ባንግላዲሽ፡ ሸውዓተ እስላማውያን ንሞት ፈሪዳ

ፍርደኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በቲ ኣብ 2016 ኣብ ርእሰከተማ ባንግላዲሽ፡ ኣብ ሓደ ካፌ ዝተፈጸመን 22 ሰባት ዝቐተለን መጥቃዕቲ፡ ሸውዓተ እስላማውያን ንሞት ተፈሪዶም።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳካ ብሓሙሽተ ዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ መብዛሕተኦም ወጻእተኛታት እዮም።

ነቲ መጥቃዕቲ ብምትላምን መሳርሒታት ብምቕራብን ሸሞንተ ሰባት ናብ ፍርዲ ዝቐረቡ ኮይኖም፤ ክሲ ናይቲ ሓደ ተቛሪጹ እዩ።

እቲ ንኣስታት ሸሞንተ ሰዓታት ዝጸንሐ መጥቃዕቲ፡ ኣብታ ሃገር ብእስላማውያን ዕጡቓት ካብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይግለጽ።

ዳዕሽ (ኣይ-ኤስ) ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ'ኳ እንተነበረ፤ ባንግላድሽ ግን በቲ ኣብታ ሃገር ዝመበቆሉ ሚልሻ ከምዝተፈጸመ እያ እትገልጽ።

ሓሙሽቲኦም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ሽዑ ብፖሊስ ተቐቲሎም እዮም።

ዓቃቢ ሕጊ ሳርዋር ከሃን እቶም ዝተፈረዶም ሰባት ገበነኛታት ምዃኖም ብግቡእ ከምዝተረጋገጸን፡ እቲ ዝለዓለ ፍርዲ ከምዝተበየነሎምን ገሊጹ።

ኣብታ ሃገር ናይ ሞት ፍርዲ ብማሕነቕቲ እዩ ዝፍጸም።

ይኹን እምበር ጠበቓ እቶም ተኸሰስቲ ይግባይ ከምዝሓቱ ገሊጹ ኣሎ።