ሓባራዊ ታሪኾም ኣዝዩ ኣዕናዊ ዝኾነ እዚ ኲናት ዝግትአሉ እዋን የስተንትኑ።
ቤንጃሚን ነታንያሁ ግን፡ እቲ ኲናት ከብቅዕ ኣይደለየን።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ መላእ ቓዛ ዝካየድ መጥቃዕቲ ንኽቕፅል ኣብ ዝኣዘዘሉ እዋን "ሓማስ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝጠፍእ" እቲ ኲናት ደው ከምዘይብል ኣፍሊጡ።
ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ዝተትሓዙ ግዳያት ብሰላም ምምላስ፡ ካልኣዊ ጉዳይ ይመስል። ጉድኣት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ቓዛ፡ ፍፁም ኣይተጠቐሰን።
ብዙሓት እስራኤላውያን ብፍላይ ድማ ስድራ ግዳያት በዚ ሓሪቘም እዮም።
ነታንያሁ፡ ልዕሊ ደሕነት ኣዝማዶምን ሃገርን፡ ንፖለቲካዊ ህልውናኡ'ዩ ዘቐድም ብምባል ድማ ከሲሶም።
ብመለክዒ ርእይቶ ህዝቢ፡ ተቐባልነት ነታንያሁ ዝወረደ ኰይኑ፡ ካብ ሕሉፋት የማናውያንን ኦርቶዶክሳውያን ውድባትን ዝዀኑ ኣኽረርቲ ሚኒስተራት ዝቘመ መንግስቲ ከይፈርስ ተቓሊሱ እዩ።
ኣብዚ እዋን ነታንያሁ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ነዊሕ እዋን ፀላኢቶም ዝዀነት ኢራን ብዝረኸቦ መስተንክራዊ ወተሃደራዊ ዓወት፡ ኣብ ባሕሪ ምስጋናን ኣድናቖትን ተዋሒጡ ይርከብ።
ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብዚ እዋን፡ ኣቐዲሙ መረፃ ንምክያድን ንካልእ ዙር ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት ንምጭባጥን፡ ብስሩዕ የስተንትን ከም ዘሎ ይግለፅ ኣሎ።
ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ እቲ ወዲ 75 ዓመት ኔታንያሁ፡ ሕጂ'ውን ዝውድኦም "ብዙሕ ተልእኾታት" ከም ዘለዎን፡ ድሌት ህዝቢ እስራኤል ክሳብ ዝኾነ ነዚ ክዓምም ከም ዝደሊን ተዛሪቡ።
ንዕንወት መደብ ንዩክሌር ኢራን "ዘይሕለፍ ዕድል" ብምባል ነታንያሁ፡ "ሓራ ምውፃእ ጅሆታትን ስዕረት ሓማስን" ንሱ ጥራይ ከም ዘረጋግፆ ኣአንፊቱ።
ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኣከበ ድምፂ ህዝቢ፡ ነታንያሁ ኣብቲ ምስ ኢራን ን12 መዓልታት ዘካየዶ ኵናት ከም ባህጉ ገዚፍ "ተፈታውነት" ኣይረኸበሉን።
ስለዝዀነ ድማ ካብቲ ስሩዕ ግዜ ወፃኢ ኣቐዲምካ መረፃ ምክያድ፡ ዘስዕቦ ሓደጋ ዓቢይ'ዩ።
'እምነት'
120 ወናብር ኣብ ዘለዎ ባይቶ እስራል ልፍንቲ ምፍጣር ወሳኒ ኣብ ዝዀነሉ ዝተበታተነ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ንነታንያሁ፡ ውድብ ሊኵድ ንበይኑ ዓብላሊ ድምፂ ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን።
ስለዝዀነ ድማ፡ ምስ የማናውያን ንኣሽቱ ውድባት ድጋፍ ምእካብ ወይ ልፍንቲ ክፈጥር ከም ዘለዎ፡ ኣብ ጋዜጣ 'ማኣሪቭ' ዝዝተዘርግሐ እዋናዊ ርእይቶ ህዝቢ የመልክት።
ካልእ ተመሳሳሊ ርእይቶ ህዝቢ'ውን፡ 59 ሚእታዊት እስራኤላውያን ሓራ ንዝወፅኡ ጅሆታት መተካእታ፡ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕጂ ደው ክብል ይደልዩ።
ካብቶም ዝተሓተቱ እቶም 49 ሚእታዊት፡ ነታንያሁ ነቲ ኲናት ይቕፅለሉ ዘሎ እንኮ ምኽንያት፡ ንናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ረብሓ ከም ዝዀነ እዮም ዝኣምኑ።
ላዕለዋይ ተመራማሪ ኢንስቲትዩት ዲሞክራሲ እስራኤል ፕሮፌሰር ታማር ሄርማን፡ "እዚ ሰብኣይ ኣዝዩ ንፉዕ ተዋስኣይ ፖለቲካ'ዩ። ከምኡ ዝሰልጠነ ፖለቲከኛ ኣብ እስራኤል የለን፡" ይብል።
እንተዀነ፡ "እምነት" ንነታንያሁ ዓብይ ፀገም ከም ዝኾነ ይገልፅ።
ልጓም ስልጣኑ ንምጥባቕ፡ ብዙሕ ግዜ እምነታቱ ዝቐያይር ፖለቲካዊ መራሒ፡ ብኣብዝሓ እስራኤላውያን ኣይእመንን።
ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብፕሮፌሰር ሄርማን ወግዓዊ ክግበር ምዃኑ ተነጊሩ ዘሎ፡ ሓድሽ ርእይቶ ህዝቢ፡ ነታንያሁ፡ "እስራኤላውያን ብእኡ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ዘለዎም እምነት ኣብ ምግላፅ፡ ካብ 50 ሚእታዊት ዝዘለለ ድጋፍ ኣይረኸበን።"
ፕሮፌሰር ሄርማን፡ ኣቐዲምካ መረፃታት ንምክያድ ምውሳን (ንነታንያሁ) ንኢራን ልዕሊ ምጥቃዕ ዝበለፀ ሓደጋ ከም ዝኾነ እዩ ዝገልፅ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ሽድሽተ ኣዋርሕ ውሽጢ ኣበይ ከም ትኸውን ምፍላጥ ዘይከኣለሉ ዘይተገማቲ ኵነታት ምዃኑ የረድእ።
ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝገበሮ ወተሃደራዊ ጠላዕ ፅቡቕ'ኳ እንተመሰለ፡ ኣብ ጠረጴዛ ነንታያሁ፡ ኵሉ ሰብ ዝርእዮ ግን ድማ ዘይዝረበሉ ዓብይ ፀገም ኣሎ።
እቶም ብዙሓት ተደራረብቲ ፀገማት ነታንያሁ፡ ዳግማይ ኣብ መንበር ስልጣኑ ንክቕፅል ንዘለዎ ተስፋ ዘፀልምቱ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ክስታት ብልሽውና
ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ነቲ ንጉቦን ምትላልን ሓዊሱ ዝቐረበሉ ክሲ ከቢድ ገበን ብልሽውና ምላሽ ክህብ ተታሒዙ ዝነበረ ቈጸራ ንኻልእ እዋን ተመሓላሊፉ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጽዑቕ መደባት እዩ ዘለኒ ብዝብልን ብፍሉይ ኣዋጅ እዋን ሓደጋን (ኲናት እስራኤል ኢራን)፡ ንመጋባእያ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እንደገና ንምድንጓይ ዝገበሮ ፈተነ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ተነፂጉ ነይሩ።
ነታንያሁን ደገፍቱን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብልሽውና፡ "ንዕኡ ካብ ስልጣኑ ክኣልይዎን ክብሩ ክድውኑን ብዝደልዩ ፖለቲካዊ ፀላእቱ ዝተበገሰ እዩ" ብምባል ብተደጋጋሚ'ኳ እንተገለፁ፡ ኣብታ ብፖለቲካዊ ፍልልይ ዝተዓብለለ ህዝቢ ዘለዋ እስራኤል ዘለዉ ተቓወምቱ ግን፡ ነታንያሁ ንዝተሓተተሉ ክሲ ፍርዲ ክወሃቦ ወሲኖም እዮም።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣጋጢምዎ ዘሎ ፈተነታት ሕጊ ደንጕዩ ዝተረድአ ዝመስል ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነታንያሁ "ጅግናን ተዋጋኣይን'ዩ" ኢሉ ብምንኣድ፡ ጉዳይ ቤት ፍርዲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ "ብህፁፅ ክስረዝ" ወይ ይቕረታ ክግበረሉ ይግባእ ኢሉ።
እንተዀነ ትራምፕ፡ ቅድሚ ምጅማር ስምምዕ ምቍራፅ ተዅሲ ኢራን፡ ነታንያሁ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል እዩ ብምባል ከም ዝዘለፎ ይዝከር።
ብዙሓት እስራኤላውያን፡ ናይ ሕጂ ኢድ ኣእታውነት ትራምፕ ጥበብ ዝጐደሎን ዘይረብሕን ከም ዝኾነ እዮም ዝገልፁ።
መራሒ ተቓዋሚ ያየር ላፒድ፡ "ኣብ መስርሕ ሕጊ ነፃ ሃገር ኢዱ ከእቱ የብሉን" ኢሉ።
ዋላ'ኳ ነባራት ጀነራላት ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝከኣሎ ዅሉ ከም ዘዐወተ እንተገለፁ፡ብዙሓት እስራኤላውያን ግን፡ ነታንያሁ ንኲናት ቓዛ ብምንዋሕ፡ ንዓለምለኻዊ ምስሊን ቍጠባን እስራኤል ከም ዝጐድአ ይኸስዎ።
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ኣብ ቓዛ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ከም ዝተፈፀሙ ብምግላፅ፡ ኣብ ልዕሊ ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ዮኣቭ ጋላንትን ዘውረዶ ትእዛዝ ማእሰርቲ ሕጂ'ውን ኣየልዐሎን ዘሎ።
ኣብ ኲናት እስራኤል ቓዛ፡ ልዕሊ 55 ሽሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም እዮም።
መንግስቲ እስራኤል፡ ምስ ነታንያሁን ጋላንትን ብምዃን፡ ነቲ ብዓለምለኸ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ዝቐረበ ክሲ ኰኒንዎ እዩ።
ኣብ መወዳእታ መብዛሕትኦም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኲናት ቓዛ ኣብ ዝቐፀለሉን ኵሎም ጅሆታት እስራኤል ሓራ ኣብ ዘይወፅእሉን፡ ኣብ እስራኤል ሓድሽ መረፃ ክካየድ ምሕሳብ ከቢድ እዩ ይብሉ።
እንተዀነ፡ ብዙሓት ተቓወምትን ነቐፍትን፡ ንዓመታት ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣየድልን እናበሉ'ኳ እንተፀንሑ፡ ዝስዕብ ስጕምቲ ነታንያሁ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማት ከም ዘይኽእሉ ግን ተማሂሮም እዮም።