እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤሎን ማስክ፡ ንምንታይ'ዩ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ግንዖ ክወሃቦ ተወሲኑ ዘሎ?
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ተስላ ኤሎን ማስክ፡ ክብረወሰን ዝሓዘ ሓደ ትሪልዮን ዶላር (760 ቢልየን ፓውንድ) ግንዖ ክወሃብ እዩ።
ወነንቲ ተስላ፡ ማስክ ንዝተቐመጡ ሸቶታት እንድሕር ኣዐዊቱ ነዚ ግንዖ ክህቡ ንዝቐረበ እማመ ኣፅዲቖም ኣለዉ።
እዚ እማመ ብ75 ሚእታዊት ድምፂ ዝጸደቐ ዀይኑ፡ ተሳተፍቲ እቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ተስላ፡ ብድሙቕ ድጋፎም ገሊፆም።
እቲ ቁፅሪ ሓደ ሃብታም ዓለምና ዝኾነ ማስክ፡ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት ንጠቕላላ ዋጋ ናይቲ መፍረይ ኤሌክትሪክ መኪና ተስላ፡ ኣዝዩ ከበርኾ ትፅቢት ይግበር።
ኤሎን ማስክ፡ እዚን ካልኦት ሸቶታትን ምስ ዘዕውት ድማ፡ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቑፀር ኣክስዮናት ክሽለም እዩ።
ቦርድ ተስላ እዚ እማመ እንተዘይፀዲቑ፡ ማስክ ነቲ ኩባንያ ራሕሪሑ ክወፅእ ከምዝኽእል ብምግላፅ ተኻቲዖም እዮም።
ኣብ ኦስቲን ቴክሳስ እዚ ውሳነ ወግዓዊ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኤሎን ማስክ ናብ መድረኽ ብምውፃእ ነዚ ክብረወሰን ዝሓዘ ውሳነ ፀንቢልዎ።
ኤሎን ማስክ፡ "እዚ እንጅምሮ ዘለና ንእሽተይ ምዕራፍ ተስላ ጥራሕ ዘይኰነስ ሙሉእ ብሙሉእ ሓድሽ መፅሓፍ እዩ" ብምባል፡ ዓብይ ለውጢ ከም ዝኾነ ገሊፁ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ዝበዝሑ ናይ ካልኦት ትካላት ኣኼባታት መሰልቸውቲ እዮም። ናትና ግና ዘደንቑን ዘሐጉሱን'ዮም። ነዚ ረኣይዎ እሞ፡ ዘደንቕ እዩ" ኢሉ።
ማስክ፡ ጠቕላላ ዋጋ ተስላ ካብ ዘሎ 1 ነጥቢ 4 ትሪልዮን ዶላር ናብ 8 ነጥቢ 5 ትሪልዮን ዶላር ከበርኾን፡ ብዘይ መራሒ ብባዕለን ዝንቀሳቐሳ ናይ ንግዲ መኻይን (ታክሲ) ናብ ዕዳጋ ምስ ዘቕርብን እዩ፡ ነዚ ግንዖ ኽረክብ።
ኤሎን ማስክ ቅድም'ውን ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ብኪነታዊ ብልሒ [ኤኣይ] ዝዓምሙ ሮቦታት 'ኦፕቲመስ ሮቦት' ምዝራቡ፡ ነቶም ኣብ መሸጣን ንግድን ኤሌክትሪክ መኻይን ተስላ ከተኵር ዝደልይዎ ተንተንቲ ዘቖጥዐ እዩ ነይሩ።
ተንታኒ ፋይናንስ ጂን ሙንስተር፡ "ማስክ ኣብዚ እዋን ኣብ ምንታይ ከም ዘድህብ ተዓዘቡ" ብምባል ፅሒፉ ነይሩ።
ድሒሩ፡ ማስክ ብዛዕባ ንስርዓት እተን ብዘይሰብ ዝንቐሳቀሳ ዓይነት መኻይን ተስላ 'ኤፍኤስዲ' ብምፅራሕ፡ ሰባት ሞባይሎም ክጥቀሙ ዘኽእል "ዳርጋ ውሑስ" ከም ዝኾነ ገሊፁ።
ተቖፃፀርቲ ድሕነት ተሽከርከርቲ አመርካ፡ ብዘይ መራሒ ሰብ ዝሽክርከራ መኻይን ተስላ ሓደጋ ኣጋጢምወን፡ ሞትን ጉድኣትን ምውራዱ ስዒቡ፡ ውሑሳት ምዃነን ምርመራ የካይዱ ኣለዉ።
ኤሎን ማስክ ኣብዚ እዋን 13 ሚእታዊት ብፅሒት ተስላ ይውንን። ቅድሚኡ ኣባላት ቦርድ ንማስክ ግንዖ ንምሃብ ኣብ ዝወሰንሉ፡ ዳኛ ግዝኣት ዴላዌር እቶም ኣባላት፡ ምስ ኤሎን ማስክ ምትእሳሰር ከም ዘለዎም ብምኽሳስ፡ ከይኽፈሎ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር።
ቴስላ ከም ኮርፐሬሽን ዝተመዝገበሉ ቦታ ካብ ዴላዌር ናብ ግዝኣት ቴክሳስ ዝቐየረ ክኸውን እንከሎ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዴላዌር እቲ ፍርዲ ብግቡእ ዝተውሃበ ምዃኑ ይምርምር ኣሎ።
ነዚ ንማስክ ሓደ ትሪልየን ዳላር ግንዖ ናይ ምሃብ ውሳነ፡ ሃገራዊ ኢንቨስትመንት ፈንድ ኖርወይን (Norway's sovereign wealth fund) ፈንድ ጡረታ ሰራሕተኛታት ካሊፎርንያን (CalPERS) ዝነፀግዎ እንትኾኑ፡ እዚ ድማ ማስክ ብፅሒት ተስላ ኣብ ዝዓደጉ ውልቀሰባት ጥራሕ ክድረኽ ኣገዲድዎ።