ሸኽ ሓሲና፡ ትእምርቲ ዲሞክራሲ ነይራ ምልካዊ ስርዓት ዝሃነጸት መራሒት

ቀዳማይቲ ሚኒስተር ባንግላድሽ ሸኽ ሓሲና ዋዘድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስልጣና ለቒቓ ካብ ሃገር ዝሃደመት ቀዳማይቲ ሚኒስተር ባንግላድሽ ሸኽ ሓሲና ዋዘድ

ቀዳማይቲ ሚኒስተር ባንግላድሽ ሸኽ ሓሲና ዋዘድ፡ እቲ ብተምሃሮ ዝጀመረ ተቓውሞታት ናብ ደማዊን ሃገርለኸ ናዕቢን ድሕሪ ምቕያሩ፡ ስልጣና ብምልቃቕ ካብ ሃገር ሃዲማ ኣላ።

እታ ጓል 76 ዓመት ፖለቲከኛ፡ ብሰኑይ 05 ነሓሰ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካ ኣብ ዝርከብ መንበሪኣ ኣብ ዝወርሩሉ እዋን እዩ፡ ብነፋሪት ናብ ህንዲ ከምዝሃደመት ጸብጻባት ዝሕብሩ።

እዚ ድማ፡ ንግስነት ናይታ ካብ 2009 ጀሚራ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐትን ብድምር ንልዕሊ 20 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓትን ቀዳማይቲ ሚኒስተር ባንግላድሽ ዘብቀዓሉ ህሞት ኰይኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቍጠባዊ ምዕባለ እታ ደቡብ ኤስያዊት ሃገር ሓፍ ብምባል ዝተናእደት ሸኽ ሓሲና፡ ፖለቲካዊ መገዳ ዲሞክራሲያዊት ኰይና እያ ጀሚራቶ ነይራ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምልካዊ ስርዓት ብምህናጽ፡ ዝዀነ ይዅን ተቓውሞ ክትጭፍልቕን ክተወግድን ተራእያ።

ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ ማእሰርቲ፡ ምስዋር፡ ብሃበ-ተረኽብ ዝፍጸም ቅትለትን ካልእ ግህሰትን ኵሉ ምልክት ግዝኣታ ዀይኑ።

ኣብ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ በቶም ቀንዲ ተቓወምቲ ዝተነቕፈ መረጻ፡ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኰይና ንራብዓይ ግዜ ምዕዋታ ኣዊጃ።

ንምዃኑ፡ ሸኽ ሓሲና ከመይ ኢላ ናብ ስልጣን መጺኣ?

ኣብ 1947 ኣብ ምብራቕ ቤንጋል ካብ እትርከብ እስላማዊት ስድራቤት ዝተወልደት ሓሲና፡ ኣብ ደማ ፖለቲካ ኣትዩዋ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቦኣ ሃገራዊ መራሒ ሸኽ ሙጂቡር ራሕማን፡ "ኣቦ ሃገር" ባንግላድሽ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ 1971 ነታ ሃገር ካብ ፓኪስታን ናጻ ኣውጺኡ ፈላማይ ፕረዚደንት ዝዀነ እዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ወ/ሮ ሓሲና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዳካ ከም መራሒት ተምሃሮ ኰይና ዝና ክትረክብ ጀሚራ።

እንተዀነ፡ ኣቦኣ ምስ ዳርጋ ኵሎም ኣባላት ስድራኡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ 1975 ተቐቲሉ።

ወ/ሮ ሓሲናን ንእሽቶ ሓፍታን ጥራይ እየን ኣብቲ እዋን ናብ ወጻኢ ሃገራት ገይሸን ስለዝነበራ ብህይወት ዝተረፋ።

ሓሲና ኣብ ህንዲ ኣብ ስደት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1981 ናብ ባንግላድሽ ተመሊሳ፡ መራሒት ናይቲ ኣቦኣ ዝጠጀኦ ፖለቲካዊ ውድብ ኣዋሚ ሊግ ኰይና።

ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ምሕደራ ጀነራል ሑሴን መሓመድ ኤርሻድ፡ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ብምትሕብባር ኣብ ጐደናታት ተቓውሞታት መሪሓ።

በቲ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ወ/ሮ ሓሲና ቀልጢፋ ሃገራዊት ትእምርቲ ኰይና። ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1996 ተመሪጻ ናብ ስልጣን ተመጣጢራ።

ምስ ህንዲ ውዕል ምምቕራሕ ማይ፡ ምስ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ዕጡቓት ድማ፡ ስምምዕ ሰላም ብምፍራም ናእዳ ረኺባ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ግን መንግስታ ብብዙሓት ብልሽውና ኣለዎም ዝበሃሉ ንግዳዊ ውዕላትን ንህንዲ ኣዝዩ ኢድ-ዝነስእን ተባሂሉ ተነቒፉ።

ድሒራ ኣብ 2001 በታ ናብ ኣንጻራ ዝዀነትት ናይ ቀደም መሓዛኣ - መራሒት ውድብ ሃገራዊ ሰልፊ ባንግላድሽ (BNP) ቤጉም ካሌዳ ዚያ ተሳዒራ።

ክልቲአን ደቂ ኣንስትዮ ወረስቲ ፖለቲካዊ ስርወ መንግስቲ ብምዃነን፡ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ፖለቲካ ባንግላድሽ ዓብሊለናኦ፣ ቀደም "ተዋጋእቲ ቤጉምስ" ተባሂለን ይፍለጣ ነይረን።

ቤጉም ንሓንቲ ልዑል መዓርግ ዘለዋ ኣስላመይቲ ሰበይቲ ዝወሃብ መዓርግ የመልክት እዩ።

ተዓዘብቲ፡ እቲ መሪር ንሕንሕ፡ ምጥፋእን ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለታትን ስሩዕ ፍጻመታተን ከምዝዀነ ይዛረቡ።

ወ/ሮ ሓሲና ኣብ መወዳእታ ኣብ 2009 ኣብ ትሕቲ ሓላዊ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ናብ ስልጣን ተመሊሳ።

ንሳ፡ ኣብ ተቓውሞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዙሕ ማእሰርቲ ከምኡ'ውን ካብ ሓያሎ ፈተነታት ቅትለት ኣምሊጣ።

ኣብ 2004፡ ሓደ እዝና ዝሃሰየ ፈተነ ቅትለትን ካልእ ግህሰታትን ኣሕሊፋ እያ።

ሓሲና እንታይ ኣመዝጊባ?

ባንግላድሽ ኣብ ትሕቲ ወ/ሮ ሓሲና ተነጻጻሪ ለውጢ ኣምጺኣ እያ።

እታ ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ካብተን ድኻታት ዓለም ዝነበረት ኣብዝሓ ኣመንቲ እስልምና ዝነብሩላ ሃገር፡ ካብ 2009 ጀሚራ ኣብ ናታ መሪሕነት ዘይከሓድ ቍጠባዊ ዓወት ኣመዝጊባ እያ።

ሕጂ ድማ ሓንቲ ካብተን ብቕልጡፍ ዝዓበያ ቍጠባታት ናይቲ ዞባ ኰይና፡ ዋላ'ውን ነታ ዓባይ ጐረቤታ ህንዲ ቀዲማ ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣታዊ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸን ባንኪ ዓለም ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ልዕሊ 25 ሚልዮን ሰባት ካብ ድኽነት ከምዝወጽኡን ይግምት።

መብዛሕትኡ እዚ ዕብየት ብኢንዱስትሪ ክዳውንቲ ዝተደረኸ ኰይኑ፡ እቲ ዝበዝሕ ጠቕላላ ሰደድ ካብ ባንግላድሽ ዝሕዝ እዩ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብቕልጡፍ ዝሰፍሐ ኰይኑ፡ ንዕዳጋታት ኣውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ኤስያን ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ወ/ሮ ሓሲና፡ ገንዘብ እታ ሃገር፡ ልቓሕን ልምዓታዊ ሓገዝን ብምጥቃም፡ ነቲ ብ2.9 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ስሙይ ዓቢ ድልድል ፓድማ ንሩባ ጋንጅስ ሓዊሱ፡ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ትሕተ ቅርጺ'ውን ሃኒጹ'ሎ።

ሚስ ሓሲና ስልጣን ምልክት ዲሞክረሲ ኰይና ነይራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዙርያኣ ዝለዓል ክትዕ እንታይ እዩ?

እዚ ናይ ሕጂ ተቓውሞ፡ ሓሲና ስልጣን ካብ እትሕዝ ንደሓር ዘጋጠማ ዝኸበደ ብድሆ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኣካታዒ ራብዓይ ዙር መረጻ፡ ሰልፋ ስዒሩ።

እቲ ናዕቢ ኣብ ስራሓት ሲቪላዊ ኣገልግሎት ኮታ ክስረዝ ብዝቐረበ ጠለብ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ንፖሊስ ተጠቒማ ንሰልፈኛታት ብዓመጽ ክትጭፍልቕ ብምፍታና፡ ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ቆሲሎም።

ካብ ስልጣና ክትወርድ ጸቕጢ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ንሳ ኣቕባጻ ጸኒሓ።

ነቶም ናዕበኛታት "ኣሸበርቲ" ብምባል ኰኒና፡ ብሓይሊ “ንምዕፋን" ኣብ ልዕለኦም ተሪር ስጕምቲ ክውሰድ ጸዊዓ።

ብተወሳኺ ንኣማኢት ሰባት ናብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒና ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣማኢት ሰባት ገበናዊ ክሲ ክምስረት ገይራ።

እዚ ኣንጻር ኮታ ዝግበር ናዕቢ፡ ባንግላድሽ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ መነባብሮ ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን'ዩ።

ዝቕባበ ዋጋታት ሰማይ ዓሪጉ፡ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ኣዝዩ ወሪዱ፡ ዕዳ ወጻኢኣ ድማ ካብ 2016 ጀሚሩ ብዕጽፊ ወሲኹ።

ነቐፍቲ ነዚ ብሰንኪ ዘይግቡእ ምሕደራ መንግስቲ ሓሲና ምዃኑ ይወቕሱ፤ ቅድሚ ሕጂ ባንግላድሽ ዝረኸበቶ ቍጠባዊ ዓወት ብሰንኪ ብልሽውና ከምዝተሃስየ ይዛረቡ።

ቍጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ብዋጋ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝመጸ እውን ይዛረቡ።

ወ/ሮ ሓሲና ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተቓወምታን መራኸቢ ብዙሃንን ዓፋኒ ምልካዊ ስጕምትታት ወሲዳ ተባሂላ'ውን ትኽሰስ - እዚ ድማ ንሓደ ንዲሞክራሲ ዝቃለስ ዝነበረ መራሒ ዘሕዝን ምግልባጥ እዩ።

ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ ሓሲና ኣብ 2009 ዳግማይ ስልጣን ካብ እትሕዝ ንደሓር፡ ብውሑዱ 600 ሰባት ሃለዋቶም ከምዝጠፍአን፡ ካልኦት ኣማኢት ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለታት ከምዝተፈጸሙን ይግምቱ።

ብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ማእሰርቲ፡ ምክትታልን ምግፋዕን ሓዊሱ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎም እዩ።

ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ተሪር ሕጊታት ተጠቒሞም ዓፈና ኣካይዶም፤ እዚ ድማ ንናጽነት ፕረስ ሓኒቑዎ።

ሓሲናን መንግስታን፡ ንከም በዓል ሞያ ስነ-ቝጠባን ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላምን መሓመድ ዩኑስ ዝኣመሰሉ ብምግፋዕ ይኽሰሱ።

መንግስቲ ወ/ሮ ሓሲና፡ ከምዚ ዓይነት ክስታት ግህሰት ይነጽጎ፤ እንተዀነ ከምዚ ዓይነት ክስታት ክምርምሩ ዝደልዩ ናይ ደገ ጋዜጠኛታት ክኣትዉ'ውን ኣይፍቀደሎምን።