ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም ተባሂሉ

ዕጡቓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ዝተፈላለየ ጸጥታዊ ምርግጋእ ዝተሓረሞ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ትካል ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ 200 ሲቪላውያን ከምዝተቐትሉ ጠቒሱ።

እቲ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ መስከረም ዝሸፈነ መጽናዕቲ ነቶም ኣብ "ዘተሓሳስቡ ኮይኖም ዝቕጽሉ ዘለዉ" ዝበሎም ጉዳያት ዘተኮረ'ዩ።

"ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ኣብ ከባቢታት ግጭት ዝስዕብ ሞት ሲቪላውያን፡ ኣካላዊ ጉድኣት" ጠመተ ዝገበረ መርመራ ምንባሩ'ውን እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ'ሎ።

እቲ ጸብጻብ ንሓሙሽተ ክልላት ዝሽፍን ኮይኑ፡ እቲ ዝበዝሐ ካብዞም ዝተጠቕሱ ከበድቲ ምግሃስ ዝተራእየሉ ክልል ኣምሓራ ምዃኑ የመልክት።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ኣባላት ማሕበረሰብ ኣገው ዝነብርሉ ከባቢታት ምዕራብ ጎንደር ዕጡቓት ፋኖ 23 ሲቪላውያን ሰባት ብምጭዋይ ንገሊኦም ከምዝቐተልዎም ይጠቅስ።

ብዘይካ'ዚ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ "ንፋኖ ትድግፉን ትቕልቡን ኢኹም" ብዝብል "ናይ ሕነ ምፍዳይ ስምዒት" ኣስታት 100 "ኣብቲ ግጭት ተሳትፎ ዘይብሎም" ሰባት ከምዝቐተሉ ጸብጻብ ኢሰመኮ ከሲሱ።

እቶም ግዳያት ካብ ገዝኦም ተወሲዶም ከምዝተቐትሉ'ውን እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ'ሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ኣብቲ ኣዊ ዝተባህለ ማሕበረሰብ ዝነብረሉ ዞን፡ ገዛ-ገዛ ኣትዮም ብምፍታሽ፡ "ኣባላት ፈኖ ኢኹም ኢሎም ዝጠርጠርዎም 10 ሲቪላውያን ብጥይት ከምዝቐተሉ ተፈሊጡ'ሎ" ይብል።

ቅንይ ኢሎም ድማ፡ "ብደባይ መጥቃዕቲ ፋኖ መጥቃዕቲ ምስወረዶም"፡ ኣብ ከተማ ቀራኒዮ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም "መቓብር ኣብ ምዅዓት ዝነበሩ 6 ነበርቲን ሓደ ናይ ቀሺ ተመሃራይን ቀቲሎም" ክብል መሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ የረድእ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ'ውን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ 43 ሲቪላውያን ከምዝተቐትሉ እቲ ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኣፍሊጡ'ሎ።

"ኣባላት ዕጡቕ ጉጅለ ኣምሓራ" ኣብ ዞባ ወለጋ፡ ሆሮ ጉድሩ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብዝኸፈትዎ ተዂሲ 22 ሰባት ከምዝቐተሉን ኣርባዕተ ካልኦት ከምዘቚሰሉን ኢሰመኮ ሓቢሩ።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ እቲ ክልል ኣብ ዝርከብ ሸዋ ዞን ብውሕዱ 14 ሰባት ከምዝቐተለ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ እቲ ትካል ይገልጽ።

ኣብ ክልል ጋምቤላ'ውን ሰለስተ ሱዳናውያን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ይርከብ።

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ድማ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ኩሎም እቶም ከባቢታት "ዕንወትን ዝምታን ንብረት፡ ዘይሕጋዊን ዝተናውሐን ማእሰርቲ፡ ስእነት ቅልጡፍ ፍትሒ፡ ግዱድ ምስዋር፡ ጭውያን፡ ምድራት ምንቅስቓስን ኣብ መስመራት መጓዓዝያ ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ገደብን ውሽጣዊ ምፍንቓልን" ዘጠቓለለ'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ካብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር እታ ሃገር ናብ ከቢድ ጸጥታዊ ዘምርግጋእ ምሽማማ ይንገር።

ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ብድሕሪኡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወልዐ ሓድሽ ኲናት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ እናኸፍአ ዝቐጸለ ግጭታት ገለ ካብቶም ዓበይቲ ብድሆታት ጸጥታ እዮም።