ኤርትራ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ከብቅዕ ትጽዕር ከም ዘላ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Fabrice Coffrini/AFP via Getty Images
ኤርትራ፡ ኣብታ ሃገር ይፍጸም እዩ ንዝተባህለ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንዝምርምር ዕማም ሕቡራት ሃገራት ስርሑ ደው ከተብሎ ትጽዕር ምህላዋ፡ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተላእከ ሰነድ ከም ዘመልክት ሮይተርስ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሳሕቲ ዝርአ ስጕምቲ ተቐባልነት እንተ ረኺቡ፡ ካብ መርመራ ክሃድማ ንዝደልያ ሃገራት ከተባብዐን ከም ዝኽእል ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት ስግኣቶም ይገልጹ።
እቲ ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብሱዳናዊ ክኢላ ሕጊ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ዝምራሕ ኰይኑ፡ ከም ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝኣመሰሉ ስቪካውያን ማሕበራት ገበን ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ዘይምቕራብ ኣስፋሕፊሑ ምህላዉ ኣብ ዝሕብሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንኽስንድ ስልጣን ተዋሂቡዎ ኣሎ።
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብ16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኵነታት ኤርትራ ከም ዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ።
መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ንቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ተቓውሞኦም ዝገልጹ ሰባት ምስዋር፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሱ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ መሰላት ካብ ዶባት እታ ሃገር ሰጊሩ ናብ ዳያስፖራ ከም ዝበጽሕ'ውን ሓቢሩ።
"እታ ሃገር እትፍጽሞ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ክሳብ ክንዮው ዶባታ ዘሎ ዳያስፖራ ዝዝርጋሕ'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብቲ መጋባእያ ዝተረኽበ ወኪል ኤርትራ ሃብቶም ዘርኣይ ብወገኑ፡ እቲ ጸብጻብ "ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎ'ዩ" ክብል ብምንጻግ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝኽተሎ ፖሊሲ ርትዓዊ ከም ዘይኰነ ነቒፉ።
ጸብጻብ ሮይተርስ፡ ነቲ ቅድሚኡ ወርሒ ኣብ ግንቦት ንዝቐረበ፡ ምኒስተር ዜና ኤርትራን ዲፕሎማስያዊ ልእኽ ኤርትራ ኣብ ጀነቫን ነቲ ርእይቶ ክህብሉ ዝቐረበሎም ሕቶ፡ ብቕጽበት መልሲ ከም ዘይሃብሉ ይገልጽ።
ኤርትራ ነዚ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኣተኲሩ መርመራ ዘካይድ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ ንውልቀ-ሃገራት ዒላማ ዝገበረ መርመራታት ደው ክብል ንዝገልጽ እማመኣ ዝማጐቱ ልኡኻት ብምስዳድ ተቓውሞኣ ኣስሚዓ።
ከም ብዓል ሱዳን፡ ሩስያን ኢራንን ዝኣመሰላ ሃገራት ንኤርትራ ደገፈን ክህባ እንከለዋ፡ ከም ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ድማ ነጺገንኦ።
ኣብ 16 ሰነ፡ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ድሕሪ ዘቕረቦ ብዓል 19 ገጻት ጸብጻብ፡ ወከልቲ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብልን ለውጢ ክገብርን ጸዊዖም ነይሮም።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መግለጺኡ፡ "ሃለዋት ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተሰዊሮም ዘለዉ ሰባት ክግለጽ ኣለዎ። እቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ'ውን ብህጹጽ ክፍትሑ ኣለዎም፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ "ብፍላይ በቲ ኣብ ልዕሊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቓወምቲ መንግስትን ዝፍጸም ዘሎ ስግረዶባዊ ጸቕጢ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ፡" ክብል ገሊጹ።
ኤርትራ ነቲ ትቕጽሎ ዘላ፡ "ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ዕስክርናን'ውን፡" ደው ከተብሎ ተማሕጺኑ።

ምንጪ ስእሊ, UN TV
እዚ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ብገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 2012 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብሕብረት ኤውሮጳ እናተመርሐ ዓመታዊ ይሕደስ ኣሎ።
ኣብዚ ዓመት ኤርትራ፡ ናብ ዝተወሰና ሃገራት ዒላማ ዝገበረ እዩ ብምባል፡ ዕማሙ ጠቕሊሉ ደው ከብል እማመ ከም ዘቕረበት ነቲ ሰነድ ዝተመልከተ ሮይተርስ ይገልጽ። እዚ ድማ ዘይተለምደ እዩ።
ኣብ ትሕቲ መርመራ ናይዚ ፍሉይ ልኡኽ ዝርከባ ሃገራት፡ ነቲ መርመራ ከዳኽማኦ ወይ ክዓግትኦ ይፍትና'ምበር፡ ምሉእ ብምሉእ ከብቅዕ ክሓታ ብዙሕ ከም ዘይርአ ክኢላታት ይዛረቡ።
እዚ ኣሰራርሓ'ዚ ዳርጋ ን20 ዓመታት በዚ መንገዲ'ዚ ክኸይድ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እዚ ብኤርትራ ዝቐረበ እማመ፡ ሃገራት ብሕጊ ክሕተታ ንዝግበር ጻዕርታት ክዓግታ ዘተባብዕ ከይከውን እቶም ክኢላታት ሻቕሎቶም ይገልጹ።
ኣብ 2023 ኢትዮጵያ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ (ኲናት ትግራይ) ዝከታተል ኣህጉራዊ ኮምሽን ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ወርሒ ቅድሚ ገደብ ግዜኡ ከብቅዕ ውጥን ኣቕሪባ ነይራ።
እንተዀነ፡ ብምዕራባውያን ሃገራት ድሕሪ ዘጋጠማ ጸቕጢ ነቲ ውጥና ገዲፋቶ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኵሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት፡ ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸሙ እቲ ኮምሽን ገሊጹ እኳ እንተ ነበረ፡ ክልተአን ሃገራት ግን ነጺገንኦ ምንባረን ይፍለጥ።
ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ልዑላውነትን ጣልቃ ዘይምእታውን ዝብል መትከላት ናይተን ሃገራት ካብ ኣህጉራዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ንምልጋስ ከም መመኽነይታ ክጥቀማሉ ከም ዘይብለን ይገልጽ። ኤርትራ ምስቲ ወኪል ክትተሓባበር ፍቓደኛ ዘይምዃና፡ "ካብ ኣህጉራዊ መርመራ ንምህዳም ክውዕል የብሉን፡" ይውስኽ።
እቲ በቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ቤትምኽሪ ዝካየድ መርመራታት መብዛሕትኡ ግዜ ብምዕራባውያን ሃገራት እዩ ዝጅመር - ልክዕ ከምቲ ኣብ ጉዳያት ሩስያን ሱዳንን ዝተራእየ። ሓድሕደ ግዜ፡ እቲ ዝእክቡዎ መርትዖታት ኣህጉራውያን ኣኽበርቲ ሕጊ ይጥቀምሉ።
ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ድማ ድምጺ ክወሃብ ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







