ሕጽረት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሰኽ ክፍሊት ለገስቲ ደሪኹ

ንለገስቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ (‘ስፐርም’) ዝኽፈል ገንዘብ ካብ 35 ፓውንድ ናብ 45 ፓውንድ ወሲኹ።

እዚ ወሰኽ 10 ፓውንድ ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ እንግሊዝ፡ ዌልስን ሰሜን ኣየርላንድን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኰይኑ፡ ንለገስቲ እንቋቑሖ ዝወሃብ መተባብዒ እውን ካብ 750 ፓውንድ ናብ 986 ፓውንድ በጺሑ’ሎ።

ኣብ እንግሊዝ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ወይ እንቋቑሖ ንዝልግሱ ምኽፋል ዘይሕጋዊ ስለዝኾነ እቲ ገንዘብ ከም መጓዓዝያን መዕረፊን ዝኣመሰሉ ወጻኢታት ንምሽፋን ብዝብል’ዩ ዝወሃብ።

ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንምልጋስ ኣብ ውሽጢ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘሎ እዋን ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ናብ ክሊኒክ ምምልላስ ከጠቓልል ይኽእል።

ተቘጻጻሪ ፍርያምነት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕጽረት ለገስቲ እንቋቑሖን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ከምዘሎ ብምርግጋጽ፡ ምልጋስ ግን "ዝተሓላለኸ ውሳነ" ምዃኑን ኣዘኻኺሩ።

እቲ ዝውለድ ህጻን ዕድመኡ 18 ዓመት ምስ ኣኸለ ምስ ናይ ስጋ ወለዱ ክራኸብ መሰል ከምዘለዎ’ውን ኣተሓሳሲቡ።

ቢቢሲ ጆሴፍ ኢሉ ዝጠቐሶ ሓደ ለጋሲ ዘርኢ ናብ ክሊኒክ ኣብ ዝኸደሉ ዝወሃቦ 35 ፓውንድ፡ ንዘጥፍኦ ግዜን መጓዓዝያኡን እኹል ከምዘይኮነ ይዛረብ። እንተዀነ ተበግሶኡ ንሰባት ምሕጋዝ ምዃኑ ገሊጹ።

"ኣነ መጻምድቲ ሕደ-ጾታ ዝዀንኩ በዓል ሓዳር እየ። ወድና ድማ ከም ውላድና ነዕብዮ እዩ። ስለዚ ከምቲ መብዛሕትኦም ተጻራሪ ዝጾታኦም መጻምድቲ ዝሓልፍዎ ንቡር መንገዲ ኣይኮንናን ንሓልፍ ዘለና" ይብል።

"ብዙሓት ጸገም ፍርያምነት ዘለዎም መጻምድቲ ተጻራሪ ጾታ ኢኻ ትረክብ። ስለዚ ጸገም ፍርያምነት ዘለዎም ሰባት፡ ሌዝቢያን መጻምድቲ ወይ ውልቀሰብ ስድራቤት ንኽምስርቱ ክሕግዝ እደሊ” ክብል ወሲኹ።

ኣብ እንግሊዝ፡ ዌልስን ሰሜን ኣየርላንድን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቑሖን ንዝለገሱ ዝወሃብ መተባብዒ ድሕሪ 2011 ንፈለማ እዋን’ዩ ወሰኽ ኣርእዩ ዘሎ።

መጠን ካሕሳ (መተባብዒ ገንዘብ) ዘቐምጥ በዓል መዚ ምድቓልን ድቂን ሰብ [The Human Fertilisation and Embryology Authority (HFEA)] እቲ ወሰኽ ገንዘብ ብኸፊል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ ዝተረኣየ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ብምሕባር፡ ግን ከኣ ሰባት ንገንዘብ ክብሉ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ወይ እንቋቑሖ ከይልግሱ ኣጠንቂቑ።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል፡ "ለገስቲ ብጽኑዕ ሕክምናዊ መርመራ እዮም ዝሓልፉ። ካብቲ ዝገበርዎ ልገሳ ዝተወልደ ቈልዓ ድማ 18 ዓመት ምስ መልኦ ንኽረኽቦም ድሉዋት ክዀኑ ኣለዎም" ክብል ኣረዲኡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ለጋሲ ዘርኢ ጆሴፍ በቲ ሓድሽ መጠን ካሕሳ 45 ፓውንድ ሕጕስ ምዃኑ ይገልጽ።

ብዛዕባ’ቲ ኣብ መተባብዒ ገንዘብ ዝተገበረ ወሰኽ ዝተሻቐሉ ጕጅለታት ግን ኣለዉ።

መስራቲት ናይቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ክራይ ማህጸንን ልግሲ ጽግኢን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ነቓፋይ ጎስጓስ ዝገብር ጕጅለ ዝዀነት ሄለን ጊብሰን፡ እቲ ትካል "ዝዀነ ክፍሊት ዘርኢ" ከምዘይድግፍ ትዛረብ።

"ክፍሊት ገንዘብ እናተፈጸመ ንኻልኦት ዝጠቅም ወፈያ ክበሃል ኣይክእልን" ኢላ።

"ኣካላት መንእሰያት ንረብሓ ብዕድመ ዝደፍኡን ዝሃብተሙን መጻምድቲ ይዅኑ ውልቀሰባት ተባሂሉ ዝዕደን ጸጋታት ኣይኰነን። ዝረአ 'ሕጽረት' ለገስቲ እንተሃልዩ፡ ምናልባት ብዙሓት ሰባት ደቆም ብኻልእ ሰብ ክዓብዩ ከምዘይደልዩ ዘንጸባርቕ ክኸውን ይኽእል'ዩ” ክትብል ትምጕት።

ሓደ ካብቲ ንሕጽረት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንምቅላል ዝሕግዝ መንገዲ ካብ ካልኦት ሃገራት ክኣትው ምግባር እዩ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝበዝሕ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ኣመሪካን ደኒማርክን ካብ ዝርከቡ ነዚ ዕላማ ዝቘሙ ባንክታት ከምዝመጽእ በዓል መዚ ምድቓልን ድቂን ሰብ ይገልጽ።

ኣብ ባንክ ስፐርም ለንደን ሓላፊት ስርሒታትን ቤተ-ፈተነን ኒኮል ኔል፡ እቲ ሕጽረት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ዘሎ "ሕጽረት ፍቓደኛታት ሰባት" ዘይኰነስ "ምስ ጸገም ጽሬት" ከም ዝተሓሓዝ ትኣምን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሰባት ዝነብሩሉ ኣገባብ ንጽሬት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክጸልዎ ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ ባንክ ዘርኢ ተባዕታይ ለንደን ካብቶም ለገስቲ ክዀኑ ዘመልክቱ ሰባት ውሑዳት ሚእታዊት ጥራይ ክቕበል ከምዝኽእል ገሊጻ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ለገስቲ ዘርኢ ዕድመኦም ካብ 18 ክሳብ 45 ዓመት ክዀኑ ኣለዎም።

"ምናልባት ቅድሚ 20 ዓመት ዝበዝሑ ለገስቲ ተምሃሮ ክዀኑ ይኽእሉ ነይሮም። ሕጂ ግን ዝሓሸ ውህደት ሰባት ዘሎ ኰይኑ ይስመዓኒ፤ ምኽንያቱ መኻንነት ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ኣርእስቲ ስለዝዀነን ኣብ ዙርያኡ ግንዛበ ስለዝወሰኸን ይመስለኒ" ትብል።

ወሲኻ፡ "እቲ ኣብ መወዳእታ ለጋሲ ዝኸውን ብዛዕባ’ቲ ዝገብሮ ዘሎ ብዝሓሸ ዝግንዘብ ሰብ'ዩ ዝመስለኒ። እቲ ገንዘብ ዝረኽበሉ ቀሊል መገዲ ዘናዲ ተምሃራይ ኣይኰነን ዝልግስ" ክትብል ተረድእ።