ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ እንታይ ኢሉ?

ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትግራይ፡ ካብቲ ካብ 2020 ክሳዕ 2022 ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ገና ኣይሓወየትን ዘላ።

እቲ ጐንጺ፡ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ከም ዘብቅዐ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ፡ ዳግም ኣብቲ ክልል ኲናት ከይለዓል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ብሰኑይ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ካብ ስርሖም ኣጊዱ ኣሎ።

እቶም ዕጥቂ ዝሓዙ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብዝወስድዎ ዘለዉ ስጕምቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ሰባት ከቢድ ጕድኣት ከም ዝወረደ እቲ ምምሕዳር ብሰሉስ ከሲሱ።

እንተዀነ፡ እቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ዘሎ ክፋል ህወሓት፡ እቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ዘለዉ ኣዘዝቲ ኣብቲ ክልል "ሕግን ስርዓትን ናይ ምኽባር ስራሕቲ፡" ከም ዝጀመሩ ብምግላጽ፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምፍራስ ዝገበሩዎ ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ የሎን ክብል ነጺጕ።

ኣብዚ እዋን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣበይ ኣሎ? ምምሕዳሩ ንትግራይ ክቈጻጸር ዝኽእል ቍመና ኣለዎ ድዮ?

መስመር

ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ እንታይ'ዩ ተፈጢሩ ዘሎ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ስለ ዝተቘጻጸርካ መንግስቲ ኣይገበርካን። ማሕተም መንግስቲ ስለ ዝመንዛዕካ ብኡ ንብኡ ስልጣን መንግስቲ ትሕዝ ማለት ኣይኰነን። ይዅን'ምበር፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ብምንጋዕ ምስ ፈደራል መንግስቲ ዘሎ ርክብ ክጠውዩዎ'ዩ ዕላምኦም።

እዚ ፍንጫል ህወሓት ምስ መንግስቲ ፈደራል ድርድር እንተ ጀሚሩ፡ ስልጣን ፕረዚደንት ወይ ካልኦት ምምሕዳራት ክሕዝ'ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ'ዩ ዘለዎ። መብዛሕትኡ ኣባል እቲ ሰራዊት ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክሕሎ ኣለዎ ኢሉ'ዩ ዝኣምን።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ንምሉእ ንኽፍጸም ይደሊ። ግን ኣብ ገለ ቦታታት፡ ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ኵነታት ጥይት ተተኲሱ። እዚ ድማ ገለ 'ጽሉላት' ሰባት ማሕተም መንግስቲ ንምምንዛዕ ዘለዎም ድልየት ዘንቀሎ'ዩ። እቲ ዕላማ ንኸተማ ምቍጽጻር ዘይኰነ፡ ኣብ ገለ ከተማታት ዕግርግር ምፍጣር'ዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ዲኻ ዘለኻ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እየ ዘለኹ።

ቢቢሲ፡ ስለምንታይ ካብ ትግራይ ወጺእካ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ካብቲ ቀዳማይ ምኒስተር [ኣብይ ኣሕመድ] ስልኪ ተደዊሉለይ እየ መጺአ። እቲ ቀዳማይ ምኒስትር ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ንኸብርሃሉ ጸዊዑኒ። እዚ ጕዳይ ምስኡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ምስ ገለ ዲፕሎማሰኛታት ምዕራብ ይዘራረበሉ'የ ዘለኹ።

ምስ ኣምባሳደራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ተዛሪበ ኣለኹ። እዞም ሰባት ነቲ ኵነታት ይከታተሉዎ'ዮም ዘለዉ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ግብራዊ ንክኸውን ዝጽዕሩ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት እዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ፡ ኣብ ቀረባ ናብ ትግራይ ክትምለስ ዲኻ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ምስቲ ቀዳማይ ምኒስትር ዘሎኒ ኣኼባ ክውድእ ኣለኒ፤ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት ካልኦት ኣኼባታት ኣለዉኒ። ኣብ መጀመርታ እቲ ዝቕጽል ሰሙን [ናብ ትግራይ] ክምለስ'የ። ንሱ'ዩ እቲ መደብ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ኢንተርነት እንርእዮ ዘለና ነገራት ግን፡ ካብ ትግራይ ሃዲሙ ወጺኡ ዝብል'ዩ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ስለምንታይ'የ ካብ ትግራይ ዝሃድም?

ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ካብ ቍጽጽርካ ወጻእ ስለ ዝዀነ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ሓደ ነገር ክነግረኪ፡ ትማሊ [ብሰሉስ] ድሕሪ ቀትሪ ምስ ህዝቢ ይዘራረብ ነይረ። መሓዛ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝዀነ መንግስቲ ፈደራል ስልኪ ደዊሉለይ። ብርግጽ እቲ ዘሎ ኵነታት ዘተሓሳስብ'ዩ። መንግስቲ ፈደራል፡ ንትግራይ ዘመሓድሩ ሰባት ጸዊዑ ናይ ምዝርራብ መሰል ኣለዎ'ዩ።

ይዅን'ምበር፡ ዕላማ እዚ ክፋል ህወሓት ደንገርገር ክፍጠር እዩ ዝደሊ። ንዓይ ሓዊሱ ለውጢ ክመጽእ ዝደልዩ ሰባት ካብ ትግራይ ይወጽኡ'ዮም ዘለዉ። [ጌታቸው] ካብ ትግራይ ሃዲሙ ወጺኡ ዝብሃል ግን ሓሶት'ዩ፣ እዚ ነቲ ህዝቢ ንምድንጋር ዝተፈነወ ዘረባ'ዩ።

ቢቢሲ፡ ሓገዝ መንግስቲ ፌደራል ሓቲትካ ኣለኻ፤ እዚ እንታይ ማለት እዩ? ሓይልታት ፌደራል ጣልቃ ንክኣትው ትደሊ ዲኻ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ፈደራል ሓይልታቱ ከዋፍር ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ሕዚ ብዘሎ ኵነታት ግን ሓይልታት ፈደራል ጣልቃ ምእታዎም ትኽክለኛ ስጕምቲ'ዩ ኢለ ኣይሓስብን። መንግስቲ ፈደራል ምስ ኤርትራ ዘራኽበና ዶብ ናይ ምሕላዉ ሓላፍነት ኣለዎ።

ግን ንሕና እንደልዮ ሓገዝ እቶም ሕዚ ዕግርግር ዝፈጥሩ ዘለዉ ሓይልታት ናብ ቀልቦም ንኽምለሱ ዕድል ንኽወሃቦም'ዩ። ምስቲ ቀዳማይ ምኒስትር ምስ ተዘራረብኩ ዝስዕብ ነገር ክኣ ክንርእዮ ኢና።

ቢቢሲ፡ ብዙሓት ተጋሩ ህወሓት ሕዚ'ዉን ናብ ግጭት ከእትወና'ዩ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ ዝኸፍአን ዝሰፍሐን ኲናት ከይኸውን ስግኣት ኣለዎም።

ኣቶ ጌታቸው፡ ልክዕ'ዩ፡ መሪሕነት እቲ ዝተፈንጨለ ህወሓት ኰነ ካልኦት ኣብ ቀረባ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ ተግባር ንምፍጻም ዝተንቀሳቐሱ ወተሃደራት ሕማቕ ነገር እዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም'ዩ ዝግብኦ . . .

ቢቢሲ፡ ግን ድማ ንስኻ'ውን ምኽትል ኣቦ መንበር ህወሓት ኢኻ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኢኻ። ንስኻ'ውን ኣካል እዚ ውድቀት ኢኻ።

ኣቶ ጌታቸው፡ እወ ኣካል እቲ ውድቀት'የ፣ ነዚ ክሒደዮ ኣይፈልጥን። ኣካል እዚ ጸገም ብምዃነይ ሓላፍነት ንምውሳድ ንድሕሪት ኣይብልን። ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ግን፡ እቲ ካልእ ጕጅለ ህወሓት ብወተሃደራት ተሓጊዙ ዝፈጸሞ ተግባር ከተሓሳስበና ይግባእ።

እዚ ጕዳይ ዳግም ምስ መንግስቲ ፈደራል ዳግም ናብ ኲናት ካብ ምእታው ብዝሰገረ፡ ሓይልታት ወጻኢ ክኣትዉ ክዕድም ይኽእል'ዩ። ኣነ፡ እዚ ከጋጥም ኣይደልን፣ ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ትግራይ እዚ ኣይግብኦን።

ቢቢሲ፡ እቲ ዘሎ ስግኣት ሓይልታት ኤርትራ ነቲ ካልእ ክፋል ህወሓት ሓጊዞም፡ እቲ ካልእ ድማ ብሓይልታት ፈደራል ተሓጊዙ ትግራይ ዳግም ዓውደ ውግእ ክገብሩዋ'ዮም ዝብል'ዩ።

ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ጕዳይ መንግስቲ ፈደራል ንሓደ ጕጅለ ክድግፍ'ዩ ኣይድግፍን ዝብል ኣይኰነን። መንግስቲ ፈደራል ክሳተፍ እንተ ደለየ'ውን ሓይልታት ከዋፍር'ዩ ማለት ኣይኰነን። ኤርትራ ግን ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒማ ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ግጭት እንተ ኣትያ፡ ትግራይ ዓውደ ውግእ ክትከውን'ያ።

እዚ ከወግድ እየ ዝደሊ ዘለኹ። እንተዀነ ኣይተዓደልናን - ገለ ሰበስልጣን ህወሓት ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ይዅን'ምበር፡ ነዚ ንምውጋድ ብዝተኽኣለና ዓቕሚ ዝክኣለና ክንገብር ይግባእ።

ቢቢሲ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርካ ድሕነቱ ዝተሓለወ ድዩ? ንትግራይ ከመሓድር ይኽእልዶ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ገለ ወተሃደራት ማሕተም ኣብ ምምንዛዕ ተሳቲፎም ኣለዉ ማለት፡ ምሉእ ሰራዊት ትግራይ ንሓደ ጕጅለ ህወሓት ይድግፍ'ዩ ማለት ኣይኰነን። ኣነ ብዙሓት ኣባላት ህወሓትን ሓይልታት ትግራይን ጸግዒ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ዮም ወሲዶም ዘለዉ። እቲ ሕዚ ዝርአ ዘሎ ገልጠምጠም ዝደልዩዎ ሰባት ከም ዘለዉ ግን ግልጺ'ዩ።

ቢቢሲ፡ ነቲ ሕቶ ኣይመለስካዮን። ምምሕዳርካ ድሕነቱ ዝተሓለወ ድዩ? ንትግራይ ክቈጻጸር ይኽእል ድዩ ዋላስ?

ኣቶ ጌታቸው፡ ብሰንኪ እቲ ሓደ ጕጅለ ህወሓት ከባቢታት ሰሜን ምዕራብን ማእከላይን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይነን እየን። ነዚ መሊስና ክንቈጻጸሮ ኢና። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ መንግስቲ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ክረክብ ኣለዎ።